እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደተኛታት ካብ ምሕጋዝ ናብ ስደተኛ ዝተቐየረ መንእሰይ
ስደተኛታት ካብ ምሕጋዝ ናብ ስደተኛ ዝተቐየረ መንእሰይ
ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ተወሊዱ ዝዓበየ ሓጐስ ብርሃነ፡ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ ሰራሕተኛ ዩኤንኤችሲር ኰይኑ ኣብ ሩዋንዳ ንስደተኛታት ይሕግዝ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኔዘርላንድ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ይነብር ኣሎ።