ንራብዓይ ግዜ 8ይ ክፍሊ ዝተፈተኑ ወዲ 76 ዓመት ኣቶ ሃይሉ ለማ

ምንጪ ስእሊ, AMN
ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝዀኑ ኣቶ ሃይሉ ለማ፡ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዜ ፈተና 8ይ ክፍሊ ወሲዶም።
ኣቶ ሃይሉ፡ ሸምጊሎም፣ ቈርበቶም ተሸማሪሩን ኣስናኖም ይውዳእን እኳ እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ክዛረቡ እንከለው ግን ምስ ሙሉእ ሓይሎም ከም ዘለው ትግንዘብ።
ካብ ትምህርቲ ቀጺሉ፡ ሕርሻን ሽለላን ከም ዝፈትዉ ዝዛረቡ ኣቶ ሃይሉ፡ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዜ ኣብ ዝወስዱዎ ዘለው ፈተና ሻምናይ ክፍሊ "ክሓልፍ’የ" ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ቢቢሲ፡ ሰለስተ ግዜ እኮ ወዲቕኩም?
ኣቶ ሃይሉ፡ እወ
ቢቢሲ፡ እንታይ ጕዱ?
ኣቶ ሃይሉ፡ ሓደ ግዜ 27 ኣምጺአ፤ ቀጺሉ ድማ 23። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ክኣ 48 ረኺበ። 50 እንተዘይኰይኑ ኣይትሓልፍን ክኣ ተባሂለ።
ቢቢሲ፡ ኣይተጽንዑን ዲኹም?
ኣቶ ሃይሉ፡ ይዝንግዕ’የ፤ ኣብ ገዛ ኽኣ ቈልዑ ስለ ዘለውኒ የሕርቕኒ’ዮም። ናብ ክፍሊ ክኸይድ እንከለኹ ግን ሕሳብ ኰነ ካልእ ብድምጽን (ብቃል) ብጽሑፍን ይምልስ። ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ ግን ደጊመ’ውን ኣይርእዮን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ 4 ክሳብ 5 ሰነ 2016 ዓ.ም (ኣ.ግ) ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ተዋሂቡ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ እታ ከተማ እንተዀይኑ፡ እቲ ፈተና ኣብ 182 ነቑጣታት ንዝተፈተኑ 86 ሽሕን 672 ተመሃሮ ተዋሂቡ ኣሎ።
ወዲ 76 ዓመት ኣቶ ሃይሉ ሓደ ካብዞም ተፈተንቲ’ዮም።
“ዓይነይ ኣይደኸመን፤ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን’ውን ድሓን’ዮም፤ ኣምላኽ ይመስገን”።
ኣቶ ሃይሉ፡ ምቕዳሕ ኣይፈቱን ይብሉ፤ ስለዚ ብጻዕረይን ፍልጠተይን እየ ክሓልፍ ዝደሊ ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
“ምቕዳሕ ኣይፈቱን፤ ኣምላኽ፡ ብናይ ባዕለይ ሓንጐል ክሓልፍ እንተሓጊዙኒ ፅቡቕ፤ ዝተቐድሐ ነገር ግን መውደቒኻ እምበር ጠቓሚ ኣይኰነን” ይብሉ።
ቢቢሲ፡ ካልኦት ክቐድሑ እንከለው ርኢኹም’ዶ?
ኣቶ ሃይሉ፡ ዝርኣኹዎ ነገር የብለይን፤ ብሕቡእ ዝቐድሑ እንተሃልዮም ኣይፈልጥን። ወረቐት ጽሒፍካ ንለዋወጥ፡ ንቀዳዳሕ’ውን ኣይብልን። ብዓቕመይ ‘ቢ’ ትኹን ‘ሲ’ መልሲ ደልየ’የ ዝምልስ።
ቢቢሲ፡ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ይኸብደኩም?
ኣቶ ሃይሉ፡ ኣምሓርኛ እየ ዝዛረብ ሓቀይ? ኣብ ትምህርቲ ግን ኣምሓርኛን ኢንግሊዘኛን እዩ ዝኸብደኒ። ስለ ዘየጽንዕ ይመስለኒ።
ኣብ ኣርሲ ሮቤ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣቶ ሃይሉ፡ ስድርኦም ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክመሃሩ ይደልዩ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ ልቦም ኣብ ሕርሻ’ዩ ዝነበረ።
“ስድራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱኒ እንከለው፡ ጠፊአ ናብ እንዳ ኣቦ ሓጐይ ይኸይድ ነይረ” ዝብሉ ኣቶ ሃይሉ፡ “ጽብቕቲ ሰበይቲ ይፈቱ’የ፤ ሕርሻ ይፈቱ’የ እናበልኩ ክጅሃር ምስ ጀመርኩ ድማ ስድራይ ከመርዕዩኒ ወሲኖም፤ ተመርዕየ”።
ኣቶ ሃይሉ፡ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ናብ ውትህድርና ክኸቱ ከም ዝተገደዱ ብምግላጽ ካብኡ ምስ ተመለሱ ኣብ ሕርሻ ትኹረት ከም ዝገበሩ ሓቢሮም።
ኣቦ ሸውዓተ ቈልዑ ክዀኑ እንከለው፡ ብ1990 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም።
“ኣብ ኣራዳ ክፍለ ከተማ፡ ይሰርሕ፣ ይበልዕ፣ ይሰቲ፣ ደቀይ የዕቢ፣ መርዓ ይድግስ፣ ዓለም ዝርእዮ ይርኢ ኣለኹ” ዝብሉ ኣቶ ሃይሉ፡ ኣብ ኣራት ኪሎ ኣብ ዝርከብ ሃጸይ ናኦድ ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ’ዮም ዝመሃሩ።
ኣቶ ሃይሉ፡ ሰለስተ ግዜ ኣብ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብምውዳቘም፡ “ምሳይ ዝተፈተኑ ገዲፎምኒ ከይዶም’ዮም 9ይን 10ይን በጺሖም ኣለው” ኢሎም።
ንሶም፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም፣ ቤተክርስቲያንን ናይ ስራሕ ቦታኦምን ከንብቡ ከም ዝጽዕሩ ይዛረቡ።
“ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ክልተ ግዜ ኣጽኒዐ ኣለኹ። ማህሌት ክኣቱ እንከለኹ ግን ከምኡ ኣይገብርን። መሓዙተይ ዝበጽሑዎ ክበጽሕ’ዩ ተምኒተይ”።
‘ዓቕመይ ክሳብ ዘይደኸመ ኣየሞንጕን’

ምንጪ ስእሊ, AMN SCREEN SHOT
ኣቶ ሃይሉ፡ ኣጋ እርጋኖም ንትምህርቲ ዘለዎም ድልየት ምዕባዩ፡ መላእ ቤተሰቦም ሕጕስ ኣይኰነን።
“ቤተሰበይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻደይ ኣይፈትውዎን። ‘ኣጋ እርጋንኻ ስለ ምንታይ ኢኻ ትመሃር ዘለኻ?’ ይብሉኒ። ተማሂርካ ኣበይ ክትቑጸር፤ እንታይ ዓይነት ደሞዝ ክትረክብ’ዩ? ብምባል ይቃወሙኒ” ይብሉ።
ኣቶ ሃይሉ፡ ዋላ’ውን ደቀይ ሕጕሳት እንተዘይኰኑ፡ በዓልቲ ቤተይ ግን ተተባብዓኒ’ያ ኢሎም።
“በዓልቲ ቤተይ፡ ‘ተመሃር፤ ካብ ጀመርካዮስ ወድኣዮ’ ትብለኒ። ከምኡ ክትብለኒ እንከላ ድማ፡ ባህ ይብለኒ። ንኡሽቶ ወደይ’ውን፡ ‘ባባ በርትዕ’ ይብለኒ”።
ቢቢሲ፡ ትምህርቲ ግን እንታይ’ዩ ጥቕሙ?
ኣቶ ሃይሉ፡ ብኣጻብዕትኻ ካብ ምፍራም ድሒነ ኣለኹ፤ ዕድመ (ንመንግስቲ ሃይለማርያም)፡ ካብ ጸልማት’የ ወጺአ። እዚ ናጻ ዘውጽኣኒ (ትምህርቲ) ክውድኦ፡ ሰባት ዘንብቡዎ ኢንግሊዘኛ፡ ሒሳብ ኰነ ሳይንስ ብዓይነይ ክርእዮ ኣለኒ። ኢንግሊዘኛ እንተኣበየኒ ኣምሓርኛ የንብብ’የ።
ቢቢሲ፡ ክተጽንዑ ዝሕግዘኩም ኣሎ’ዶ?
ኣቶ ሃይሉ፡ የብለይን።
ቢቢሲ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ እንተኣቲኹም እንታይ ክትኰኑ ትደልዩ?
ኣቶ ሃይሉ፡ ዓይነይ ክሳብ ዘይደኸመ፡ ከምቲ ዝናገሮ ክጽሕፍ’የ ዝደሊ። ምስ ሞትኩ፡ ኣብ እርጋኑ ዝተማህረ ተባሂለ ሽመይ ክለዓል’የ ዝደሊ። ካብዚ ብዝሰገረ፡ "ህጻናትን ኣባጽሕን እዚ ሽማግለ ክመሃር እንተኽኢሉ ስለ ምንታይ ንሕና?" ኢሎም ንክተባብዑ እየ ዝደሊ።
እዞም ወዲ 76 ዓመት ሽማግለ፡ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝወሰዱዎ ፈተና 8ይ ክፍሊ ክሓልፍ’የ ዝብል ተስፋ ገይሮም ኣለው።
“ዓቕመይ ክሳብ ዘይደኸመ፡ ምርኩዝ ሒዘ’ውን እንተዀነ ትንፋሰይ ደው እንተዘይኢላ፡ ትምህርቲ ኣየሞንጕን”።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







