ፖሊስ ኣውሮጳ ነቲ ዝዓበየ መርበብ ዕጸፋርስ በታቲኑ

ምንጪ ስእሊ, POLICE HANDOUT
ሓደ ሲሶ ቀረብ ዕጸፋርስ ኣውሮጳ ዝሽፍን ዝነበረ ዓርሞሽሻዊ መርበብ ምስግጋር 'ቲ ዕጺ ከምዝተበታተነ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኤጀንሲ ፖሊስ ሕብረት ኣውሮጳ፡ በቲ ብርሃን ምድረበዳ ዝተሰመየ ስርሒት (Dubbed Operation Desert Light)፡ ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ኣውሮጳ 49 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።
ነዚ ዕጸፋርስ ዘቕርብ ግዙፍ መሓውር ከም ዝመርሕ ዝተጠርጠረ ብሪጣንያዊ ዝርከቦም ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ኣብቲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ስርሒት ልዕሊ 30 ሽሕ ኪሎ ግራም (30 ቶን) ዝምዘን ዕጸፋርስ ከም ዝተታሕዘ ኤጀንሲ ፖሊስ ሕብረት ኣውሮጳ (ዩሮፖል) ኣፍሊጡ።
ዩሮፖል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገዚፍ ኣቕራቢ ጕጅለ ዕጸፋርስ ጕጅለ ንምብትታን፡ ‘ስርሒት ብርሃን ምድረበዳ’ ምስ ሰብመዚ ስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ በልጅየም፡ ኔዘርላንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብልፍንቲ ከም ዝሰርሐ ሓቢሩ።
ካብ መንጐ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ዋህዮታት እዚ ጕጅለ፡ እቶም ሽዱሽተ ብዓለምለኸ ፖሊስ ክድለዩ ዝፀንሑ እዮም።
ፖሊስ ስጳኛ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ሽድሽተ፡ እቲ ሓደ ኣብ ኮስታ ዴል ሶል ዝነብር ዝነበረ ብሪጣንያዊ እዩ።
እዚ ኣርሓ ዕጸፋርስ ዝዀነ ጕጅለ፡ ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ዘዘዋውር ገዚፍ መርበብ ገበን ከም ዝፈጠረ፡ ዩሮፖል ገሊፁ።
እዚ ስርሒት ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ፡ ፖሊስ፡ ዝተወደቡ መርበባት ገበን ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ንምዝውዋር ዝጥቀምሎም ሚስጥራዊ ዝዀኑ ስልክታት ንምስርሳር ጻዕሪ ዝገበረሉ እዩ።
ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ተበጊሱ ብኔዘርላንድስ ኣቢሉ ዝኣተወ ዕፀፋርስ ኮከይን፡ ቀንዲ ዒላማ እዚ ምርመራ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ዋህዮታት እዚ ምዝውዋር ዕጸፋርስ፡ ኣብ 2021 እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።
እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብዚ ዓመት ካብ 8 ክሳብ 19 ሕዳር፡ ኣብ ሽድሽተ ሃገራት ብዝተኻየደ ልፍንታዊ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ፡ ዩሮፖል ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ነቶም ኣዘዋወርቲ ክኣስሩ እንከለዉ፡ ዝዀነ ንብረት ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ድዩ ዝብል ግልጺ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ገጽ ዩቲዩብ እቲ ኤጀንሲ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ግን፡ ጕጅለ መርመርትን ኣኽላባት ምርመራን፡ ብክቡራት መኻይን ዝተመልኡ ገዛውቲ እናፈተሹ የርእይ።
መራሒ እዚ ገዚፍ መርበብ ዕፀፋርስ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ብሪጣንያዊ፡ ቅድም ክብል ኣብ ስጳኛ ኣብ ቀይዲ ንኸይውዕል ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሃዲሙ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት ኢማራት ኰይኑ ድማ ነቲ ገዚፍ መሓውር ክመርሖ ከም ዝፀንሐ መግለጺ ኤጀንሲ ምኽባር ሕጊ ስጳኛ (ሲቪል ጋርድያ) ሓቢሩ።
ዩሮፖል፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ፡ መርመርቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽረኽቡን ገበነኛታት ንኽኣስሩን ኣኽኢሉ እዩ ኢሉ።
ሓደ ስሙ ዘይተገለጸ ምንጪ ዩሮፖል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስቲ ሪድዋን ታጊ ዝተባህለ ኔዘርላንዳዊ ሓለቓ ገበን ርክብ ከም ዘለዎ ዝጥርጠር ካልእ ሆላንዳዊ “ዓቢይ ዓሳ” ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ እቶም ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ብምዝውዋር ዝተጠርጠሩ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፎም ክወሃቡ ከምዝሓቱ ገሊጾም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብመሰረት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ኣብ ኣውሮጳ ቁጽሪ ተበጻሕነት ኮከይን በብዓመቱ ይውስኽ ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።
ኮከይን ምስ ምጥቃም ወይ ምውናን ዝዛመዱ ገበናት’ውን ክውስኹ ተራእዮም'ዮም። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ኣባጽሕ ዕጸፋርስ ኮከይን ተጠቒሞም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







