ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ሓሽሽ ዘፍርዩ ግን ድኻታት ሓረስቶት፤ ዝረብሕ ደኣ መን'ዩ?

ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ሓሽሽ ዘፍርዩ ግን ድኻታት ሓረስቶት፤ ዝረብሕ ደኣ መን'ዩ?

ሚያንማር ካብተን ሓሽሽ ምፍራይ ዘይሕጋዊ ዝገበራ ሃገራት’ኳ እንተዀነት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ግን እታ ሃገር ብፍርያት ሓሽሽ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ትስራዕ። እንተዀነ ነቲ ሓሽሽ ዘፍርዩ ዘለዉ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ኣይኰኑን፤ ደላሎን ዕጡቓትን እዮም ዝረብሑሉ።