ፍቕሪ ክሳብ መቓብር፡ እዞም መጻምድቲ ስለምንታይ ብሓገዝ ሕክምና ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክሞቱ ወሲኖም?

ጃን (70 ዓመት) ኤልስ (71 ዓመት)

ጃንን ኤልስን ዳርጋ ንሓምሳ ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም። ኣብ መጀመርታ ሰነ፡ ብሓገዝ ሓካይም ቀታሊ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳዶም ብሓባር ሞይቶም።

እዚ ኣብ ሆላንድ ‘ዱዮ-ዩታናዝያ’ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ፍቓድ ውልቀሰባት ተመስሪቱ ብሓገዝ ሓካይም ዝፍጸም ሞት ኰይኑ፤ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ’ዩ። ሳሕቲ እዩ ዝፍጸም። ዓመት ዓመት ግን ብዙሓት ሆላንዳውያን መጻምድቲ ህይወቶም በዚ መንገዲ’ዚ ክፍጽሙ ይመርጹ።

ዛንታ ጃንን ኤልስን ይስዕብ . . .

ብወለንታኦም ናይ መወዳእታ ትንፋሶም ከይተወሰደት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣቢሉ ጃንን ኤልስን ኣብ ሰሜን ሆላንድ ኣብ ጥቓ እታ ከም ገዛ ዝጥቀሙላ ንእሽተይ ኣውቶብስ እትመስል መኪና ኰይኖም ጸሓይ ይጽለዉ ነበሩ።

ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐስካ ምንባር ዝፈትዉ መጻምድቲ’ዮም። ዝበዝሕ ግዜ ሓዳሮም ድማ ኣብታ ከም መንበሪ ዝጥቀሙላ ኵሉ ነገር ዘማልአት መኪና ወይ ኣብ ጀላቡ’ዮም ዘሕልፍዎ።

ክርእዮም ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ጃን “ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ኵምራ ኣእማን ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ [ክንነብር] ንፍትን ኔርና” ክብል ተዋዘየ። “ግን ዝሰርሕ ኣይኰነን” ክብል ወሰኸ።

ወዲ 70 ዓመት እዩ። ኣብቲ ዝሽክርከር መንበር ጋቢና ናይ’ታ ቫን [ዝነብሩላን ዝንቀሳቐሱላን መኪና] ኮፍ ኢሉ፡ ሓንቲ እግሩ ዓጺፉ ኮፍ ኢሉ ነበረ። እዚኣ እታ እንኮ ቃንዛ ሕቖኡ ዘቃልለላ ኣቀማምጣኡ እያ። በዓልቲ ቤቱ ኤልስ ጓል 71 ዓመት ኰይና ሕማም - ረሲዕ ኣለዋ። ቀልባ ኣኻኺባ ምሉእ ሓሳብ ወዲባ ክትዛረብ እውን ትጽገም።

ደው ኢላ ናብ ኣካላታ እናመልከተት “እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዘሎ” በለት። “እዚ ግን ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ” ድማ ትብል ናብ ርእሳ እናመልከተት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጃንን ኤልስን ኣብ መዋእለ ህጻናት እዮም ተራኺቦም። ጥምረቶም ናይ ምሉእ ዕድመ ምሕዝነት እዩ ነይሩ።

ጃን ንእሽቶይ ከሎ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ሆላንድ ሆኪ ይጻወት ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ ኣሰልጣኒ ስፖርት ኰይኑ። ኤልስ መምህርነት መባእታ ቤት ትምህርቲ እያ ሰልጢና። ግን ነቲ ብሓባር ዝነበሮም ናይ ዓመታት ፍቕራዊ ጥምረት ከደልድሎ ዝኸኣለ ኣብ ክልቲኦም ዝነበረ ፍቕሪ ማይን ጀላቡን ከምኡ’ውን ምዝዋር መርከብን እዩ።

መንእሰያት መጻምድቲ ኰይኖም ከም ገዛ ኣብ ዝጥቀሙላ ጃልባ ይነብሩ ነይሮም። ድሒሮም ድማ ናይ ጽዕነት ጃልባ ገዚኦም ኣብ ዙርያ ውሽጣዊ መስመራት ማይ ሆላንድ ኣቑሑት ናይ ምጓዓዝ ንግዲ ጀሚሮም።

ህይወቶም ብኸምዚ እናቐጸለ ኤልስ ነቲ እንኮ ወዶም (ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ) ካብ ጃን ወለደት። ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ይነብርን ይመሃርን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሙን ዕረፍቲ ክህልዎ ከሎ ምስ ወለዱ የሕልፎ። ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትምህርቲ ከኣ ውላዶም’ውን ኣብ መርከብ ምስኦም ይነብር።

ኣብ 1999፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ጽዕነት ንግዲ ኣዝዩ ውድድር ዝበዝሖ ኮነ። ጃን እውን እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝሰርሖ ዝነበረ ከቢድ ስራሕ ከቢድ ቃንዛ ሕቘ ፈጥረሉ። ሽዑ ንሱን ኤልስን ካብ ማያት ብምውጻእ ኣብ መሬት ክነብሩ ጀመሩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን መሊሶም ኣብ ጃልባ ምንባሮም ቀጸሉ። ብድሕሪ’ውን ዓባይ ‘ካምፐርቫን’ [ከም መንበሪ ገዛ እተገልግል ተንቀሳቓሲት ዓይነት መኪና] ገዚኦምዋ።

ጃን ኣብ 2003 ኣብ ሕቘኡ መጥባሕቲ ተገይሩሉ’ኳ እንተነበረ ግን ምምሕያሻ ኣየርኣየን። ክሰርሕ እውን ኣይከኣለን። ኤልስ ግን ገና ኣብ ምምሃር ተጸሚዳ ነበረት። ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ብፍቓድካ ዝፍጸም ሞት ይዘራረቡ ነይሮም። ጃን ምስ ኣካላዊ ድሩትነቱ ብዙሕ ክነብር ከምዘይደሊ ንስድራቤቱ ገሊጹሎም። ኣብዚ እዋን’ዚ’ዮም እዞም መጻምድቲ ናብቲ ‘ኤን.ቪ.ቪ.ኢ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ሆላንዳዊ ትካል “መሰል ሞት” ዝተጸንበሩ።

ጃን “ብዙሕ መድሃኒት እንተወሲድካ ልክዕ ከም ዞምቢ ኢኻ ትነብር” በለኒ። “ስለዚ፡ ምስቲ ዘለኒ ቃንዛ፡ ከምኡ’ውን ሕማም ኤልስ ነዚ ደው ከነብሎ ዘለና ይመስለኒ” ሓሳቡ ቀጸለ።

ጃን “ነዚ ደው ክነብሎ” ክብል ከሎ፤ ምንባር ምቁራጽ ማለቱ እዩ።

ጃን ምስ ወዱ - ኣብ 1982

ኤልስ ኣብ 2018 ካብ ምምሃር ጥሮታ ወጺኣ። ብኣጋኡ ምልክታት ሕማም-ረሲዕ ተርኢ’ኳ እንተነበረት፡ ናብ ሓኪም ክትከይድ ግን ኣይደለየትን። ምናልባት ሕማም ኣልዛይመርስ ዘንቀሎ ምንቁልቋል ብቕዓት ኣእምሮን ሞትን ኣቦኣ ስለዝረኣየት ተሻቒላ ክኸውን ይኽእል። ግን ከኣ ምልክታታ ሸለል ክበሃል ኣብ ዘይክእለሉ እዋን መጸአ።

ኣብ ሕዳር 2022፡ ኤልስ ሕማም-ረሲዕ ከምዘለዋ ምስተረጋገጸ በዓል ቤታን ወዳን ገዲፋ ካብቲ ናይ ሓኪም ምኽሪ ክፍሊ ብስንባደ በሪራ እያ ዝወጸአት።

“ተቘጢዓ ነይራ፤ ልክዕ ከም ዝሃድድ ብዕራይ” ይብል ጃን።

ኤልስ ኵነታታ ከምዘይመሓየሽ ምስ ፈለጠት ከኣ ንሳን ጃንን ምስ ወዶም ብዛዕባ እቲ ብፍቓድካ ዝፍጽም ሞት ክዛተዩ ዝጀመሩ። ክልቲኦም ብሓባር ንኽሞቱ።

ኣብ ሆላንድ፡ ሓደ ሰብ ብፍቓዱ ሕቶ እንተ ኣቕሪቡ ብሓገዝ ሕክምና ክመውት ምግባርን ኣብ ዝፍጽሞ ብሓገዝ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለትን ሕጋዊ ኰይኑ፤ ኣቐዲሙ ግን ኣካላዊ ይዅን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓዮም “ዘይጽወር” ወይ ምምሕያሽ ዘይረኣዮ እንተዀይኑ ብሓኻይም ክግምገም ኣለዎ። ኵሉ ብሓገዝ ሓኻይም ዝተሰነየ ሞት ዝሓትት ሰብ ዘቕርቦ ሕቶ ከኣ ብኽልተ ሓካይም ክግምገም ግድን ይኸውን።

ኣብ 2023 ኣብ ሆላንድ 9,068 ሰባት ብመሰረት ፍቓዶም ብሕክምና ብዝተሓገዘ መስርሕ ሞይቶም። እዚ ድማ ኣስታት 5 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ኣብታ ሃገር በቲ እዋን ዝተመዝገበረ ቁጽሪ ሞት እዩ።

ሓደ ካብቶም ሕቶ ወለንታዊ ሞት ዘቕርቡ መጻምድቲ ሕማም ምርሳዕ እንተሃልይዎ ነቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ እዩ ዝገብሮ። ምኽንያቱ እቲ ፍቓድ ኣብ ናይ ምሃብ ዓቕሞም ርግጸኛ ዘይምዃን ክህሉ ይኽእል።

“ብዙሓት ሓካይም ኣብ ልዕሊ ሕማም ምርሳዕ ዘለዎ ሰባት ኣብ ፍቓድ ዝተመስረተ ሞት ንምፍጻም ኣይደልዩን’ዮም” ይብል ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኢራስመስ ሓኪም ኣረጋውያንን ክኢላ ስነ-ምግባርን ዶክተር ሮዝማሪን ቫን ብሩቸም።

ሓኪም ጃንን ኤልስን’ ዘጋጠሞ እውን እዚ እዩ ነይሩ።

ካብቶም ኣብ 2023 በዚ መገዲ ዝሞቱ ኣሽሓት ሰባት እቶም 336 ሕማም ምርሳዕ ዝነበሮም እዮም። እሞ ደኣ ሓካይም ኣብቶም “ዘይጽወር ስቓይ” ዘለዎም ሕሙማት ምርሳዕ ነቲ ረቛሕታት ብኸመይ እዮም ዝግምግምዎ?

“ናይ መጀመርታ ደረጃ ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት፡ ነገራት ከመይ ምምሕያሽ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ርግጸኛ ዘይምዃኖም እዩ ንህይወቶም ብፍቓዶም ደው ከብልዋ ክሓስቡ ዝገብሮም” ክብል ዶክተር ቫን ብሩቸም።

ኤልስ ኣብ 1968 ዝተሰኣለቶ

ምንጪ ስእሊ, ELS

ጃንን ኤልስን ሓኪሞም ነቲ ድሌቶም ከማልአሎም ድልው ስለዘይነበረ ናብ ካልእ ሞት ዝሕግዝ ክሊኒክ ክኸዱ ግድን ነበረ። እቲ ክሊኒክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሆላንድ ንኣስታት 15 ሚእታዊት ብሓገዝ ካብ ዝተሓባበረ እዩ።

ሓካይም፡ ኣብ ጉዳይ ብሓባር ህይወቶም ከብቅዑ ዝደልዩ መጻምድቲ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከምዘይጸልዎ ርግጸኛታት ክዀኑ ኣለዎም።

ዶክተር በርት ኬይዘር መጻምድቲ ብሓባር ኣብ ዝሞቱሎም ክልተ ኣጋጣሚታት ተሳቲፉ ነይሩ። ግን ምስ ካልኦ መጻምድቲ ዝተራኸበሉ ኵነታት ከኣ ይዝከር። እቲ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ የገድዳ ከምዘሎ ዝጠርጠረ ዶክተር ኬይዘር ነታ ሰበይቲ ኣብ ካልእ እዋን ንበይና ኣዘራረባ።

“ብዙሕ መደባት ከምዝነበርዎ ነጊራትኒ...!” ይብል ዶክተር ኬይዘር። እታ ሰበይቲ በዓል ቤታ ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ብንጹር ከም ዝተረድአትን ምስኡ ክትመውት ግን መደብ ከም ዘይነበራን እያ ገሊጻትሉ።

ሽዑ እቲ መስርሕ ‘ሓቢርካ ሞት’ ክቋረጽ ተገይሩ፤ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ሞይቱ። በዓልቲ ቤቱ ግን ክሳብ ሎሚ ብህይወት ኣላ።

ኣብ ፕሮቴስታንት ቲዮሎጂካል ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ-ምግባር ክንክን ጥዕና ዝኾነ ዶክተር ቲዮ ቦር፡ ኣብ ሆላንድ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብግልጺ ነቐፍቲ ብሓገዝ ዝፍጸም ሞት ኮይኑ፡ እቶም ነዚ ዝጠልቡ ሰባት ኣብ ዝግበረሎም ክንክን ሕክምና ዝረአ ምዕባለ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣማራጺ ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ከምዘቃልሎ ይኣምን።

“ብሓገዝ ሓኪም ዝፍጽም ቅትለት ምኽኑይ ክኸውን ይኽእል እዩ እብል። ይኹን እምበር: ኣብ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኩነታት ክኸውን ኣለዎ” ይብል።

ንዶክተር ቦር ዘሻቕሎ ነገር እንተሃለወ፡ እቲ መጻምድቲ ብሓባር ዝፍጽምዎ ሞት ዝፈጥሮ ጽልዋ እዩ። ብፍላይ ሓደ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተራት ሆላንድ ነበርን በዓልቲ ቤቱን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሓባር ክሞቱ ድሕሪ ምምራጾም ዓለምለኻዊ ኣርእስታት ዜና ምዃኖም ይዝከር።

“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ መጻምድቲ-ሞት ርኢና ኢና። ብሓባር ምሟት ድማ ‘ከም ጅግንነት ናይ ምርኣይ’ ሓፈሻዊ ዝንባለ ኣሎ” ይብል ዶክተር ቦር።

ጃንን ኤልስን ምናልባት ኣብታ ካምፐርቫኖም [ናይ መኪና ገዝኦም] ንዘይተወሰነ እዋን ክነብሩ ምኸኣሉ ነይሮም። ንምሟት ዝቐልጠፉ መሲሉ ይስምዖም’ዶ ይኸውን?

“ኣይፋል! ብኸምኡ ክርእዮ ኣይክእልን እየ” ትብል ኤልስ።

"ህይወተይ ነቢረሉ’የ። ድሕሪ ሕጂ ቃንዛ ኣይደልን’የ" ይብል በዓል ቤታ።

“እቲ ዝነበርናዮ ህይወት ኣሪግናሉ ኢና። ኣብዚ ከብቅዕ ከምዘለዎ ኢና ንሓስብ” ክብል ይውስኽ።

ኤልስ ክትመውት ድልየታ እንተኾይኑ ባዕላ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ከም ዘለዋ እቶም ዝገምገምዋ ሓካይም መረጋገጺ ሂቦም እዮም። እዚ ግን ዘለዋ ሕማም ምርሳዕ ዝያዳ እንተማዕቢሉ ክቕየር ይኽእል'ዩ።

እዚ ኩሉ ግን ንወዲ ጃንን ኤልስን ቀሊል ኣይነበረን።

“ወለድኻ ክሞቱ ኣይትደልን ኢኻ። ስለዚ ንብዓት ነይሩ። ወድና ‘ዝሓሸ ግዜ ክመጽእ’ዩ፤ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር’ ኢሉና። ንዓይ ግን ከምኡ ኣይኮነን” ክብል ጃን ይገልጽ።

ኤልስ እውን ከምኡ እዩ ሓሳባ።

“ካልእ መፍትሒ የለን” ትብል።

ቅድሚ እታ ምስቶም ኣብ ምሟቶም ዝሕግዝዎም ሓኻይም ዝነበረት መዓልቲ ቆጸራ ኤልስ፣ ጃን፣ ወዶምን ደቂ ደቆምን ብሓባር ተኣኻኺቦም ነይሮም።

ሽዑ ጃን፡ እታ ካምፐርቫን [ከም መንበሪኦም ዝጥቀሙላ መኪና] ክትሽየጥ ምእንቲ ብዛዕባ ፍሉይነታ መብርሂ ሃበ።

ወዶም፡ “ድሕሪኡ ምስ ኣደይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ንኽዘውር ከይደ” ይብል።

“ቆልዑ ይጻወቱ ነይሮም፡ ገለ ዋዛታት ነይሩ... ኣዝያ ትገርም መዓልቲ እያ ነይራ።

“ምሸት ድራር ንበልዕ ከም ዝነበርና ይዝከረኒ። ኩላትና ብሓባር ነታ ናይ መወዳእታ ድራር ክንበልዕ እናረኣኹ ጥራይ ድማ ንብዓት ካብ ኣዒንተይ ይጸርር ነይሩ” ክብል ነታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ይዝክራ።

ኤልስን ጃንን ኣብ መርዕኦም - 1975

ምንጪ ስእሊ, ELS/JAN

ሰኑይ ንግሆ ኵሉ ሰብ ኣብታ ዝተወጽዑ (ኣብ ኣድ ሞት ዘለዉ ተሓከምቲ) ዝጸንሑላ ክፍሊ ተኣኪቡ’ሎ። ብሉጻት ኣዕሩኽ ናይዞም መጻምድቲ፤ ኣሕዋት ጃንን ኤልስን፣ መርዓት ጓሎምን ምስ ወዶም ኵሎም ነበሩ።

"ቅድሚ ዶካትር ምምጽኦም ክልተ ሰዓት ብሓባር ኣሕሊፍና። ብዛዕባ ተዘክሮታትና ኣዕሊልና... ሙዚቃ አውን ሰሚዕና” ይብል ወዶም።

“እታ ናይ መወዳእታ ፍርቂ ሰዓት ግን ከባድ ነይራ። ሓካይም መጺኦም ኵሉ ብቕልጡፍ ተፈጺሙ። ስርሖም ወጋጊኖም . . . ድሕሪኡ ከኣ ናይ ደቓይቕ ጉዳይ ጥራይ’ዩ ነይሩ” ክብል ነታ ናይ መወዳእታ ህሞት ይዝክራ።

ኤልስ ቫን ሊኒንገንን ጃን ፋበርን ኣብ 3 ሰነ 2024 ብሓካይም ቀታሊ መድሃኒት ተዋሂብዎም፤ ድሕሪ’ቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝጸንዐ ሓዳሮም ብመሰረት ውሳነኦም ብሓባር ሞይቶም።

እታ ካምፐርቫን [ከም መንበሪ ዝጥቀሙላ ዝነበረት መኪና] ክሳብ ሕጂ ንመሸጣ ኣይተቐረበትን። ወዲ ኤልስን ጃንን ንቕሩብ ግዜ ከጽንሓ ወሲኑ ኣሎ። በታ መኪና ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ንዕረፍቲ ክገሹ እዮም።

“ኣብ መወዳእታ ክሸጣ’የ። መጀመርታ ግን ንስድራቤት ገለ ተዘክሮታት ክገብረላ እደሊ” ኢሉ።