ጆ ባይደን ብመንሽሮ ፕሮስቴት ከም ዝተጠቕዐ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን፡ ናብ ኣዕጽምቱ ብዝተዘርግሐ መንሽሮ ፕሮስቴት ከም ዝተጠቕዐ ትማሊ ሰንበት ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ጥሪ ካብ ስልጣኑ ዘልገሰ ባይደን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሽንቱ ምልክታት ብምርኣዩ ናብ ሓኪም ድሕሪ ምኻዱ'ዩ ብዓርቢ ዝተረጋገጸ።
እቲ መንሽሮ "ልዑል ደረጃ" ተባሂሉ ዝምደብ ኰይኑ፡ እቶም ዋህዮታት መንሽሮ ድማ ብቕልጡፍ ክዝርግሑ ከም ዝኽእሉ መጽናዕቲ መንሽሮ ዓባይ ብሪጣንያ ይሕብር።
ባይደንን ስድራኡን ብዛዕባ ክወስዶ ዝኽእል ኣማራጺታት ፍወሳ ይግምግሙ ከም ዘለዉ ይንገር። ቤት ጽሕፈቱ ወሲኹ፡ እቲ መንሽሮ ንሆርሞን ተሃዋሲ ምዃኑን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ባይደን ኣብ ናይ ሰንበት መግለጺኡ፡ "ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሓድሽ ዕንኳሮ ፕሮስቴት ተራእዩ፡" ኢሉ።
"እዚ ድማ ግሊሰን ነጥቢ 9 (ጕጅለ 5) ኰይኑ፡ ናብ ኣዕጽምቱ ተዘርጊሑ ኣሎ። ዋላ እኳ ከቢድ ዓይነት መንሽሮ እንተዀነ፡ ንሕክምና ሆርሞን ጽቡቕ ምላሽ ዝህብ ስለ ዝመስል ግን ብኣድማዒ መንገዲ ክመሓደር ይኽእል ማለት እዩ።"
ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ነበር ዜና ምርመራኡ ምስ ተሰምዐ፡ ካብ ክልተኡ ደምበ ፖለቲካ ናይታ ሃገር ደገፍ ረኺቡ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትሩዝ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንሱን ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕን፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ውጽኢት ሕክምናዊ መርመራ ጆ ባይደን ምስ ሰምዑ ፡" ከም ዝሓዘኑ ጽሒፉ።
ንቐዳመይቲ እመቤት ነበር ጂል ባይደን ብምጥቃስ ድማ፡ "ንጂልን ስድራቤትን ምዉቕን ሰናይን ትምኒትናን ነቕርብ፡" ብምባል፡ "ንጆ ቅልጡፍን ዕዉትን ምሕዋይ ንምነየሉ፡" ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ባይደን ዘገልገለት ምክትል ፕረዚደንት ነበር ካማላ ሃሪስ፡ ንሳን ብዓልቤታን ንስድራቤት ባይደን ኣብ ጸሎቶም ይሕዙዎም ከም ዘለዉ ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።
"ጆ ኣይጸዓድን እዩ - ነዚ ብድሆ'ዚ ድማ በቲ ወትሩ ንህይወቱን መሪሕነቱን ዝገልጽ ሓይሊ፡ ጽንዓትን ተስፋን ከም ዝገጥሞ እፈልጥ'የ፡" ኢላ።
ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ነቲ ካብ 2009 ክሳዕ 2017 ምክትሉ ኰይኑ ዝዓየየ ጆ ባይደን፡ ንሱን ብዓልቲቤቱ ሚሸልን፡ "ብሓሳብ ምስ መላእ ስድራቤት ባይደን ከም ዝጸንሑ፡" ገሊጹ። ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ፍወሳ መንሽሮ ንምርካብ ኣበርቲዑ ከም ዝጸዓተ ብምግላጽ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ምሉእ ጥዕናኡ ክምለስ ተመንዩ።
ኣብ 2016 ኦባማ ንባይደን ብደረጃ መንግስቲ ዝካየድ ናይ መንሽሮ መጽናዕቲ ክመርሕ ዕማም ሂቡዎ ነይሩ።
እዚ ዜና'ዚ ዝቃላሕ ዘሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ካብ ኵነታት ጥዕናኡን ዕድመኡን ተላዒሉ ካብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2024 ንነብሱ ድሕሪ ምግላሉ ድሕሪ ዓመት እዩ። ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረዚደንት እዩ።
መንሽሮ ፕሮስቴት ድሕሪ መንሽሮ ቆርበት ካልኣይ ዝበዝሐ ንደቂ-ተባዕትዮ ዘጥቅዕ መንሽሮ ምዃኑ ክሊኒክ ክሊቭላንድ ይሕብር። ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ (CDC)፡ ካብ 100 ደቂ-ተባዕትዮ እቶም 13 ኣብ ገለ እዋን ህይወቶም መንሽሮ ፕሮስቴት ከም ዘጋጥሞም ይገልጽ።
ዕድመ እቲ ዝበዝሐ ረቛሒ ሓደጋ ምዃኑ እዚ ትካል ይገልጽ።
ኣብ ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ ዋና ሓላፊን ሓኪም መንሽሮ ፕሮስቴትን ዝዀነ ዶክተር ዊልያም ዳሁት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንሽሮ ባይደን ብርቱዕ ምዃኑ ሓቢሩ።
"ብሓፈሻ መንሽሮ ናብ ኣዕጽምቲ እንተ ተዘርጊሑ፡ ከም ዝፍወስ መንሽሮ ዝቝጸር ኣይመስለናን፡" ይብል ዶክተር ዳሁት።
እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ሕሙማት ኣብቲ መጀመርታ ዝወስዱዎ ሕክምናዊ ክንክን ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ከም ዘርእዩን ምስቲ ኵነታት ብዙሕ ዓመታት ክነብሩ ከም ዝኽእሉን ገሊጹ።
ዶክተር ዳሁት፡ ከምዚ ናይ ጆ ባይደን መንሽሮ ዘለዎ ሰብ፡ ምልክታቱ ንምቅላልን ዕብየት ዋህዮታት መንሽሮ ንምዝሕሓልን ሆርሞናዊ ፍወሳታት ክወሃቦ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ንነዊሕ ዓመታት ንመጽናዕቲ መንሽሮ ይድግፍ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ 2022 ንሱን ብዓልቲቤቱን ነቲ "ካንሰር ሙንሾት" ዝብል መደብ ዳግማይ ጀሚሮምዎ። ዕላማኦም ድማ ክሳዕ 2047 ሞት ብመንሽሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።
ባይደን ኣብ 2015 ንበዅሪ ወዱ ቢዮ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ሓንጎል ስኢኑዎ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







