'ተደርብዩ ዝተባህለ መጽሓፍ ‘ወዲ-ረዛን’ ጕድለት ሕትመት ስለዝተረኽቦ እዩ' - ኣሕታሚ

ኣብ መንገዲ ዝተረኽበ መጽሓፍቲ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ, Neblu

ብኣማኢት ዝቝጸር ቅድሓት ሓደ ‘ወዲ-ረዛን’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መጽሓፍ ትግርኛ ኣብ ከተማ ለንደን ተደርብዩ ከምዝተረኽበ ተቓሊሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ምኽንያት ምስ ሕትመት ዝተኣሳሰር ጕድለታት ስለዘተርኽቦ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣሕታምን ዘርጋሕን እቲ መጽሓፍ ምዃኑ ዝገለጸ ዮናስ መኮነን ዝተባህለ ሰብ ካብ ለንደን፡ እቲ መጽሓፍቲ ኣብ ሕትመት ጕድለታት ስለዝተረኽቦ "ሪሳይክል" ንክኸውን ኣብቲ ጐደና ዝተደርበየ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ኣብ ሓደ ኣብ ምዕራብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ጐደና ዝተረኽበ መጽሓፍቲ ዝበዝሕ ኣብ ባኮታት ተዓሺጉ’ዩ ጸኒሑ።

ሓንቲ ሓላፊት መንገዲ ዝዀነት “ኤርትራዊት ነባሪት ለንደን”፡ ነቲ መጽሓፍቲ ድሕሪ ምርካባ ንኻልእ ሰብ ሓቢራ።

እቲ ሰብ ድማ፡ ነቲ ተደርዲሩ ዝጸንሐ ባኮታት ምስ ረኣዮ፡ “ወዲ-ረዛን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመ መጽሓፍ ትግርኛ ምዃኑ ተገንዚቡ።

ኣብ ከተማ ለንደን ዝነብር ነብዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሓንቲ ሓፍትና’ያ ደዊላ፡ መጽሓፍ ተደርብዩ ረኺበ ኢላትኒ” ብምባል ብኸመይ ናብቲ ቦታ ከምዝኸደ የረድእ።

እቲ ዘይተጸበዮ ዘጋጠሞ ነብዩ፡ “ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ኣብ ናይ ለንደን ጐደና ገዲፈዮ ክኸይድ ነብሰይ ኣይገበረለይን” ብምባል በቲ ዘጋጠሞ ከምዝተገረመ ተዛሪቡ።

“ኣነ ሓቂ ዘረባ ናይ እንግሊሽ እንተ ዝኸውን ኣይመልዓልክዎን ነይረ፡ ግን እንተረኣኽዎ ናይ ትግርኛ’ዩ፡ ማይ እናሃረሞ ጸኒሑኒ፡ ብጣዕሚ’ዩ ተሰሚዑኒ" ኢሉ።

እቲ መጻሕፍቲ ብዝሑ 600 ምዃኑ ዝጠቐሰ ዮናስ "እቶም እንዳ ሪሳይክሊን ካብ ገዛይ ንኽወስድዎ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢለ እየ ሓቲተ፡ ግን ኣይመጹን" ክብል ብዛዕባ እቲ ኩነታት ተዛሪቡ።

ኣብቲ እቶም ትካል - ሪሳይክሊን - ንብረት ዘልዕሉሉ ዝበሎ ቦታ ባዕሉ ከምዘቐመጦ ድማ ይገልጽ።

ኣብ መንገዲ ዝተረኽበ መጽሓፍቲ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ, Nebiu

ዓይኑ ዓሚቱ ክኸይድ ነብሱ ከም ዘይገበረሉ ዝገለጸ ነብዩ ግን ነቲ ንጸሓይን ዝናብን ተቓሊዑ ዝረኸቦ መጽሓፍቲ ናብ መኪናኡ ሰቒሉ ናብ ውሑስ ቦታ ቅድሚ ምውሳዱ ናብ ገዛኡ ተማሊእዎ።

“ስለዚ ኣልዒለ ኣብ መኪና ገይረ ንገዛ ኣብጺሐዮ፡ መኪና ስለዝመልአት ግን ንገሊኡ ገዲፈዮ ነይረ። ደሓር ምሸት ከኣ ነቲ ዝተረፈ ቅድሚ ምብልሻዉ ክእክቦ ኢለ ተመሊሰ ወሲድዮ።”

ሓያለ ባኮታት ግን ድሮ ብማይ ጠስጢሱ ተባላሽዩ ብምንባሩ፡ ከምዘየልዓሎ’ዩ እቲ ገባር ሰናይ ነብይ ዝዛረብ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ናብ ሓደ ዓርኩ ብምድዋል፡ ዋና መጽሓፍቲ ወይ ደራሲ ንምርካብ እንታይ ይሓይሽ ክብል ተወኪስዎ። “ካብ ዝበላሾ፡ ካብ ዝጓሓፍ” ክሳብ ዋና ዝርከብ ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ከጽንሕዎ ተሰማሚዖም፡ ናብ ሓደ መኻዚኖ ወሲዶሞ ኣለዉ።

ሓላፍነት ሕትመት ዝወሰደ ዮናስ መኮነን፡ ነቲ ዝተራእየ ጽቡቕ ተግባር ብምንኣድ፡ እቲ ገባር ሰናይ ቀዲሙ ረኺብዎ እምበር፡ እቶም ትካል ከልዕልዎ ምኸኣሉ ነይሮም ዝብል ትጽቢት ከምዝነበሮ ይዛረብ።

እቲ መጽሓፍ ብግቡእ ዝተዓሸገን ዝተደርደረን፡ ብዝሒ ድማ ስለዝነበሮን ናብቲ ትካል ከይዱ እንደገና ተጣሒኑ ንኽምስራሕ ዝተገድፈ ምዃኑ ክግምት ኣይከኣለን ይኸውን ኢሉ።

ኣብ መንገዲ ዝተረኽበ መጽሓፍቲ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ, Neblu

“ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ኣብ ጽርግያ ተደርብዩ ክትረኽቦ ዘሕዝን’ዩ” ዝብል ነብዩ ናብ ዋናኡ ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ’ጐይትኦም ጊለ’ ዝብል ስም ደራሲ ዝሐዘ ‘ወዲ-ረዛን ሓቀኛ ታሪኽ ሓዘል ልብ ወለድ ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መጽሓፍ ኣብ 2023 ኣብ ለንደን ከምዝተሓተመ ይጠቅስ።

እዚ መጽሓፍ፡ ኣብ ድምጺ ተመሊኡ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተሓትመን ኣቐዲሙ ኣብ ፋይል ፒዲኤፍ ዝቐረበን ርኡይ "ፍልልይ" ስለዝተረኽቦ፡ ደራሲ "ብኸምዚ መልክዕ ናብ ኣንበብቲ ክዝርጋሕ ፍቓደኛ ኣይኰንኩን" ስለዝበለ፡ ብስምምዕ ክልቲኦም፡ እዚ ቅዳሕ ክጓሓፍ ከምዝተወሰነ ዮናስ ወሲኹ የብርህ።