ቅድሚ ኵሉ ፈላሞታት ህሞታት ሓጐስ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ክስንድ ዝተዓደለ ኣዳም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዳም ስሚዝ፡ ንዝሓለፉ 18 ዓመታት፡ ህሞታት እቶም ኣብ ዓለምና ብሩህ ኣእምሮ ኣለዎም ተባሂሉ ካብ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ንህይወቶም ዝቕይር ጻውዒት ዝተቐበሉ ተሸለምቲ ክስንድ ጸኒሑ ኣሎ።
እቶም ነዚ ሽልማት ክወስዱ ዝሕረዩ ሰባት ቴሌፎን ክድወሎም እንከሎ፡ ምናልባት ኣብ ዝደቀስሉ ዓራት እንከለው ክኸውን ይኽእል።
ገሊኦም ኣብ ስራሕ ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ፡ ገሊኦም ኣብ ጕዕዞ ነፋሪት እንከለው ክሰምዑ ይኽእሉ።
ኵሎም ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ግን ብስራት እዚ ዓብዪ ዜና ንክሰምዑ ቴሌፎን ይድወለሎም’ዩ።
ነዚ ምስ ሰምዑ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ካልእ ቴሌፎን ይድወለሎም። እዚ ካብ ኣዳም ስሚዝ’ዩ።
ካብ 2006 ጀሚሩ፡ ዝዀነ ሓድሽ ተዓዋቲ ኖቤል ካብ ዝሰምዖም ቀዳሞት ድምጽታት ሓደ ናይ ኣዳም እዩ።
ኣዳም ስሚዝ ኣብ ኖቤል ፕራይዝ ኣውትሪች ሓላፊ ሳይንሳዊ ክፍሊ እዩ።
ስለ ዝዀነ ድማ ዳርጋ ንዅሎም ሓደስቲ ተዓዋወትቲ ሽልማት ኖቤል ኣዘራሪቡዎም እዩ።
ስርሑ፡ ምስ ሓደስቲ ተሸለምቲ ኖቤል ናይ መጀመርታ ዝርርብ ብምግባር፡ ነቲ ዝተሰምዖም ሃንደበታዊ ኣግራሞት፣ ፍናንን ነጸብራቕን ምቕዳሕ እዩ።
እዚ ህሞት እዚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ስምዒታት ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይኰነን።
እቲ ብልምዲ ነቲ ዜና ብስራት ንምንጋር ናብ ተዓወትቲ ሎሬታት ቴሌፎን ዝድውል ሰብ፡ ጸሓፊ ኮሚተ ወይ ሓላፊ ንጉሳዊ ኣካዳሚ ሳይንስ ሽወደን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ዓመታት ክቕየር ይኽእል።
ስሚዝ ግን ን18 ዓመታት ኣብ ቦታኡ ጸኒሑ ኣሎ።
“ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ምስ ብዙሓት [ተዓወቲ ሽልማት ኖቤል] ተዘራሪበ ኣለኹ” ይብል።
ስሚዝ፡ ናብዞም ተሸለምቲ ቴሌፎን ክድውል እንከሎ ቀጻሊ ናይ ስራሕ ዝምድና ክፈጥረሉ ዝኽእል መገዲ እዩ ዘጣጥሕ።
እቶም ተዓወትቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መንእሰያት ተመራመርቲ፡ ኢንጅነራትን ተመሃሮን ንምዝርራብ ነቲ ሽልማት ሒዞም ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝካየዱ መድረኻት ይዘሩ’ዮም።
እቶም ንፖድካስት ሽልማት ኖቤል ዝተቐድሑ ጻውዒታት ቴሌፎን፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ንሱን መሳርሕቱን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሃነጽዎ ማህደር ቃለ መሕትታት እዮም።
ኣዳም ስሚዝ ዝሰርሖ ስራሕ፡ ብዝሒ ምስ ሓደሽቲ ተሸለምቲ ኖቤል ዝገብሮ ዝርርባት ጥራይ ኣይኰነን ዘይተለምደ ዝገብሮ፤ እኳ ድኣ እቶም ዝስንዶም ፍሉይ ህሞታት።
“ቅድሚ ንዝዀነ ሰብ ምዝራቦም ስለ ዝዀንኵ ዝድውለሎም፡ እቲ ዜና ሽዑ’የ ዘበስሮም። ሓሓሊፉ ድማ ከምኡ’ዩ ዘጋጥመኒ” ብምባል፡ ሓሓሊፉ ሰባት ንዝዀነ ነገር ኣብ ዘይተዳለውሉ ኵነታት እንከለው ክድውለሎም ከም ዘጋጥሞ ይዛረብ።
ወትሩ ግን ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኰነሉን። ሓሓሊፉ እታ ኮሚተ ነቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ክትረኽቦ እንተዘይክኢላ፡ ፈላማይ ዝድውል ሰብ ስሚዝ እዩ ዝኸውን።
ከም ንቡር፡ ንሱ ኣይኰነን እቲ ዓብዪ ዜና ብስራት ክነግር ዘለዎ።
ኣብ ገለ እዋናት፡ ወግዓዊ መግለጺ ከይተዋህበ እንከሎ እቲ ጸሓፊ ኮሚተ ይኹን ኣዳም ስሚዝ ናብቲ ተዓዋቲ ሽልማት ቴሌፎን ክድውሉ ኣይክእሉን። ኣብ 2013 ምስ ካልኣዩ ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ ዝተኻፈለ ፒተር ሂግስ ኣብታ ተዓወትቲ ዝንገረላ መዓልቲ ቴሌፎን ከይሓዘ ናብ ምሳሕ ቈጸራኡ ወጺኡ ነይሩ።
ድሓር፡ ኣብ ኢደንብራ ናብ ገዝኡ እናኸደ እንከሎ ነቲ ዜና ካብ ዝሰምዐት ሓንቲ ጐረቤቱ ‘እንቋዕ ኣሐጐሰካ’ ክትብሎ መኪናኣ ደው ከተብል ምስ ኣበለት እዩ ነቲ ብስራት ሰሚዑ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ኣብ 2004 ሽልማት ኖቤል ምስ ካልኣያ ኖቤል ፊዚዮሎጂ ወይ ሕክምና ዝተኻፈለት ተመራማሪት ስነ ህይወት ሊንዳ ባክ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ናይቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ማእከል ምርምር ደዊሉ።
እቲ ዳይረክተር ኣብ ሲያትል እዩ ነይሩ፤ ሰዓት ድማ 2፡00 (ለይቲ ሰዓት 8 ብኣ.ኢትዮጵያ) ይብል ስለ ዝነበረ፡ ናይ እማን ካብ ኮሚቴ ኖቤል ዘይኰነስ ኣብቲ ፋካሊቲ ስራሕ ደልዩ ዝድውል ዘሎ ሰብ ስለ ዝመሰሎ ብሙሉእ ቀልቡ ኣየዘራረቦምን።

ምንጪ ስእሊ, Nobel Prize Outreach
መብዛሕትኦም ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል፡ ቅድሚ እቲ ዜና ብስራት ምስምዖም ‘ክዕወት ይኸውን’የ’ ዝብል ግምት ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ገለ ከም ሂግስ ዝኣመሰሉ ክኢላታት ካብ ዝመጽኦም ኣቓልቦ ንምህዳም ክጽዕሩ ይኽእሉ፤ ገሊኦም ድማ ነታ ናይ ታሕጓሶም ህሞት ንምስናድ ዓመት ዓመት ተዓዋቲ ኖቤል ኣብ ዝእወጀሉ ምሸት ኣብ ጐድኒ ዓራቶም ካሜራ ከም ዘቐምጡ ስሚዝ ይዛረብ።
“ሽልማት ኖቤል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ዝብል ገለ ምልክት ከይሃለወካ ሽልማት ኖቤል ክትረክብ ልሙድ ኣይኰነን። ገለ ሻብ ክኣ ክሳብ ዝንገረካ ክትጽበ ዘሎ ሸቐልቐል ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል”።
ኣብ 2020 ሽልማት ኖቤል ዝተኻፈለት ኢማኑኤለ ሻርፐንቲየር፡ እቲ ሽልማት ክትዕወተሉ ከም እትኽእል “ኣሽሓት ግዜ” ዘዘኻኽሩዋ ሰባት ከም ዝነበሩ ትገልጽ።
ኢማኑኤለ ሻርፐንቲየርን ጀኒፈር ዳውድናን፡ ነቲ ኣብ ቴክኖሎጂ ‘ኤዲቲንግ ጂኖም’ ዝሰርሕኦ ስራሕ ብኬሚስትሪ ሽልማት ኖቤል ዝወሰዳ ፈላሞት ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ምስ እንግሊዛዊ ክኢላ ኮምፒዩተር ፕሮፌሰር ደሚስ ሓሳቢስ ብኬሚስትሪ ሽልማት ኖቤል 2024 ዝተዓወተ ጆን ጃምፐር ኣብቲ ሕርያ ከም ዝኣተወ ኣቐዲሞም ካብ መንጐ ዝፈለጡ ሓደ እዩ።
ንሱ፡ ‘AlphaFold2’ ዝተባህለ ኣቃውማ ዳርጋ ኵሎም ፕሮቲናት ንምግማት ዘኽእል ሰብ ሰርሖ ብልሒ [ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ] እዩ ምሂዙ።
“ኣብቲ ቃለ መጠይቕ፡ '10 ሚኢታዊት ዕድል ከም ዝነበረኒ ይግምት’ ኢሉኒ” ክብል ኣዳም ስሚዝ ይዛረብ።
መብዛሕትኦም ግን ብዛዕባ ተስፋታቶምን ትጽቢታቶምን ዝያዳ ጥንቁቓት እዮም።
“ዋላ'ውን [ሓደ ተዓዋቲ ሽልማት] ኣብ ሓደ እዋን ክዕወት ይኽእል’የ ኢሉ እንተሓሰበ፡ እዚ ምናልባት ንሒደት ዓመታት ክቕጽል ይኽእል፤ ካብዚ ብዝብገስ ገሊኦም ግዳያት ምትላላት ዝዀኑ ኣለው” ይብል ኣዳም።
ዋላ’ኳ እቲ ትጽቢት እንተሃለወ፡ እቲ እናተዋህለለ ዝጸንሐ ሃንቀውታ፡ ናይ ‘ፕራንክ’ ቴሌፎናት፡ ገገሊኡ እዋን ድማ ተስፋ ምቑራጽ ዘጋጥም እንተዀነ፡ እቲ ልሙድ ግብረ መልሲ ዓብዪ ኣግራሞት እዩ።
“ሰባት ሓደ መዓልቲ ክሽለሙ ከም ዝኽእሉ ክንደይ ሻብ ተነጊሩዎም ብዘየገድስ፡ ክውን ምስ ዝኸውን ግን ንምእማኑ ዘጸግም እዩ ዝዀኖም። ብሓቂ ይግረሙ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኵነታት ንክኣምኑዎ ቁሩብ ግዜ ዝወስደሎም ይመስለኒ”።
ግራፊን ብምርካብ ኣብ 2010 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ ዝዝዀነ ኮንስታንቲን ኖቮሰሎቭ ከምኡ’ውን ኣብ 2018 ተመሳሳሊ ሽልማት ምስ ካልኣዩ ዝተኻፈለ ኣርተር ኣሽኪን፡ ኣዳም ስሚዝ ክደውለሎም እንከሎ ሓደ ዓይነት ዘይዕጕብ ግብረ መልሲ ከም ዝሃቡዎ ይዝክር።
“ስርሐይ ደው ከብል ኣለኒ? ብዙሕ ስራሕ ኣለኒ በጃኻ”።
ገሊኦም ከም በዓል ብ2020 ሽልማት ኖቤል ስነ-ጽሑፍ 2020 ዝወሰደት ገጣሚት ሉዊስ ግሉክ፡ ኣዝዩ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ነይርዎም።
ብ2007 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ሽልማት ኖቤል ስነ ጽሑፍ ዝወሰደት ዶሪስ ሌሲንግ፡ ኣብ ዕዳጋ ጸኒሓ ካብ ታክሲ እናወረደት እንከላ እያ እቲ ዓብዪ ብስራት ሰሚዓ።
ነቲ ዜና ዘበሰራ ሪፖርተር ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ‘ግደፈኒ በጃኻ’ ዝዓይነቱ ነበረ። ሽዑ፡ ዝሓደገቶ ኣቕሓ ኵሉ ኣብ መሬት ተበቲኑ።
“ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸናሕኵ፡ ኣዘራሪበያ፤ ሽዑ እንታይ ከም ዘጋጠመ ፈሊጠ፡ 'ኣይይ . . . ነገራት ድሓን የለውን ማለት’ዩ’ ኢለ ሓሲበ” ይብል ኣዳም ስሚዝ።
ጸኒሑ ግን፡ ክልቲኦም ጽቡቕ ምርድዳእ ክገብሩ ከም ዝኽኣሉን፡ “ሕጉስቲ ኰይና፡ ብዕላልና ክትሕጐስ ጀሚራ። እዚ ሓደ ካብ ኣዝየ ዝሕበነሎም ኣጋጣሚታት’ዩ” ኢሉ።
ምስታ ኣብ 2013 ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ዝወሰደት ኣሊስ ሙንሮ ዝገበሮ ዕላል ቴሌፎን፡ ስሚዝ ኣቐዲሙ ገለ ራዕዲ ፈጢሩሉ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ድሓር ግን እቲ ዕላል ጽቡቕ ከም ዝኸደ ብምግላጽ “ንፍዕቲ ተሓታቲት” እያ ብምባል “ዘሐጕስ” ቃለ መጠይቕ ክብል ገሊጹዎ።
ስሚዝ፡ ነዞም ምስ ተዓወትቲ ኖቤል ብቴሌፎን ዝገብሮም ዝርርባት፡ “ኣዝዮም ከበድቲ” ክብል ይገልጾም።
“ከከም ዝዀነልካ’ዩ፤ ኣብ ገሊኡ ይሕጐስ፡ ኣብ ገሊኡ ጭንቀት ክስምዓኒ ይኽእል”።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







