ቻይና ዘወንጨፈታ መንኮርኩር ኣብ ርሑቕ ኣካል ወርሒ ከም ዝዓለበት ኣፍሊጣ

ቻይና ናብ ህዋ ዘወንጨፈታ ሰብኣልቦ መንኮርኩር ቻንግ-6

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ናብ ህዋ ዘወንጨፈታ ሰብኣልቦ መንኮርኩር ቻንግ-6

ቻይና ናብ ህዋ ዘወንጨፈታ ሰብኣልቦ መንኮርኩር ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዘይተዳህሰሰን ተፈቲኑ ዘይፈልጥን ርሑቕ ኣካል ወርሒ ብዓወት ከም ዝዓለበት ገሊፃ።

ሃገራዊ ምምሕዳር ህዋ ቻይና (ሲኤንኤ)፡ እታ ቻንግ-6 ዝተሰመየት መንኮርኩር ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ-ኣይትከን ከም ዝዓለበት ኣፍሊጡ።

መንኮርኩር ቻንግ-6፡ ክቡር ከውሕን ሓመድን ንምእካብ ዓሊማ እያ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጉዕዞ ጀሚራ።

እዚ ዳህሳስ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ዝርከብ ገዚፍ ሓጓፍ ጥንታዊ ከውሕታት ወርሒ ከውፅእ ይኽእል እዩ።

ኣብ ርሑቕ ክፋል ወርሒ መንኮርኩር ንምርኻብ ከቢድ ብምዃኑ፡ ምዕላብ እታ መንኮርኩር ዘፍርሕ እዩ ነይሩ። ቻይና ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እውን ቻንጊ-4 ዝተብሃለት መንኮርኩር ኣብ ወርሒ ብምዕላብ ዓወት ዘመዝገበት እንኮ ሃገር እያ።

ካብ መወንጨፊ ማእኸል ዌንቻንግ ናብ ህዋ ምስ ተወንጨፈት፡ ቻንግ-6 ንክትዓልብ ኣብ ዙርያ ወርሒ ክትኾልል ፀኒሓ።

ደሓር ከኣ እቲ ዝዓልብ ክፋል ካብቲ ዓዋዳይ (orbiter) ብምፍንጫል ካብ ምድሪ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ዓሊቡ።

እታ መንኮርኩር ኣብ ምቹው ቦታ ንምዕላብ ፃዕሪ ኣብ ትገብረሉ፡ ብድሆታት ብምፍላይ ምንቅስቃስ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ድማ ከም ኩነታት ፀልማት ዝቀያየር ብርሃን ዝተገጠመላ ከም ዝኾነ ማእኸል ዜና ዡንዋ ንሃገራዊ ምምሕዳር ህዋ ቻይና (ሲኤንኤ) ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ቻይና ነዚ ዕዉት ምዕላብ መንኮርኩር “ታሪኻዊ” ክብላ ገሊፀንኦ።

እታ መንኮርኩር ኣብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ኣብ ትዓልበሉ፡ ኣብ ኤሮስፔስ በይዢንግ “ዕሙር ጣቕዒት” ከም ዝነበረ ፀብፂበን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንችስተር ስፔሻሊስት ጂኦሎጂ ወርሒ ዝኾነ ፕሮፌሰር ጆን ፔርኔት-ፊሸር፡ “እዞም ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ሰብ ርእይዎም ዘይፈልጥ ከውሕታት ክንርእይ ስለ ንኽእል ብጣዕሚ ኢና ተሃንጢውና ዘለና” ኢሉ።

ፕሮፌሰር ጆን ፔርኔት-ፊሸር፡ በታ ብኣሜሪካ ዝተወንጨፈት መንኮርኩር ኣፖሎን ናይ ቅድሚ ሕዚ ልኡኽ ቻይናን ዝተኣከቡ ከውሕታት ተመራሚሩ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ቻይና ዘወንጨፈታ መንኮርኩር ቻንግ 5 ኣብ 2020 ሓመድን ከውሕታትን ሒዛ ተመሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕዚ ቻይና ዘወንጨፈታ መንኮርኩር ቻንግ 5 ኣብ 2020 ሓመድን ከውሕታትን ሒዛ ተመሊሳ

እዚ ናይ ሕዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ከውሒ ካብ ዘይተኣከበሉ ክፋል ወርሒ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ፕላኔታት ብኸመይ ከም ዝተፈጠራ መሰረታዊ ሕቶት ክምልስ ከም ዝኽእል ገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ዝተኣከቡ ከውሕታት፡ ኣብ ኣይስላንድ ወይ ሃዋይ ምስ ዝርከቡ እሳተጎመራዊ ከውሕታት ሓደ ዓይነት እዮም።

ካብ ርሑቕ ሸነኽ ዘሎ ከውሒ ግና ዝተፈለየ ኣፈጣጥራ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ፕሮፌሰር ጆን ፔርኔት-ፊሸር፡ “ፕላኔታት ብኸመይ ተፈጢረን፡ ንምንታይ ቅርፍቲ ይፍጠሩ፡ መበገሲ ማይ ኣብ ስርዓተ ፀሓይ'ከ እንታይ እዩ ንዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክንምልስ ይሕግዘና’ዩ” ኢሉ።

ሃገራዊ ምምሕዳር ህዋ ቻይና (ሲኤንኤ)፡ እዚ ልኡኽ መካኒካዊ ኣፅዋርን መሰርሰርን ብምጥቃም፡ ናብ 2 ኪሎ (4.4 ፓውንድ) ዝኸውን ውዱዕ (ነገር) ንምእካብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ገሊፁ።