ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ቅንያት ሆስፒታል፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ?

ፓፕ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምስ ሕማም ሳንቡእ ብዝተሓሓዝ ጸገማት ጥዕና ዘጋጠሞም ጳጳስ ፋራንሲስ ናብ ሆስፒታል ካብ ዝኣትዉ ክልተ ሰሙን መሊእዎም ኣሎ።

ምልስ ክይድ ዝብል ኩነታት ጥዕንኦም ብፍላይ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ከቢድ ፀገም ምስትንፋስ ኣስዒቡሎመረ ነይሩ ተባሂሉ።

እዞም ወዲ 88 ዓመትሃይማኖታዊ ኣቦ ዘየቋርጽ ተምላስን "ሃንደበታዊ ምግዳድ ኩነታት ስርዓተ ምስትንፋሱን" ከምዘጋጠሞም ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ንኸስተንፍሱ ብዝሕግዞም መሳርሒ ሕክምና'ውን ጋዝ ተዋሂብዎም።

ቫቲካን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወሳኺ ናይ ምስትንፋስ ቅልውላው ከምዘየጋጠሞምን ነቲ ሕክምናዊ ኦክስጅን ጽቡቕ ምላሽ ከምዝሃቡን ኣፍሊጣ።

"ንቑሕን ትኩርን" ምህላዎም'ውን ገሊጻ።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ቁርባን ተቐቢሎም ኣለዉ።

ረኽሲ ዘመልክት፡ ምውሳኽ ቁጽሪ ጻዕዳ ዋህዮታት ደም ከምዘየርኣዩን፡ ዋሕዝን ዑደትን ደሞም "ርጉእ" ከምዝኾነን መግለጺ ቫቲካን የመልክት።

መግቢ ምብላዕ ዝቐጸሉ ኮይኖም ስሩዕ "ናይ ምስትንፋስ ፊዚዮቴራፒ" ንጥፈት እውን ይገብሩ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ፡ ኣቡነ ፍራንሲስ "ሰላማዊ ለይቲ" ከምዘሕለፉን ዕረፍቲ ከምዝገበሩን ቫቲካን ካብ ምግላጻ ብተወሳኺ፣ ሓደ በዓል ስልጣን ድማ "ሎሚ ንግሆ ቡን ሰትዮም ይመስለኒ" ክብል ሓቢሩ ነይሩ።

ሓካይም እቶም ጳጳስ ብፍላይ ምስቲ ብዓርቢ ዘጋጠሞም ከቢድ ቅልውላው ምስትንፋስ ብዝተሓሓዝ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታቶም ዝኾነ ጉድኣት ወይ ምድኻም በጺሑ እንተኾይኑ ንምፍላጥ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ከምዘድልዮም ምንጭታት ቫቲካን ይገልጹ።

ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ 2013 ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ስልጣን ካብ ዝርከቡ ንደሓር ኣብ ሆስፒታል ዘሕለፍዎን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝረሓቑሉን ዝነውሐ እዋን እዚ ናይ ሎሚ'ዩ።

እዚ ድማ ንብዙሓት ሮማውያን ካቶሊካውያን ክጭነቑ ገይሩ'ሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ንሓያሎ መዓልታት ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምስ ኣጋጠሞም ብ14 ለካቲት ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ይዝከር።

ኣብ ክልቲኡ ክፋል ሳንቡኡ ኒሞንያ ከምዘለዎም ቅድሚ ምፍላጡ፡ ንሕማም ብሮንካይትስ ሕክምና ተገይሩሎም ነይሩ።

እዞም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ናይ 12 ዓመታት ስልጣኖም ብተደጋጋሚ ኣብ ሆስፒታል ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።