ሴራሊዮን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብውሑዱ 30 ሚእታዊት ስራሕን ሓላፍነት መንግስትን ክሕዛ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ሴራሊዮን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ናይ ሓላፍነት ፀፍሒ ክሕዛን መሰል ስራሕ ብምትግባር ተሳትፎአን ከሐይላን ዘኽእል ታሪኻዊ ሕጊ ኣጽዲቓ።
እቲ 'ኣዋጅ ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያልን ደቂ ኣንስትዮ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ሕጊ ሴራሊዮን፡ ኣብ መስርሕ ስራሕ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝምልከት ፀፍሕታት ክምደብ ይእዝዝ።
እቲ ረቂቕ ሕጊ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪቡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብሙሉእ ድምጺ ዝጸደቐ ዀይኑ፡ ሕጂ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጁልየስ ማዳ ቢዮም ፈሪምሉ ሕጊ ኮይኑ ኣሎ።
በዚ መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ካብ ዘሎ ጠቕላላ ስራሕቲ 30 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ክሕዛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብተወሳኺ 30 ሚእታዊት ካብቲ ሓላፍነት መንግስቲ ብደቂ ኣንስትዮ ክተሓዝ እውን ይእዝዝ።
ሚኒስተር ጾታ ሴራሊዮን ማንቲ ታራዋሊ፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ሴራሊዮን ንብድሆታት ጾታዊ ማዕርነት ንምፍታሕ ብጥንቃቐ ዝተዳለወ ሕጊ ኣለዋ ክትብል ዘኽእላ ታሪኻዊ ውሳነ'ዩ" ኢሉ።
"እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ'ዩ። እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ማዕርነት ብመንጽር ጾታ ኣረጋጊጽና ቅድሚ ምባልና ግን ብዙሕ ክንገብር ኣለና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ሕጊ ኣብ መንግስትን መንግስታውን ኣብያተ ፅሕፈትን 30 ሚኢታዊ ስራሕ ብደቂ ኣንስትዮ ክምላእ እዩ።
እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ዕድላት ስራሕ ዘመቻችው ሓድሽ ሕጊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ክሕዛ ዝግበአን ጽፍሕታት ሓላፍነት እውን ክምደባ ዘገድድ እዩ።
ብተወሳኺ ብውሑዱ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፣ ናይ ባንኪ ልቓሕ ክረኽባ ከምዝኽእላን ዝተፈላለዩ ናይ ስልጠና ዕድላት ከምዝቐርበለንን ይሕግዝ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ስራሕ እዚ ዘይትግብሩ ኣስራሕቲ ከቢድ መቕጻዕቲ ክውሰደሎም ምዃኑን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝግብአን ልቓሕን ካልእ ፋይናንሳዊ ደገፍን ከይረኽባ ኣብ ዝኽልክላ ትካላት ኢንቨስትመንት ድማ ብማእሰርቲ ክቕጽዑ እዮም።
እዚ ተሪር መቕጻዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ስራሕ ማዕረ ዕድላት ከም ዝረኽባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ንግዲ ንምጅማር ዘድልየን ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዝረኽባ ይገብር።
እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ኩለን ልዕሊ 25 ሰራሕተኛታት ዘለወን ትካላት ክትግበር ምዃኑ ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







