ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብትራምፕ ዝቐረበ ውጥን ቓዛ ደጊፉ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣመሪካ ዝተነድፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ደጊፉ።
ምምስራት ዓለማዊ ሓይሊ ምርግጋእ (ISF) ሓደ ካብቶም ኣብቲ ውጥን ዝሰፈሩ ነጥቢታት ኰይኑ፡ ኣመሪካ ከም እትብሎ፡ ብዙሓት ሽመን ዘይተጠቕሳ ሃገራት ኣበርክቶ ክገብራ እየን።
እቲ ውሳነ ብ13 ሃገራት - ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ሶማልያን ሓዊሱ - ድጋፍ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ዝዀነት ኣንጻር እቲ እማመ ዘድመጸት ሃገር ድማ የላን። ሩስያን ቻይናን ግን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቘጢበን።
ነዚ ውጥን ምቕባል፡ "ኣብ ምድልዳል ተዅሲ ደው ምባል ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ፡" ክብል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ።
ሓማስ ነቲ ውሳነ መሰላትን ጠለባትን ፍልስጤማውያን ከማልእ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ነጺግዎ ኣሎ።
ሓማስ ነቲ ውሳነ ምስ ተመሓላለፈ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ውጥን "ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ኣገባባት ኣህጉራዊ ስርዓት ክግበር ዘገድድ፡" ብምዃኑ ህዝብናን ውድባቱን ኣይቅበሉዎን ኢሉ።
"ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እንተላይ ነቲ ዕጥቂ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ዕማማት ዘፈጽም ዓለምለኻዊ ሓይሊ ምምዳብ፡ ዘይሻራውነት ከም ዘይብሉ፡ ነቲ ጐበጣ ናብ ዝድግፍ ወገን ናይቲ ግጭት ይቕይሮ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምስ እስራኤልን ግብጽን ከምኡ'ውን ምስ ሓድሽ ዝሰልጠነን ዝተመርመረን ሓይሊ ፖሊስ ፍልስጤም ብምትሕብባር፡ ዶባዊ ከባቢታት ንምውሓስን ንሓማስ ሓዊሱ መንግስታዊ ዘይኰኑ ዕጡቓት ጕጅለታት ብቐዋምነት ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ንምርግጋጽን ክሰርሕ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ዝነበሩ ፖሊስ ብትእዛዝ ሓማስ ዝንቀሳቐሱ እዮም።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማይክ ዋልዝ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓለምለኻዊ ሓይሊ ምርግጋእ (ISF) "ነቲ ከባቢ ውሕስነት ናይ ምርግጋጽ፡ ምውጋድ ወተሃደራት ቓዛ ምድጋፍ፡ ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን ምፍራስ፡ ኣጽዋር ምእላይን ድሕነት ሲቪላት ፍልስጤማውያን ናይ ምርግጋጽን ዕማም ክወሃቦ'ዩ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ ባይቶ ጸጥታ ቦርድ ሰላም (BoP) ዝተባህለ መሰጋገሪ ኣካል ምሕደራ ንምቛም ኣጽዲቑ።
እዚ ኣካል እዚ፡ ምሕደራ ቴክኖክራት ፍልስጤም፡ ዘይፖለቲካዊ ኮሚቴ ዝከታተልን ዳግመ ህንጸት ቓዛን ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝከታተልን እዩ።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ዝውዕል ፋይናንስ ካብቲ ብባንክ ዓለም ዝድገፍ ትራስት ፋንድ ከም ዝመጽእ እቲ ውጥን ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ክልቲኦም ኣህጉራዊ ሓይሊ ምርግጋእን ባይቶ ጸጥታ ቦርድ ሰላምን ኣብ ጐኒ ፍልስጤማዊ ኮሚቴን ሓይሊ ፖሊስን ኰይኖም ክሰርሑ እዮም።
ትራምፕ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ "ታሪኻዊ" ክብል ብምግላጽ፡ ባይቶ ጸጥታ ቦርድ ሰላም "ኣፍልጦ ዝወሃበሉን ዝድግፈሉን" መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ክግለጽ ምዃኑን ገሊጹ። ንሱ ኣቦ መንበር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
"እዚ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት ሃገራት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ውሳነታት ክኸውን እዩ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝያዳ ሰላም ክህሉ እዩ፣ ሓቀኛ ታሪኻዊ ህሞት ድማ እዩ!" ክብል ኣብ ትሩዝ ሶሻል ጽሒፉ።
እቲ ውሳነ ዘይከምቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ንድፊ፡ ናብ ርእሰ-ውሳነን መንግስትነትን ፍልስጤም ዝወስድ ተኣማንነት ዘለዎ መገዲ ይጠቅስ። እዚ ሓያሎ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝድግፍኦ እዩ።
እስራኤል ምስረታ ሃገር ፍልስጤም ኣትሪራ ትቃወም። ወሰንቲ ሃገራት ዓረብ ንነደፍቲ እቲ ውሳነ፡ ርእሰ ውሳነ ፍልስጤም ኣብቲ ውጥን ከእትዋ ጸቕጢ ገይረን ነይረን።
ወሃቢ ቃል ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ውሳነ "ኣብ ባይታ ናብ ጭቡጥን ብህጹጽ ዘድልዩን ስጕምትታት ክትርጒም፡" ከምኡ'ውን "ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምዕዋት ዝበግር ፖለቲካዊ መስርሕ" ክመርሕ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ኣመሪካ፡ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ሓዊሱ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ኣስላምን ዝበዝሑ ሃገራትን እቲ ውሳነ ብቕልጡፍ ክጸድቕ ጸዊዐን።
በዓል መዚ ፍልስጤም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውዕላት እቲ ውሳነ "ብህጹጽን ብቕልጡፍን" ክትግበር ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሩስያን ቻይናን ኣየድመጻን። እንተዀነ፡ ብዓቢኡ በዓል ስልጣን ፍልስጤምን ካልኦት ሸሞንተ ሃገራት ዓረብን ኣስላምን ስለ ዝደገፍኦ ግን ነቲ ውሳነ ክሓልፍ ካብ ምዅላፍ ተቘጢበን።
እንተዀነ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ውሳነ ነቒፈንኦ እየን።
ብዛዕባ ኣቃውማ እቶም ቀንዲ ኣገባባት ብዙሕ ንጹርነት ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ተሳትፎ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘየረጋግጽን፡ ንፍታሕ ክልተ ሃገራት ጽኑዕ ተወፋይነት ከም ዘለዎ ብግልጺ ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለን ገሊጸን።
እቲ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ናይቲ ውጥን - ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ምባልን ጅሆ ዝተታሕዙን እሱራትን ምምላስንን - ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ወዒሉ።
ውጥን ሰላም ትራምፕ፡ ብግብሪ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ንእስራኤል ካብ ዘጥቅዑ ንደሓር ዝስዓበ ውግእ ክልተ ዓመታት ደው ኣቢልዎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም ነይሮም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ልዕሊ 69 ሽሕን 483 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







