ዩክረይን፡ ስለምንታይ ተባዕታዊ ዘርኢ ወተሃደራታ ክትዕቅብ ትደሊ ኣላ?

ዝደቀሰ ህጻን
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ማክሲም ብዛዕባ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክዛረብ ጸገም የብሉን። እኳ ደኣ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ብዛዕባ ፍርያምነት ክሓስቡን ክዛረቡን እዩ ዝምነ።

"ደቂ-ተባዕትዮና ይሞቱ እዮም ዘለዉ። ዘርኢ ዩክረይን ይጠፍእ ኣሎ። እዚ ብዛዕባ ድሕነት ሃገርና እዩ፡" ክብል ኣብ ጥቓ ምብራቓዊ ግንባር ኰይኑ ብተሌፎን ይዛረብ።

እዚ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ሓለዋ ዩክረይን ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዕረፍቲ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ብዓልቲ-ቤቱ ኣብ ኪቭ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ብምኻድ ናሙና ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክገድፍ ኣእሚናቶ።

እቲ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ከም ኣካል እቶም ወተሃደራት ዘገልግሉዎ ዘለዉ ብናጻ እዩ ዝዕቀበሎም።

ማክሲም ኣብቲ ውግእ እንተ ሞይቱ፡ ብዓልቲ-ቤቱ ነቲ ናሙና ተጠቒማ እቲ ወትሩ ዝምነዩዎ ውላዶም ክትሓቍፍ ትኽእል እያ።

ንሱ፡ እቲ ኣብ ፍሪጅ ዝተዓቀበ ዘርኢ፡ ስድራቤት ንምፍጣር ወሳኒ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ካብ ግንባር ክሳብ ክንደይ ቅረብ ርሓቕ ብዘየገድስ፡ ብድሮናት ሩስያ ውሕስነት ከም ዘየሎን ብሰንኪ እቲ ጸቕጢ'ውን ናይ ምፍራይ ዓቕምኻ ከም ዝንኪን ይገልጽ፣ "ስለዚ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሃገርና ዩክረይን ክንሓስብ ኣለና፡" ይውስኽ።

ምዕቃብ ዘርኢ

ክሊኒካት ብሕቲ ኣብ 2022 ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝጀመረሉ፡ ንደቂ-ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣገልግሎት ምዕቃብ ዘርኢ ክህባ ጀሚረን።

ኣብቲ ዓውደ-ውግእ ንፍርያምነቶም ዝጸሉ መጕዳእቲ ከጓንፎም ስለ ዝኽእል እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ንዘርኦም፡ እተን ደቀንስትዮ ድማ ንእንቋቝሖአን ኣብ ፍሉይ መዐቀቢ ክኽዝኑዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ ባይቶ ናይታ ሃገር ነቲ ተግባር ንምቍጽጻር ኢዱ ኣእትዩን ምወላ ገይሩን።

"ወተሃደራትና ንመጻኢ ህይወትና ይከላኸልሉና እኳ እንተለዉ፡ ህይወቶም ግን ክስእኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዝዀነ ኢና ድማ ነዚ ዕድል ክንህቦም ደሊና፡" ክትብል ኣባል ባይቶ ኦክሳና ድሚትሪየቫ ነቲ ክንደይ ዝሓገዘቶ ሕጊ ተብርህ።

እቲ ሕጊ፡ እቶም ወተሃደራት እንተ ሞይቶም ኵሎም ዝተዓቀቡ ዘርኢታትን እንቋቝሖታትን ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ብናጻ ክዕቀቡን መጻምድቲ ክጥቀምሉ ብጽሑፍ ክሓቱ ከም ዘለዎምን ይገልጽ።

እቲ መደብ፡ ድሮ ነቲ ቅድሚ ወራር ሩስያ'ውን ዝነበረ ቅልውላው ምጕዳል ህዝቢ ክድግፍ ዝፍትን እዩ ነይሩ። ቀጺሉ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዩክረይን ኣብ ኲናት ይሞቱ ስለ ዘለዉ ዝያዳ እዋናዊ ሕቶ ኰይኑ።

ኣባል ባይቶ ድሚትሪቫ፡ "ብዛዕባ መጻኢናን ኵሎም ዝሰኣንናዮም መንእሰያትን ኢና ንሓስብ ዘለና። ብዝሒ ህዝብና ንምስሳን ሓደን ንእሽቶን ስጕምቲ እዩ፡" ኢላ።

ኣብ ኪቭ ብመንግስቲ ዝመሓደር መዓቀቢ ዘርኢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኪቭ ብመንግስቲ ዝመሓደር መዓቀቢ ዘርኢ

መደብ ምዕቃብ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ

ብመንግስቲ ዝመሓደር ማእከል ሕክምና ተፈጥሮ ኪቭ፡ ካብ ጥሪ ኣትሒዙ ዘርኢ ደቂ-ተባዕትዮ ክቕበል ጀሚሩ።

ዛጊት ደርዘን ዝዀኑ ጥራይ እኳ እንተ ተመዝገቡ፡ ጽቡቕ ገይሩ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ክመጽኡ ምዃኖም እቲ ክሊኒክ ብምትእምማን ይገልጽ።

ዳይረክተር ናይቲ ክሊኒክ ኦክሳና ሆሊኮቫ፡ "ብዙሕ ጠለብ ኢና ንጽበ፣ ልዑል ተስፋ እዩ ዘለና፡" ትብል።

በቲ ሓራሳት ዝነበርኦ ኮሪደር እናሓለፈት፡ "ደቀንስትዮ ውጥረት እንተ ሃልይወን፡ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ጸገም ክህልወን ይኽእል'ዩ። ኵሉ ዝተኣሳሰር'ዩ፡" ትብል።

"ኣስታት 60% ሕሙማተይ ነቶም ብሰንኪ ሚሳይላትን ድሮናትን ስንባደ ዘለዎም ሓዊስካ ጸረ-ጭንቀት መድሃኒታት ይወስዱ፡" ትውስኽ።

ውሳነ ቤትፍርዲ ዩክረይን

ካተሪናን ቪታሊን ኣብ መርዓኦም ዝተሰኣሉዎ

ምንጪ ስእሊ, Instagram/Katerina Malyshko

መግለጺ ስእሊ, ካተሪናን ቪታሊን፡ ቪታሊ ድሒሩ ኣብ ውግእ ተቐቲሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዩክረይን ክትስስን ነፍስወከፍ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን የድልያ። እንተዀነ፡ እቶም ንወተሃደራት ንምሕጋዝ ዝወጽኡ ሕግታት ኵሉ ሳዕ ልሙጻት ኣይኰኑን።

ካተሪና ማሊሽኮን ብዓል-ቤታ ቪታሊን ውላድ ንምርካብ ክጽዕሩ ጸኒሖም። ብሰንኪ ኲናት ዝፈጠሮ ጸቕጥን ድቃስ ኣልቦ ለይትን ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ድቂ ክትሕዝ ከም ዘይከኣለት ትኣምን። "ነፍስወከፍ ለይቲ ከም ሎተሪ እያ - ንጽባሒቱ ክትትስእ ምዃንካ ኣይትፈልጥን፡" ትብል።

ሎሚ ዓመት መበል ራብዓይ ዓመት መርዓኦም መብዓሉ ነይሮም፣ ክወልዱ'ውን ይኽእል ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ሰለስተ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ ድቂታት ነይሮሙዎም። ካተሪና ናብ ማህጸና ከተሰጋግሮም መደብ ነይሩዋ፣ ሽዑ ብዓል-ቤታ ቪታሊ ተቐቲሉ።

ካተሪና ብዘይ ብዓል-ቤታ ምንባር ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ። ብድሕሪ'ዚ፡ ብዝተዓቀበ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ሕክምና ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ገሊጻ።

ኣባል ባይቶ ኦክሳና ድሚትሪየቫ፡ ስድራቤት ወተሃደራት ሕክምናዊ ሓገዝ ብዛዕባ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ምስ ገለ ክሊኒካት ተዘራሪባ። እቲ ሓድሽ ሕጊ "ክውርጽጽ" ከም ዘድልዮ'ውን ኣብሪሃ። ኣብ ሓያሎ እማመታት ድምጺ ክወሃብ ድማ ትጽቢት ይግበር።

እታ ኣብ ሓዘን ዝጸንሐት ካተሪና ድሕሪ ተረርቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቤትፍርዲ ዝተመላለሰቶ፡ መወዳእታኡ ዳኛ ሓሳብ ልባ ዘስምር ውሳነ በይኑ።

"እቲ ብይን ምስ ኣንበብኩዎ ነቢዐ። ነዊሕ ኢና ተጸቢና፡ ብብዙሕ ኣሕሊፍና፡" ድሕሪ ምባል፡ "ንመሰለይ ክቃለስ ስለ ዝነበረኒ ኣብ ሓደ እዋን ሓጐስን ሓዘንን ተሰሚዑኒ። ንሰብኣየይ ክብሪ ንምሃብ ግን ክገብሮ ነይሩኒ፡" ኢላ።

ካተሪና ቈልዓ ክትወልድ ድልውቲ ኣይኰነትን ዘላ - ገና ተጐዲኣ ኣላ። እቲ ኲናት'ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ዘብቅዕ ኰይኑ ኣይርኣያን። ንውላዳ ኣብ ሰለማዊት ሃገር ክትወልዶ ትድሊ።