ማዳጋስካር፡ ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ስልጣን ከምዝተቖጻጸሩ ኣዊጆም

ስልጣን ዝጨበጡ መኮንናት ሰራዊት ማዳጋስካር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/LUIS TATO

ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ማዳጋስካር ኣብታ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ክትሕመስ ዝቐነየት ሃገር ስልጣን ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ናይቲ 'ካፕሳት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣሃዱ ዝኾነ ኮሎነል ማይክል ራንድሪያኒሪና፡ ኣብ መንግስታዊ ራድዮ ኣብ ዘንበቦ መግለጺ፡ "ስልጣን ሒዝና ኣለና" ኢሉ።

እቲ ኣሃዱ ነቲ ብመንእሰያት ዝተገበሰ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከምዝድግፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣነጺሩ ነይሩ'ዩ።

ፈለማ ብፍሉይ ደገፍ ናይዚ ኣሃዱ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆሊና ካብቲ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ንሰሙናት ዝቐጸለ ሓያል ተቓውሞታት ህይወቱ ንምድሓን ኣብ "ውሑስ ቦታ" ተዓቚቡ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ወዲ 51 ዓመት ፕረዚደንት ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ ቀጥታዊ ፈነወ፡ "ኣባላት ወተሃደራዊ ጕጅለን ፖለቲከኛታትን ክቐትሉኒ መደብ ኣውጺኦም፡" ኢሉ።

ኣንድሪ ኣበይ ተሓቢኡ ከም ዘሎ ኣይገለጸን። ገለ ጸብጻባት ግን ብወተሃደራዊት ነፋሪት ፈረንሳ ገይሩ ካብታ ሃገር ከም ዝሃደመ ኣቐዲመን ሓቢረን ነይረን።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ንኽልተ ሰሙን ተቓውሞታት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ክሃድም ተገዲዱ።

ኣንድሪ ነቶም "ጀን-ዚ ማዳጋስካር" ተባሂሎም ዝፍለጡ መንእሰያት ንዝገበሩዎ ተቓውሞ ክጭፍልቕ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣይሰመረሉን። ብኣንጻሩ፡ ሃዲሙ ክሕባእን መንግስቱ ክፈርስን እዩ ደሪኹዎ።

ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ ራጆሊና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ፕረዚደንት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ኣይተራእየን። ቤትጽሕፈቱ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣንድሪ ካብ ስልጣን ንምዕላው ፈተነ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወተሃደራት ንዋና ቤትጽሕፈት መንግስታዊ ተለቪዥን ክቈጻጸሩ ምዃኑ ኣብ ዘፈራርሕሉ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰኑይ ክህቦ ዝሓሰበ መደረ ተደናጒዩ።

ኣብ መወዳእታኡ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ካብ 25 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህይወተይን መንግስትን ፈተነ ዕልዋ ይካየድ ኣሎ። ኣባላት ወተሃደራዊ ጕጅለን ፖለቲከኛታትን ክቐትሉኒ መድብ ኣውጺኦም፡" ኢሉ።

"ህይወተይ ንምድሓን ውሑስ ቦታ ክደሊ ተገዲደ።"

"ነዞም ጉዳያት'ዚኣቶም ንምፍታሕ እንኮ መንገዲ ጥራሕ እዩ ዘሎ፣ ንሱ ድማ ኣብዛ ሃገር ኣብ ተግባር ዝርከብ ቅዋም ምኽባር እዩ፡" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ 2009 እዚ ፕረዚደንት ስልጣኑ ከጽንዕ ዝሓገዘቶ ሓንቲ ሓያል ኣሃዱ ሰራዊት ንዅሎም ሓይልታት ከም እትእዝዞም ብምእዋጅ ንምድኻሙ ተንቀሳቒሳ።

ገለ ካብ መኮንናታ ድማ ኣብ ጐደናታት ኣንታናናሪቮ ምስ ሰልፈኛታት ተጸንቢሮም።

ብሰኑይ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ እቲ በዛ ኣሃዱ ዝተተክአ ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ደሞስተን ፒኩላስ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብታ ሃገር ስርዓት ንምሕላው ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንህዝቢ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ መራሒ ናይቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ማዳጋስካር ቲኣይኤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማዳጋስካር ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትመሓደር ከም ዘላ ገሊጹ።

ሰልፊ ቲም፡ እቲ ፕረዚደንት "ስልጣን ብምሕዳጉ፡" ክሲ ከቕርበሉ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ሓያሎ ምስቲ ፕረዚደንት ቅርበት ዝነበሮም ሰበስልጣናት ኣብ ጥቓ ማዳጋስካር ናብ እትርከብ ሞሪሸስ ሃዲሞም ኣለዉ።

ማዳጋስካር ዋላ እኳ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እንተሃለዋ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።

ባንኪ ዓለም ከም ዝሕብሮ፡ ኣስታት 75% ካብ ህዝባ ኣብ ድኽነት ይነብር።

ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ብወገኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝባ ጥራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዝረክብ ይገልጽ።

ጄን ዚ ማዳጋስካር፡ መንእሰያት ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

እቲ ተቓውሞታት ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ማይን ኤለክትሪክን ዝተላዕለ ኰይኑ፡ ቀጺሉ ጉዳያት ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብልሽውናን ቅልውላው ዋጋ መነባብሮን ብምልዓል ዓብዩ።

ኣብተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት ናይቲ ተቓውሞ ብውሕዱ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 100 ድማ ከም ዝቘሰሉ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

መንግስቲ ግን ነዚ ኣሃዛት'ዚ ነጺጉዎ እዩ።

ማዳጋስካር ኣብ 1960 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር ብተደጋጋሚ ናዕብታት ተናዊጻ እያ።

ኣብ 2009 ብዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ፕረዚደንት ናይቲ እዋን ማርክ ራቫሎማናና ካብ ስልጣኑ ክወርድን ኣንድሪ ራጆሊና ከም ዝትክኦን ኰይኑ እዩ።

ኣብቲ እዋን ወዲ 34 ዓመት ዝነበረት ኣንድሪ እቲ ዝነኣሰ ኣፍሪቃዊ መራሒ ኰይኑ።

ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ምርጫ 2018 ዳግማይ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።