ኬንያ፡ ልዕሊ 40 ደቂ ኣንስትዮ ብዘስካሕክሕ መገዲ ምቕታሉ ዝተኣመነ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ጥቓ ሓደ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝርከብ መጕሓፊ ጐሓፍ ዝተቘራረጸ ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ተደርብዩ ምስ ተረኽበ፡ ፖሊስ ንልዕሊ 40 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝቐተለ ንዝተኣመነ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
እዚ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ሓዊሱ 42 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝቐተለ ዝተኣመነ ወዲ 38 ዓመት ጥርጡር ብዘስካሕክሕ መገዲ ከም ዝቐተለን ይግለጽ ኣሎ።
ፖሊስ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብውሑድ ኣስክሬን ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ልዑል ስንባደ ተፈጢሩ ጸኒሑ።
እዚ ኮሊንስ ካሃሊሲኣ ዝተባህለ ጥርጡር ካብ 2022 ጀሚሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ፈልዩ ክቐትል ከም ዝጸንሐ ቃሉ ንፖሊስ ከም ዝሃበ ተገሊጹ
እዚ ጥርጡር ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣዝየን ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ” ምቕታል ከም ዝመርጽ ተዛሪቡ።
ኣዛዚ ዳይሬክቶሬት መርመራ ገበን ኬንያ መሓመድ ኣሚን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንሰብ ህይወት ወድሰብ ግዲ ዘይብሉ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣውዒልና” ኢሉ።
ፖሊስ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ካብ ቴሌፎን ሓንቲ ካብተን ግዳያት ናብ ናይ ባዕሉ ቴሌፎን ገንዘብ ምስ ልኣኸ’ዩ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
መሓመድ ኣሚን ኣብ መግለጺኡ፡ ኮሊንስ ካብቲ ኣስክሬን እተን ግዳያት ዝተረኸበሉ ቦታ 500 ሜትር ርሒቑ ከም ዝርከብ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፡ ፖሊስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መደርበዪ ጕሓፍ ዝተቘራጸ ኣካላት ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ገበን ንምፍጻም ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ነይሮም ዝበሎም በጃ ኢድ [ጓንቲ]፡ መለለዪ መንነትን ካልኦት ነገራትን ከም ዝረኸበ ገሊጹ።
ካብ መንእሰያት ልዑል ጸቕጢ ዝበጽሖ ዘሎ ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶ፡ “ኣብ ውሽጢ ኣብ ናይሮቢ ይኹን ኣብ ዝዀነ ክፋል እዛ ሃገር ዝፍጸሙ ሚስጢራዊ ቅትለታት ዝሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ’ዮም” ኢሉ።
እንተዀነ፡ ገለ ውልቀሰባት መንግስቲ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይገልጹ ኣለው።
ድሃይ ገለ ኣብ ቀረባ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ተቓውሞ ናይ ዝተሳተፉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን።
ኣብቲ እዋን ተቓውሞ ብኣባላት ፖሊስ ተዓፊኖም ተወሲዶም ካብ መንጐ ዝተባህሉ ሞይቶም ዝተረኽቡ ሰባት ኣለው።
ሎሚ ሰኑይ ድማ፡ ኣብቲ ኣስክሬን እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝተደርበየሉ ቦታ እኹል መርመራ እንከይተገብረ፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብሓዊ ክቃጸል ምግባሩ መርትዖታት ናይ ምጥፋእ ተግባር’ዩ ክብሉ ገለ ነበርቲ ይገልጹ ኣለው።
ፖሊስ ኬንያ ብወገኑ፡ እቶም ውልቀሰባት ምስ ዘይልሙድ ኣምልዀ ወይ ዘይሕጋዊ ገበን ቅትለት ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ሂቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







