'ካብ ብዙሓት ሓንቲ - ብዙሓት ካብ ሓንቲ'፡ ሉላ መብራህቱ ኣብ መድረኽ ትያትር

ምንጪ ስእሊ, [email protected]
ፍልጥቲ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት ስነጥበባዊት ሉላ መብራህቱ ዘዳለወቶ ምርኢት ትያትር፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ለንደን 'ኤቸተራ ትያትር ክለብ (Etceter Theathre Club) ክምረቕ'ዩ።
እቲ "ካብ ብዙሓት ሓንቲ ብዙሓት ካብ ሓንቲ' (One of Many, Many of One/OommoO) ዘርእስቱ ተኸታታሊ ምርኢት ትያትር፡ ንማንታ መንነት ሉላ ዝገልጽ'ዩ።
እታ ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ብንኡሳ ናብ ብሪጣንያ ዝመጸት ሉላ፡ ብድራማ ነቲ ኣብ መንጐ ዘለዋ መንነት 'ሓበሻን' (ኤርትራዊ/ኢትዮጵያዊ) ብሪጣንያዊን መንነታት ዘሎ ወጥርን ስኒትን ከተነጸባርቕ'ያ ትፍትን።
እቲ 'OommoO' (One of Many, Many of One) ብዝብል ተዳልዩ ዘሎ ምርኢታት፡ "ብኣፍሪቃዊ ኣንፈትን ብዓይኒ ምብራቕ ኣፍሪቃን" ዝትረኽ ምዃኑ'ያ ሉላ ትእምት።
"OommoO ሙዚቃዊ፡ ድራማ ወይ ምርኢት ኣይኰነን፡ ሓድሽ ሜላ ጽውያ ዛንታ'ዩ።"
እቲ ብጀበና ቡን ዝተሰነየ ምርኢት፡ ብቛንቋ እንግሊዝኛን ትግርኛን ዝቐርብ ኰይኑ፡ ክልቲኡ ብጽሑፍ ትርጕም ዘለዎ (subtitles) ምዃኑ ብዛዕባ'ቲ ምርኢታት ዝወጸ መግለጺ የረድእ።
ብድሕሪ'ቲ ኣብ ለንደን ዝጽንበል ፈላሚ ምርኢት፡ ኣብቲ ኣብ ስኮትላንድ (ብሪጣንያ)፡ ከተማ ኤደንብራ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ፈስቲቫል ክርአ ምዃኑ ሉላ ንቢቢሲ ሓቢራ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, [email protected]
ደራፊት፡ ተዋሲትን ደራሲትን ዝዀነት ሉላ፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸት ንኵነታት ስደት እትትርኽ ብኤርትራውያን ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝተዓየት "ስምረት" እትብል ኣድናቘት ዘትረፈት ፊልም ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ኰይና ሰሪሓ ነይራ።
ሉላ ዝተፈላለየ ሓድሽ ቅድታት ስነጥበብ ብምፍታን እትፍለጥ ኰይና፡ ሓያለ ደርፍታትን ድርሰታትን ዘፍረየት'ያ።
ፈስቲቫል ኤደንብራ፡ ካብ 4 ክሳብ 28 ነሓሰ ዝጸንሕ ኰይኑ ዝተፈላለየ ስነጥበባዊ ምርኢታት ዝቐርበሉ'ዩ።
ትያትርን ዳእላን (ኮመዲ)ን ድማ ገለ ካብቶም ቀንዲ መድረኻት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, [email protected]




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







