ትራምፕ፡ ከተማታት ኣመሪካ መደበራት ተዓሊም ክዀና ኣለወን ክብል ንጀነራላት ተዛሪቡ

ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኸተማታት ኣመሪካ ከም "መሰልጠኒ" ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጥቀመለን ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ትራምፕ ካብ መላእ ዓለም ንዝተኣከቡ ኣማኢት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝሃቦ ዘይተለምደ መደረ፡ ኣብታ ሃገር ንዝግበር "ስቪላዊ ዕግርግር፡" ዝበሎ ጠቒሱ፡ "ካብ ውሽጢ ዝመጽእ ጸላኢ፡" ክብል ገሊጹዎ። ወሲኹ ድማ እቲ ኵነታት፡ "ሓንሳብ ኣብ ኢድካ ምስ ኣእተኻዮ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኣይከውንን እዩ፡" ኢሉ።

ትራምፕ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ፡ ገበን ንምግታእን ንኣኽበርቲ ሕጊ ኢምግረይሽን ንምድጋፍን ኢሉ ሰራዊት ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሎስ ኣንጀለስን ፖርትላንድ ኦሪገንን ድሕሪ ምውፋሩ እዩ።

ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ፔንታጎን "ሓቛፊ" ባህሊ ከም ዘብቅዕ ብምግላጽ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንደቂተባዕትዮ ዝበቅዕ ሓድሽ "ደረጃታት ኣካላዊ ብቕዓት" ክጅመር ምዃኑ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰልፊ ደሞክራሳውያን ንዝምርሓ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፡ ቺካጎ፡ ኒውዮርክን ሎስ ኣንጀለስን ዳግማይ ነቒፉ። ሕጊ ንምጽናዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ዝብል ፖሊሲኡ ክቕጽሎ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ።

"ኣዝዮም ውሑሳት ዘይኰኑ ቦታታት እዮም፣ በብሓደ ድማ መስመሮም ከነትሕዞም ኢና፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ዕማም "ኣብዚ ክፍሊ ናይ ዘለኹም ገለ ሰባት ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።

"ካብ ውሽጥና ዝካየድ ኲናት'ዩ። ዶባትና ምቍጽጻር ንሃገራዊ ድሕነት ኣገዳሲ'ዩ። ነዞም ሰባት ከነእትዎም ኣይንኽእልን ኢና፡" ክብል ወሲኹ።

ኣመሓዳሪ ኢሊኖይ ጄይ.ቢ ፕሪትዝከር፡ ትራምፕ ሓይሊ ሰራዊት ከምኡ'ውን ኣኽበርቲ ሕጊ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ተጠቒሙ ንኸተማታት ኣመሪካ፡ "ይወርርን ይሕምሩግን፡" ኣሎ ክብል ከሲሱ።

"ሰራዊትናን ሃገርናን ካብቲ ንስኻ ከም ብላሽ መላኺ ትዋስኦ ዘለኻ ንላዕሊ ዝሓሸ ይግብኦም እዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣኼባ፡ ኣብቲ 55,000 ኤከር ስፍሓት ዘለዎ ኣብ ቨርጂንያ ዝርከብ መዓስከር ማሪን ኮርፕስ ቤዝ ኳንቲኮ እዩ ብሓያል ጸጥታ ተሰንዩ ተኻይዱ። ከምዚ ዓይነት ብዙሓት ኣዘዝቲ ዝኣኻኽብ ርክብ ሳሕቲ እዩ ዝካየድ።

እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዓስኪሮም ዝርከቡ ጀነራላትን ኣድሚራላትን ነቲ ናይ ክልተኦም ዘረባ ስቕ ኢሎም ይሰምዑዎ ነይሮም።

ሄግሰት ብዝሃቦ መደረ ዝጀመረ እቲ መደብ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ብኣካላዊ ብቕዓቶም ን"ዝለዓለ ደረጃ ደቂተባዕትዮ" ከማልኡ ከም ዝጠልብ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዝውሰድ ስጕምቲ ንገለ ደቀንስትዮ ካብ ኣገልግሎት ከግልል ከም ዝኽእል፣ ከምኡ'ውን እቲ "መዐቀኒታት ሓደ ዓይነት፡ ልዑልን ጾታ ዘይፈልን ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ሄግሰት፡ ፐንታጎን ካብቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ባህሊ ለውጢ ከም ዝገብር ድሕሪ ምግላጹ፡ ትራምፕ መደረኡ ከስምዕ ጀሚሩ።

እቲ መደረኡ ኣብ ባህሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ስልጠና፡ ኣመራርሓን "ምእራም ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምብስባስ"ን ዘተኰረ ነይሩ። እቲ ዝእረም ድማ መደባት ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ምጽንባርን ከምኡ'ውን ምድንፋዕ "ምግታእ ሓደጋ" ዘጠቓልል ምዃኑ ገሊጹ።

ሄግሰት ኣብ ሕግታት ብቕዓት ለውጢ ከም ዝግበርን እቲ "ዘመነ ዘይሞያዊ ገጽታ" ኢሉ ዝገለጾ ከም ዝቕየርን ኣፍሊጡ።

ጥሮተኛ ወተሃደር ሰናተር ኢሊኖይ ታሚ ዳክዎርዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሄግሰት ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ እንታይ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ስክፍታ ከም ዝፈጠረላ ገሊጻ።

"እቲ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዘይኰነ ንዅሉ ዓይነት ምልመላ ዝጸሉ'ዩ። ንፖለቲካዊ ጸወታ ኣብ ዝውዕል ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሳተፍ ዝደሊ ሰብ እንተ'ልዩ ኣይፈልጥን እየ፡" ኢላ።

ዳክዎርዝ፡ ሄግሰት ንደቀንስትዮን ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ሰባትን ካብ ወተሃደራዊ ዕማም ክንጽሎም ይፍትን ከም ዘሎ ገሊጻ።

"ሓደ ንገዛእ ዝርሑ ብቑዕ ዘይኰነ ወዲ ተባዕታይ፡ ብዛዕባ'ተን ንስርሓተን ብብቕዓት ዝዓምማ ደቀንስትዮ ክዛረብ ፍትሓዊ ኣይኰነን፡" ትብል።

ሄግሰት ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ንገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ካብ ስራሕ ምብራር እውን ተዛሪቡ ነይሩ። ብትብዓቱ ከም ዝተኣማመንን ካብ ፖሊሲታት ናይ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ንዘይርሓቑ መራሕቲ ከም ዘውጽኦምን ገሊጹ።

"ብዙሕ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ከም ዝመጽእ ርግጸኛ እየ፡" ኢሉ።

ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት

እቶም ጀነራላት ብሃንደበት ንኣኼባ ኣብ ዝተጸውዕሉ ወግዓዊ ምኽንያት ስለ ዘይተዋህበ፡ ትራምፕን ሄግሰትን እንታይ ክብሉ ከም ዝኽእሉ ብዙሕ ግምታት እዩ ተዋሂቡ።

ትራምፕ፡ እቲ ብሄግሰት ዝግበር ኣብ "ብቕዓት፡ ዓቕምን ባህርያትን" ዘተኰረ ለውጢ፡ ን"ስምዒት ዝዀነ ሰብ ንምክልኻል" ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

"ሃገርና ንምሕላው'ዩ። ንናጽነት ኣመሪካ ክንከላኸል ከለና፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዓት ኣይንኸውንን ኢና፡" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ዝብል ዝነበረ መጸውዒ ብምኒስትሪ ኲናት ንምቕያር ንዝወሰዶ ስጕምቲ እውን ንኢዱ።

ፔንታጎን "ኣዝዩ ህቡብ" ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ "ዕላማና፡ መንነትናን ሓበንናን ዳግማይ ነጽንዓሉ ታሪኽ እዩ፡" ኢሉ።

እቶም ጀነራልትን ላዕለዎት ኣዘዝትን ስቕ ኢሎም እዮም ዝሰምዑ ነይሮም፣ ገሊኦም ድማ ሄግሰት ክዛረብ ከሎ መዘኻኸሪ ነጥብታት ይጽሕፉ ነይሮም።

ቀጺሉ ትራምፕ፡ "ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ክንድ'ዚ ጸጥ ኣብ ዝበለ ክፍሊ ኣትየ ኣይፈልጥን እየ፡" ክብል ተዋዝዩ።

"ሓቢርና ነቲ ናይ ተቓላሳይ መንፈስ ነበራብሮ ኣለና። እቲ መንፈስ'ቲ እዩ ድማ ዝሰዓረን ነዛ ሃገር ዝሃነጸን፡" ኢሉ።

ኣብቲ ሰፊሕ መደረኡ፡ ብዛዕባ ዓወታት ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካን ካልኣይ እብረ ስልጣኑን ተዛሪቡ። ክካየዱ ዝጸንሑ ሸውዓተ ኲናታት ደው ከም ዘበለን ንእማመ ቓዛ ሓማስ እንተ ተቐቢሉዎ ሻሙናይ ከም ዘኸውንን ገሊጹሎም።

ቅድሚ'ቲ ፍጻመ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ፡ ሄግሰት ምስቶም ጀነራላት ብኣካል ክራኸብ ብዙሕ ዘይተለምደ ኣይኰነን ብምባል፡ ማዕከናት ዜና ናብ "ዓቢ ዜና" ከም ዝቐየርኦ ወቒሱ።

ገለ ተዓዘብቲ ምስቲ ዘረባኡ ኣይተሰማምዑን። ኢጣልያዊ ኣድሚራልን ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ኮሚተ ኔቶን ጁሰፐ ካቮ ድራጎነ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ ናይ 49 ዓመታት ኣገልግሎተይ፡ ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ርእየ ኣይፈልጥን'የ፡" ኢሉ።

ማርክ ካንቺያን ካብ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ላዕለዎት መኮንናት ክሳብ ክንድ'ዚ ምእንቲ ክጓዓዙ፡ ንምንታይ ብማንዛ ዘይተገብረ ዘገርም'ዩ፡" ኢሉ።

ተሳተፍቲ ካብ ከም ኤውሮጳ፡ ደቡብ ኮርያን ማእከላይ ምብራቕን ዝኣመሰላ ርሑቕ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከም ዝመጽኡ ተገሊጹ።