ጥዕና ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ 'ኣስጋኢ' ደረጃ ከም ዝርከብ ቫቲካን ገሊፁ

ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Vatican Pool/Getty Images

ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ "ዘስግእ" ደረጃ ከም ዝርከብ፤ እንተዀነ "ተወሳኺ ጸገም ምስትንፋስ" ከም ዘጠጋጠሞም ቫቲካን ሓቢሩ።

ሊቀ ጳጳስ ሮማ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ "ልዕሊ ዝዀነ ግዜ ሓሚሞም'ዮም ዘለው" ዝበለ መግለጺ ቫቲካን፡ በዚ ምኽንያት ደም ክወስዱ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ወዲ 88 ዓመት ጳጳስ ፍራንሲስ ደሓን'ኳ እንተነበሩ፡ ልዑል "ዋሕዚ ኦክስጅን" የድልዮም ስለ ዝነበረን እቲ ዝተገብረሎም መርመራ "ኣብ ውሽጢ ክትትል ክጸንሑ" ከም ዘለዎም ከም ዘርኣየን ወሲዅ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ሕጂ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር" ዝኣተወ ጸገም ኵሊት ኣጋጢሙዎም ነይሩ ኢሉ።

እቶም ጳጳስ፡ ሕማም ሳምቡእ [ኒሞንያ] ኣጋጢሙዎም ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጌሜሊ ይሕከሙ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

"ኵነታት ቅዱስ ኣቦና ሕጂ'ዉን ዘስግእ እዩ። እቶም ሊቀ ጳጳስ ሕጂ'ዉን ካብ ሓደጋ ናጻ ኣይኰኑን፡" ኢሉ።

እቶም ጳጳስ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናኦም ብግልጺ ንክዝረብ ስለ ዝሓተቱ፡ ቫቲካን መዓልታዊ መግለጺ ይህብ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ "ንቝሑን ኣብ ጽቡቕ ኵነታትን ኣለዉ፡" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ንሓያሎ መዓልታት ናይ ምስትንፋስ ጸገም ምስ ኣጋጠሞም ብ14 ለካቲት 2025 ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጌሜሊ ኣትዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቐዲሙ፡ ሓካይም ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ኳ እንተዀነ ንፈለማ ግዜ ዝተዋህቦም መድሃኒት ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ተዛሪቦም ነይሮም።

ብዓርቢ፡ ዝኰነ ንእሽቶ ለዉጢ፡ ነቲ ኩነታት ከተሓላልዀ ከም ዝኽእል ገሊጾም ነይሮም።

ካብቶም ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ሓደ፡ "ጳጳስ'ዮም፤ ግን ድማ ሰብ'ዉን እዮም፡" ኢሉ።

እቶም ጳጳስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸገም ስርዓት ምስትንፋስ ምስ ኣጋጠሞም እዮም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።

ኣብ መበል 21 ዓመቶም ሓደ ክፋል ሳንቡኦም ስለ ዝተኣለየ፡ ኣብ ከባቢ ሳንቡእ ብዘጋጥም ነድሪ ንረኽሲ ሳንቡእ ተቓላዒ ኰይኖም ጸኒሖም።

ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ንካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን ሮማ ክመርሑዋ ጸኒሖም። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2023 ንሰለስተ መዓልታት ብብሮንካይትስ ሓሚሞም ነይሮም፤ ብዙሕ ግዜ ድማ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም'ዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኵነታት ጥዕና እቶም ጳጳስ ዝከታተሉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊኽ እዚ ዜና የጨንቘም'ዩ።

እዚ ዓመት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ሮማ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም በጻሕቲ ክመጽኡ ትጽቢት እትገብረሉን እቶም ሊቀ ጳጳስ ዓበይቲ መርሃ ግብርታት ዝሕዝሉ ዓመት ክብረ በዓላትን'ዩ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ድማ ካብ ዝዀነ ምንቅስቓስ ተገዲቦም ክጸንሑ ዝደልዩ ሰብ ኣይኰኑን።

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ሆስፒታል ኰይኖም ጸሎት የብጽሑ ነይሮም።

ኣብ ወንበሮም ኰይኖም የንብቡ ከም ዝነበሩ ድማ ሓካይም ገሊጾም።

እንተዀነ፡ ቫቲካን ቅድሚ ምሕማሞም ምስ ምእማንን ኣብ ሓበራዊ ጸሎት ዕለተ ሰንበት ከም ዘይሳተፉን ክመርሑ ከም ዘይክእሉን ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ማለት፡ ንኻልኣይ ሰሙን ኣብ ከምዚ ዓይነት መደባት ኣይተሳተፉን ማለት'ዩ።

ሰሙን ሙሉእ፡ እቶም ጳጳስ ጥዕንኦም ንክምለስ ዝምነዩ ውልቀሰባት ሽምዓ፣ ዕምበባታትን ደብዳበታትን ሒዞም ኣብቲ ሆስፒታል ክበጽሑ ተራእዮም።