ኒውካስል፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ መሳርዓ ዝምለሰሉ ዕድል ግን ኣሎ ድዩ?

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ማልያ እታ ሕጂ ዝሕሰማ ዘሎ ኒውካስል ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እታ ብዘይ እቲ ናብ ሊቨርፑል ክኸይድ ኣለኒ ኢሉ ሓንጊዱ ዘሎ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣንጻር ኣስቶንቪላ ዝተጋጠመት ኒውካስል ኣብ መኸፈቲ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2025/2026 ብዘይሸቶ ማዕረ ምፍልላያ ደገፍታ ኣእዳዎም ናብ አሌክሳንደር ኢሳቕ ከወጣውጡ ቀሲብዎም ኣሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ቀንዲ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመታት ዋንጫ ንኽትዓትር ኣኽኢልዋ'ዩ። ነዚ ከአ ደገፍቲ እታ ጋንታ ብኽብሪ ዘልዕልዎ ነጥቢ'ዩ።

ሕጂ ግን ጋንታኦም ኣብ መኽፈቲ ጸወታ በታ ኣብ መበል 66 ደቂቕ ሓደ ተጻዋታይ ብቀይሕ ወጺእዋ ብ10 ተጻወትቲ ዝገጠመቶም ኣስቶንቪላ ማዕረ ምውጽኦም ክወሓጠሎም ኣይክኣለን።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ደገፍቲ ኒውካስል ነቲ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ምስታ ጋንታ ኵዕሶ ዘይተንከፈ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 'ስሱዕ' ክብልዎ ተሰሚዖም።

ብዘይካ እዚ ሓድሽ መዝሙር ብምውጻእ "We don't care about Isak, he don't care about me," [ንሱ ብዛዕባይ ኣይግደስ ንሕና ብዛዕባ ኣሌክሳንደሰር ኢሳቕ ኣይንግደስን] እናበሉ ይዝምሩ ነይሮም።

'ኣሌክሳንደር ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ጌጋ'ዩ'

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ማልያ ኒውካስል ለቢሱ ክጻወት እንተዀይኑ፡ ልቢ እታ ጋንታን ደገፍታን ንምርስራስ ሓያል ጻዕሪ ከድልዮ'ዩ።

ኣብታ ጋንታ ንነዊሕ ዓመታት ብምጽዋት ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ እታጋንታ ዝዀነ ኣላን ሽረር ምስ ቢቢሲ 5 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት "ኣብ ሰሙን 100 ሽሕ ፓውንድ እናተኸፈለ ዘይጻወት ተጻዋታይ ሒዝካ፡ ብማእከላይ ገምጋም ተዓዘብቲ ጸወታ ንኽርእዩ ካብ 60 ክሳብ 70 ፓውንድ እናኸፈሉ ናብ ሜዳ ክኣትዉ ኣዝዩ ከቐንዝዎም ንቡር'ዩ" ኢሉ።

ኣለን ሽረር፡ "ኣብ ኵዕሶ ተኣማንነት ዝብሃለ ነገር የለን፡ ጋንታታት ዘዋጸአን ይገብራ ተጻወተቲ ከኣ ከምኡ፡ እንተዀነ ነዚ ንኽትገብር'ውን ኣገባብ ኣለዎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ከኣ ጌጋ'ዩ፡ ወይ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣላን ሽረር ብዛዕባ ሊቨርፑል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንምዕዳግ ዘቕረበቶ ገንዘብ ኣመልኪቱ ከኣ "ሊቨርፑል ናብ ወኪሉ [ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ] 110 ሚልዮን ፓውንድ ሒዛ ምቕራባ፡ ብ110 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘይረኽብዎ ይፈልጡ'ዮም፡" ኢሉ።

"ኣብ ሓደ ካብ ዝበለጹ ዓመታት ኒውካስል ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ወዲ፡ ኣብ 70 ዓመታት ንመጀመርታ ነታ ጋንታ ዋንጫ ዘዐወተ፡ ዳግማይ ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ዘሕለፈ ተጻዋታይ፣ ውዕሉ ገና ሰለስተ ዓመታት ተሪፍዎ እንከሎ ኣብዛ ጋንታ ኣይጻወትን'የ ክብል?" ብምባል ኣብ ልዕሊ ውሳነ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዘለዎ ሓሳብ ገሊጹ።

ኣሰልጣኒ ኒውካስል ሆወ ምስ ኵሉ ስምዒታቱ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ኒውካስል ናይ ምቕጻል ድሌት እንተሃልይዎ ማዕጾ እታ ጋንታ ርሑው ምህላዉ ምስ ኣስቶን ቪላ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላዮም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣሰልጣኒ ኣስዒቡ ኣሌክሳንደር ካብታ ጋንታ ርሒቑ በይኑ ልምምድ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ "እንታይ ክገብር ከም ዝደሊ ምውሳን" ንዕኡ ከምዝምልከት ብምሕባር፡ ጉዳዩ ግን ቅልጡፍ ፍታሕ ከምዘድልዮ ኣመልኪቱ።

ብኩራት ኣሌክሳንደር ንኒውካስል ካብ ዓወታት ከብኩራ'ዩ

ኒውካስል ነዚ ዓመተ ውድድር ኣብ ትዳለወሉ፡ ኣሌክሳንደር ካብ መሳርዓ ምጕዳሉ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ምድላው እቶም ካልኦት ተጻወትቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣይስሓትን'ዩ።

ዝያዳ ንምርድኡ ኣብ ዝሓለፈ ኣሌከሳንደር ኣብ ዘይነበረሉ ዝተጻወተተን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጸወታታት ኒውካስል ሸቶ ይዅን ዓወት ከተመዝገብ ኣይክኣለትን።

ኣሌክሳድር ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዘመዝገበቶም ሸቶታት ኣብ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ኣበርክቶ ነይርዎ፣ ነቲ 33.8 ሚእታዊት ሸቶታት ከኣ ባዕሉ ኣመዝጊብዎ።

ትማሊ ቀዳም ምስታ ሓደ ተጻዋታይ ብቀይሕ ዝወጽኣ ኣስቶን ቪላ ማዕረ ምፍልላያ ከኣ ንኣገዳስነት ኣሌክሳንደር ዘርኢ'ዩ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሰልጣኒ ኒውካስል ሆወ "እዞም ኵሎም ናብ ሜዳ ዝወረዱ ተጻወትቲ ምስዛ ጋንታ ክጻወቱ ዝደልዩ'ዮም፡ ንኽዕወቱ ከኣ ኵሉ ዝክኣሎም ገይሮም'ዮም፡ [ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዘይምህላዉ] ዝኾነ ስነኣእምሮኣዊ ድኻም ኣይነበሮምን" ብምባል ኣሌክሳንደር ዘይምህላዉ ኣብ ውጽኢቶም ጽልዋ ከምዘይነበሮ ገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ኒውካስል 16 ንሸቶ ዝዀና ፈተነታት'ያ ኣካይዳ፣ ብኣንጻሩ ኣስቶን ቪላ ሰለስተ ፈተነታት ገይራ።

ኒውካስል ካብ 16 ፈተነታት ሓንቲ'ውን ሸቶ ከተመዝገብ ዘይምኽኣላ ብርግጽ ኣሌክሳደር ወይ ንዕዱ ዝዳረግ ኣጥቓዒ ከምዘድልያ መርኣያ እዩ።

እታ ጋንታ ንኣጥቃዓይ ብረይንትፎርድ የዋን ዊሳ ንምፍራም ላዕልን ታሕትን ምባላ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።

ውዱኣት ኣመዝገብቲ ሸቶ ምርካብን ምፍራምን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሎሚ ዓመት ግን ልዕሊ ዝዀነት ጋንታ ንኒውካስል'ዩ ከሪርዋ ዘሎ።

እታ ጋንታ ንቤንጃሚን ሰሴኮ፡ ሁጎ ኢኪቲክን ጆ ፑድሮን ዓይና ኣውዲቓትሎም ነይራ'ያ፤ ንሶም ግን ብቕደም ተኸተል ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ሊቨርፑልን ቸልስን ተጸንቢሮም።

ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ'ውን ጋንታኡ ሕጽረት ኣጥቃዕቲ ገጢምዋ ምህላዉ ኣይሓብአን።

"ዕዳጋ ኣጥቃዕቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጸበበ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ" ብምባል ኣብዚ እዋን ውዱእ ኣጥቃዒ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ጸወታታት ፕሪሚየርሊግ ትማሊ ሓደ ኢሉ መጋረጃኡ ከፊቱ ኣሎ። ኒውካስል ሓድሽ ኣጥቃዓይ ድያ ከተምጽእ ንኣሌክሳንደር ኣእሚና ናብ መሳርዓ ክትመልሶ ግዜ ክምልሶ'ዩ።