ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመተ 2023 ከመይ ይመስል ነይሩ?

ኒውዮርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኒውዮርክ

መብዛሕትኦም ኣቈጻጽራ ኣውሮጳውያን ዝጥቀሙ ክፋላት ዓለም፡ ሎሚ ዝበሓትናዮ ሓድሽ ዓመተ 2023 ብድምቀት ተቐቢሎሞ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ዝቕመጡ ነበርቲ ብሓንሳብ ተኣኪቦም ርችት ብምትኳስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ክኾነሎም ተመንዮም።

ለንደን ን12 ደቃይቕ ዝጸንሐ ጽንብል ምትኳስ ርችት ምስ ሙዚቃ ኣወሃሂዳ ን2023 ክትቅበል እንከላ ከንቲባ እታ ከተማ ሳዲቕ ካሃን እቲ ምርኢት ካብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ለንደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ለንደን

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈላለያ ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን እገዳታት ኣንቢረን ስለዝነበራ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምትእኽኻብ ሰባት ኣይነበረን። ሎሚ ግን ንፈለማ ግዜ ሰባት ከም ድሌቶም ተኣኪቦም ዘኽበርዎ ጽንብል ኰይኑ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝነበረ ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ከምዘድመቕዎ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ጽንብል ርችት ነተን ቅድሚ ኣዋርሕ ዝዓረፋ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝኽሪ ተገይሩለን።

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኬንያን ዩጋንዳን’ውን ነቲ ሓድሽ ዓመት ብዝለዓለ ድምቀት ተቐቢለናኦ። ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ፡ ካይሮ’ውን ድሙቕ ምትኳስ ርችት ተኻይዱ።

ካይሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካይሮ
ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይሮቢ
ጃካርታ - ኢንዶኔዥያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጃካርታ - ኢንዶኔዥያ
ሪዮ ዲጄኔሮ - ብራዚል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሪዮ ዲጄኔሮ - ብራዚል
መበገሲት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነት ዝንገረላ ውሃን ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መበገሲት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነት ዝንገረላ ውሃን - ቻይና
ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓሪስ

ዩክረይን ኣብ 2023 ተጋድሎኣ ክትቅጽሎ’ያ - ዘለንስኪ

ዘለንስኪ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዘለንስኪ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሃገሩ ዩክረይን ኣብ 2023 ተጋድሎኣ ኣሐይላ ከምእትቕጽሎ ክገልጽ እንከሎ “ዩክረይን ንዅሉ ነገር ድልውቲ’ያ” ኢሉ።

ኣብቲ ንሓድሽ ዓመት ኣመልኪቱ ዘስምዖ መደረ፡ “እዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ምልሰት ዓመት ክኸውን’ዩ” ኢሉ። “ህዝብና ናብ መንበሪ ኣባይቱ ዝምለሰሉ፡ ወተሃደራት ናብ ስድራኦም ዝምለሰሉ፡ ስደተኛታት ናብ ዩክረይን ዝምለስሉ ዓመት ክኸውን’ዩ” ኢሉ።

ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኪቭ ግን ከም ካልኦት ከተማታት ኣውሮፓ ተኣኪቦም ሓድሽ ዓመት ዝቕበሉ ሰባት ኣየተኣናገዱን

ኣብታ ከተማ ድሕሪ ሰዓት 5 ምሸት ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ስለዝተነብረ ጐደናታት ኪቭ ጭር ኢሎም ኣምስዮም።

ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ወተሃደራቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ወተሃደራቱ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን ሓድሽ ዓመት ምስ ወተሃደራቱ ብርጭቆታት ብምግጫው ተቐቢልዎ።

ሃገራዊ መደብር ተሌቭዥን እታ ሃገር ኣብ ዝፈነዎ መደብ፡ ፑቲን ብወተሃደራት ተኸቢቡ ሻምፓኝ ዝመልኡ ብርጭቆታት “ችርስ” እናበለ ዘርኢ ቪድዮ ፈንዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት “ሰናይ ዕድላት” ከምዝተፈጠሩ ዝገለጸ ፑቲን፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት “ሩስያውያን ሓቃዊ ናጽነትና ክንቋደስ ኢና” ኢሉ።

እቲ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ዓለም ዝስርሓሉ ኣቈጻጽራ ኣውሮጳውያን ብጳጳስ ሮማ ዝነበረ ጆርጅ ሻምናይ ኣብ 1582’ዩ ጀሚሩ።