ደም ዘፋስስ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ሶርያ፡ እንታይ ዘንቀሎ እዩ?

ሓይልታት ጸጥታ ሶርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ጸጥታ ሶርያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ኣብ ዝተባህለሉ ናይ መዓልታት ግጭት መራሒ ሶርያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ ኣብ ምጉዳእ ሰላማውያን ሰባት ዝተሳተፈ ሰብ ክሕተት ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተቖጻጻሪ ከምዝበሎ፡ ዓርብን ቀዳምን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ 830 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡ እዚ ድማ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይግመት።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ዘውደቐ ምንቅስቓስ ዝመርሐ ሻራ፡ ኣብቲ ብሃገራዊ ቲቪ ዝተዘርግሐ መልእኽቱ ንእሙናት ኣሳድ ክሃድኖም ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ኣብቲ ውግእ 231 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን 250 ደገፍቲ ኣሳድ ዝኾኑ ተዋጋእትን እውን ከምዝሞቱ እቲ ተቖጻጻሪ ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ (SOHR) ዝሓበረ ኮይኑ ብሓፈሻ ቁጽሪ ሞት ናብ 1311 ከምዝዓበየ ተገሊጹ።

እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ ህሞት ደው ኢልና ኣብ ዘለናሉ እዋን፡ ሓድሽ ሓደጋ ኣጋጢሙና ኣሎ - ተረፍ መረፍ ስርዓት ነበርን ናይ ወጻኢ ደገፍቶምን ሓድሽ ግጭት ከለዓዕሉን ናብ ኲናት ሓድሕድ ጎቲቶም ሓድነትና ክዘርጉን ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሉ።

ሻራ ኣብቲ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሳና ዝተለጠፈ ናይ ቪድዮ መደረ ወሲኹ፡ "ኣብ ምፍሳስ ደም ሲቪላት ወይ ኣብ ምጉዳእ ህዝብና ዝተዋፈረ ሰብ፡ ብጽኑዕን ብዘይ ምሕረትን ክሕተት ምዃኑ ነረጋግጽ" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ "ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣይክኸውንን እዩ፡ ኣእዳዉ ብደም ሶርያውያን ዝጠልቀየ ሰብ ድማ ብዘይ ውዓል ሕደር ቀልጢፉ ናይ ኢዱ ክረክብ'ዩ" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቐዲሙ ብሰንበት፡ "ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም ግህሰት ንምጽራይን ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ንምልላይን" "ናጻ ኮሚቴ" ከምዝተጣየሸ ብቴሌግራም ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሃገራዊ ሓድነት ክህሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ላታክያን ታርቱስን ብደገፍቱ ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ ንዝብል ክሲ ግን ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

"ብናይ ፈጣሪ ፍቓድ ኣብዛ ሃገር ብሓባር ክንነብር ኢና" ክብል ኣብ ደማስቆ ካብ ዝርከብ ሓደ መስጊድ ኮይኑ ተዛሪቡ።

ሓደ ምንጪ ጸጥታ ሶርያ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ከተማታት ላታክያ፡ ጃብላን ባኒያስን ናህሪ ውግእ ከምዝዘሓለ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝረአ ዘሎ ግጭት፡ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ምክያዱ ስዒቡ ዝተበገሰ እዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶርያ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሳና ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጸጥታ "ናይ ክድዓት መጥቃዕቲ" ክብል ገሊጽዎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ መንጎ እሙናት ኣሳድን ሓይልታት መንግስትን ናብ ማዕበላዊ ግጭት ተሰጋጊሩ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሶርያውያን ኣብ ደማስቆ ተኣኪቦም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ዓመጽ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ ገማግም ሜዲትራንያን ባሕሪ ዝነብሩ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ኣለዉ።

ግዝኣታት ላታክያን ታርቱስን ቀንዲ ፖለቲካዊ መሰረት ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ኣብ ላታኪያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ብዝሒ ዘለዎም ሶርያውያን ዕቝባ ከምዝሓተቱ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ዓሰርተታት ሰባት ካብቲ መደበር ወጻኢ "ሓለዋ ሩስያ ንደሊ ኢና" ዝብል ጭርሖታት ከስምዑ ዘርኢ እዩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስድራቤታት'ውን ናብ ጎረቤት ሃገር ሊባኖስ ከምዝሃደሙ ሓቢረን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ጌር ፔደርሰን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶርያ ኣዝዩ ዘጨንቕ ጸብጻባት ክሳራ ሲቪላት ከምዝሰመዐን በዚ ድማ ከምዝተሰናበደን ገሊጹ።

ኩሎም ወገናት ሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ናብ ሓደጋ ካብ ዘውድቑ ተግባራት ክቑጠቡን ተኣማንን ንኹሉ ዝሓቁፍን ፖለቲካዊ ምስግጋር ክህሉ ክገብሩን ጸዊዑ።

ብተመሳሳሊ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ነቲ ጸብጻባት "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ክብል ብምጽዋዕ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ዝተፈጠረ ግህሰት "ቅልጡፍ፡ ግሉጽን ዘይሻራዊን መርመራታት" ከምዘድሊ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሊባኖስ ሞጅታባ ኣማኒ፡ ኣብ ላታክያን ታርቱስን ንዝተፈጸመ ቅትለት ዓላዊውያን፡ "ስርዓታዊ"ን "ኣዝዩ ሓደገኛን" ክብል ብምግላጽ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ሶርያ ነቲ ቅልውላው ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ ከሲሱ።

ኣማኒ፡ "ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ኣሳድ፡ ሶርያ ፈታኒ ናይ ስግግር ግዜ ከጋጥማ ትጽቢት ይግበር ነይሩ" ኢሉ። "እቲ ሕጂ ዝግንፍል ዘሎ መጠን ዓመጽ ግን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኣዝዩ ዘጨንቕን'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢራን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝወደቐ ስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ተላፊኑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣሳድ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዓፋኒን ኣረሜናዊ ምሕደራን ዳርጋ ን14 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድን፡ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።