እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ደብረ ታቦር እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ታቦር ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ብዝተኻየደ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጕድኣት ከም ዝወረደ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ኣብታ ከተማ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ግጭት፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዓሲሉ ዝጸንሐ ወጥሪ ስዒቡ ዝመጽአ ምዃኑ ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ ይገልጹ።
ንድሕነቶም ብዝብል ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ኣርባዕተ ነበርቲ፡ ብረቡዕ 4 ለካቲት 2018 (ኣ.ግ) ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ክሳብ ሰዓት 1፡00 ናይ ንግሆ ተዅሲ ይስማዕ ነይሩ ኢሎም።
እዚ ክሳብ ቀትሪ ስዓት 11፡00 ዝቐጸለ ዝበሉዎ ግጭት ስዒቡ "መደብር ፖሊስን ትካላት መንግስትን ተቓጺሎም፤ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ድማ ሞይቶም፡"።
ቍጽሪ እቶም በዚ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ብወግዒ ኣይፍለጥን።
"ቤት ጽሕፈት መደብር ፖሊስ ወረዳ ፋርጣ ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ፤ ቀሺ ኣለማየሁ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ መደብር ፖሊስ እታ ከተማን መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባን እውን ተቓጺሎም፡" ክብል ሓደ ነባሪ ተዛሪቡ።
ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ "መምርሒ ስቪል ሰርቪስ፡ መምርሒ ፖሊስ ዞባ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ዞባ፡" ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ትካላት ቤት ዕዮ መንግስቲ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም ሓቢሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ከተማ ድማ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ነበርቲ ገሊጾም።
"እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ እዩ ተፈጺሙ፤ ኣብ ከባቢ ኪዳነ ምህረትን ኣባ ኣረጋዊን መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ። ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ፋኖ እዮም ነይሮም። ኣብኡ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ፡" ብምባል ድምጺ ከም ዝሰምዑ ይገልጹ።
ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን። ካብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢን ሓላፊ ርክባትን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ'ዉን ኣይሰመረን።
ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ወረርቲ" ብምባል ዝገለጾም ሓይልታን ኣብ ልዕሊ ንብረት ሰብን መንግስትን ዕንወትን ዝምታን ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።
ካብዚ ብዝሰገረ ኣምቡላንሳትን መካይንን ከም ዝተቓጸላ ሓቢሩ።
ወድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ብምንቅስቓሱ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጸጥታዊ ሃጓፍን ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ውድብ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ብኻልኦት ሓይልታት ይጭወ ኣሎ፡" ብምባል፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክወሃቦ ጸዊዑ።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ፋኖ ብዛዕቢ እዚ ኵነታት ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል፡ ካብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ምውጽኡ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ፋኖ ብረቡዕ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተው ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ወጥሪ ከም ዝነበረ ዝጠቅስ ሓደ ነባሪ፡ ብሰሉስ ዕጡቓት ፋኖ ብመኪና ናብታ ከተማ ይኣትው ከም ዘለው ምስ ሰምዐ፡ ቀትሪ ስርሑ ኣመንጕዩ ናብ ገዛኡ ከም ዝተመልሰ ገሊጹ።
"ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ውግእ ካብ ዝጅምር ሰሙን ገይሩ'ዩ፤ ብሰኑይ ምሸት ኣትሒዙ ዘይምርግጋእ ነይሩ። ካብ ረቡዕ ንግሆ ጀሚሩ ድማ ኣብታ ከተማ ግጭት ነይሩ፡" ብምባል ረቡዕ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ውግእ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን ዝስማዕ ተዅሲ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ዕጡቓት ፋኖ ካብታ ከተማ ምውጽኦም ሓቢሮም።
ምምሕዳር እታ ከተማ'ውን፡ ምንቅስቓስ እታ ከተማ "ናብ ንቡር" ከም ዝተመልሰ ብማሕበራዊ ሚድያ ገሊጹ።
እታ ከተማ፡ ካብ ኲናት ትግራይ አትሒዙ ሰላም ከም ዝስኣነት ዝገልጽ ሓደ ነባሪ፡ "ጽባሕ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣይፍለጥን፤ ዕጡቓት ፋኖ ኮኑ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ እዮም ዘጨንቑና። ሓደ እንክኣቱ፡ እቲ ሓደ ይወጽእ። እዚ ዝፈጥሮ ክፍተት ዝብለጹ ሰረቕትን ደቅና ዝምንዝዑ ጨወይትን፡" ንህይወትና ስግኣት ኰይኖምና እዮም ዘለዉ ኢሉ።
ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ግጭት ኣመልኪቱ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ቢቢሲ ክሳብ ሓሙስ ምሸት ካብ ኣመሓደርቲ ዞባ ደቡብ ጎንደርን ከተማ ደብረ ታቦርን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ተሌፎን ክምልሱ ብዘይምኽኣሎም ኣይተሰለጠን።