ክሳብ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከለኹ ዝገዛእኹዎም ክዳዉንቲ'የ ዝኽደን

ክሳብ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከለኹ ዝገዛእኹዎም ክዳዉንቲ'የ ዝኽደን

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዳንግላ ተወሊዳ ዝዓበየት ምንተኣምር በለጠ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ብዲግሪ ተመሪቓ'ኳ ስራሕ እንተኣለሸት ብዝተምሃረትሉ ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ግን ድማ ንገዛእ ርእሳ ክተመሓድር ስለዘለዋ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ጫማ ወልዊላ ክትናበር ከምዝተገደደት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻኒሒት ገሊጻ።