ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ዝሞተሉ ፍጻመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ዝሞተሉ ፍጻመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ ዝጓዓዘላ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሬሳኡ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ እታ ሃገር ተረኺቡ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሑሴን ኣሚር ዓብዱላህያን ከምኡ’ውን ካልኦት ሽዱሽተን እውን በቲ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ሞይቶም። ኣብ ዶብ ኣዘርባጃን ዝተሰርሐ ዲጋ ከፊቶም ድሕሪ ምምራቕ፡ ናብ ታብሪዝ ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ፡ ኣብቲ ብጽዑቕ ግመ ተሸፊኑ ዝነበረ ኣኽራናት እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ኣጋጢሙ።