እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ እንዳ መሸጣ ቡን ክሳዕ ምውናን ፍሉጥ ቤት ብልዒ - ህይወት ቻቺ ተፈራ
ካብ እንዳ መሸጣ ቡን ክሳዕ ምውናን ፍሉጥ ቤት ብልዒ - ህይወት ቻቺ ተፈራ
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ ተወሊዳ ዝዓበየት ቻቺ ተፈራ ናብ ዩኒቨርስቲ ምስኣተወት ጎናገኒ ትምህርታ ኣብ ጥቓ እቲ እትመሃረሉ ዩኒቨርስቲ ናይ ፑል ሃውስ ሓላዊት ኮይና መዓልታዊ ድልየታታ ተማልእ ከምዝነበረት እያ እተዘንቱ። ንሳ ካብኡ ተበጊሳ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት መግብን እንዳ ቡንን ወርቃ ዝብል ትካል ከፊታ ንልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ቆጺራ ኣብ ምስራሕ እትርከብ ኢትዮጵያዊት እያ።