ኣመሪካ፡ ምስተን ምስ ሩስያ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝምድና ጀሚራ ድያ?

ደገፍቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ብ27 ነሓሰ 2023 ኣብ ኣፍ ደገ መዓስከራት ኣየር ኒጀርን ፈረንሳን ሰልፊ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር ብ27 ነሓሰ 2023 ኣብ ኣፍ ደገ መዓስከራት ኣየር ኒጀርን ፈረንሳን ሰልፊ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ ባንዴራ ሩስያ ሒዞም ተራእዮም
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሰለስቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ምስ ፈረንሳ ዝነበረን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኣፍሪሰን፡ ኣንጻንር እስላማውያን ዕጡቓት ይቃለሳ እየን ዘለዋ።

ገጸን ክኣ ናብ ሩስያ ብምቕያር ጽኑዕ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ገይረን።

ሕጂ፡ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሓላፊ ቢሮ ጕዳያት ኣፍሪቃ ኒክ ቸከር ናብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ብምኻድ ኣመሪካ "ንልዑላውነት ማሊ ዘለዋ ኣኽብሮት" ክገልጽን ኣብ ዝምድናታት ክልአቲን ሃገራት "ሓድሽ መስመር" ክሕንጽጽን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወሲኹ ድማ፡ ኣመሪካ ምስ መሻርኽቲ ማሊ ዝዀና ጐረባብቲ ሃገራት ቡርኪናፋሶን ኒጀርን "ኣብ ሓባራዊ ጸጥታውን ቁጠባውን ረብሓታት" ክትተሓባበር'ውን ብሃንቀውታ ትጽበ ከም ዘላ ይገልጽ።

ኣብቲ ኣጀንዳ ኣመሪካ ዘይተኻተተ ዘሎ፡ ኣመሪካውያን ንነዊሕ እዋን ዘልዕሉዎ ዝነበረ ስክፍታ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ካብ 2020 ክሳብ 2023 ዝተመርጹ ሲቪላውያን ፕረዚደንታት ሰለስቲአን ሃገራት ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምእላዮም፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ደው ኣቢሉ ከም ዝነበረን፡ መራሒ ኒጀር መሓመድ ባዙ ኣብ ገዛእ መሓዩር ተታሒዙ ከም ዘሎን ይፍለጥ።

እዚ ናይ ሕጂ መግለጺ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዘምጽኦ ዘሎ ርኡይ ዝዀነ ሱር በተኻዊ ለውጢ ፖሊሲ ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ለውጢ፡ እቲ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብቲ ዞባ ቁልፊ ልምዓታዊ ደገፍ ዝህብ ዝነበር -ዩኤስኤኣይዲ ብምዕጻው እዩ ጀሚሩ።

እዚ፡ ልምዓትን ምሕደራን ንጐኒ ብምሕዳግ ኣብ ጸጥታን ጸጋታት መዓድንን ኣዝዩ ዝጸበበ ትኹረት ክርአ ጀሚሩ።

ሕጂ ቸከር ናብቲ ዞባ ክበጽሕ ምዃኑ፡ ካብዚ ንላዕሊ ዝኸይድን ንልኡላውነት ማሊ ብግልጺ ምኽባር ዘረጋግጽን እዩ።

እቲ መልእኽቲ ኣብተን ወተሃደራዊ መራሕቲ ፓን-ኣፍሪቃዊ ቴማታት ብምስጓምን መግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ብምንጻግን ዝቐጸሉ መራሕቲ ዘለውለን ባማኮን መሻርኽቲ ርእሰ ከተማታትን ዘሕልፎ መልእኽቲ ክህሉ እዩ።

ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ ካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ፡ "ሃጸይነት"ን "ኒዮ-መግዛእቲ"ን ኣብ ምቅዋም ንነብሱ ከም ተሰካሚ ዓብዪ ሕድሪ ገይሩ የቕርባ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝርአ ምንቅስቓሳት፡ በዚ መርገጺኡ ኣብ መላእ ኣህጉርን ኪኖኡን ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ውልቃዊ ተፈታውነትን ዓቢ ደገፍን ረኺብሉ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቶም ስርዓታት ነቲ ብኤውሮጳዊ ቅዲ ዝካየድ ቅዋማዊ ሞዴል ዝተመርጸ ሲቪላዊ መንግስቲ ምንጻጐም ከም ዘይሻቐል ብግልጺ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣፍሪቃን መማኽርቲ ትራምፕን ዝዀነ ማሳድ ቡሎስ ዝሓለፈ ዓመት ንፈረንሳዊት ጋዜጣ ለ ሞንደ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዲሞክራሲ ወትሩ ዝንኣድ እዩ፤ ፖሊሲና ግን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ካልኦት ሃገራት ኢድካ ምእታው ኣይኰነን። ሰባት ዝጥዕሞም ዝዀነ ይኹን ስርዓት ክመርጹ ይኽእሉ'ዮም፡" ኢሉ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዓብዪ ለውጢ እዩ ዘርኢ።

ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራት ማሊን ቡርኪናፋሶን እትህቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስልጠና ዳግማይ ክትጅምሮ ምዃና ግልጺ ኣኰነን (ስእሊ ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራት ማሊን ቡርኪናፋሶን እትህቦ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስልጠና ዳግማይ ክትጅምሮ ምዃና ግልጺ ኣኰነን (ስእሊ ፋይል)
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን፡ ካብ 2022 ክሳብ 2025 ሓላፊ ትእዛዝ ኣፍሪቃ (ኣፍሪኮም) ሰራዊት ኣመሪካ ዝነበረ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ኣገዳስነት ሰናይ ምምሕዳርን ከባብያዊ ጕዳያትን፡ ከም መመላእታ ወተሃደራዊ ደገፍ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትራምፕ ናብ ፕረዚደንትነት ምስ ተመልሰ፡ ሕጂ ንመኸተ ኣንጻር ግብረሽበራ ምድጋፍ ቀንዲ ትኹረት ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ቀዳምነት ዝወሃቦ ይመስል።

እዚ መልእኽቲ'ዚ ሩዶልፍ ኣታላህ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸረ-ሽበራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባማኮ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ደጊሙ ዘረጋገጾ መልእኽቲ'ዩ።

ቀጺሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምክትል ሓላፊ ኣፍሪኮም ጀነራል ጆን ብሬናን፡ ኣመሪካ ነተን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመሓደራ ሰለስተ ሃገራት ኣንጻር ጅሃዳውያን ጕጅለታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዝገብርኦ ቃልሲ ብንጥፈት ትድግፈን ከም ዘላ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ፡ ነቲ ዝፀንሐ ፖሊሲ ንምቕያር ዝደረዀ ሰለስተ ነገራት ዘሎ ይመስል።

ኣመሪካ ከም ኤውሮጳ፡ እቶም ሕጂ ኣብ ስግር ሳሕል - እቲ ካብ ምድረበዳ ሰሃራ ንደቡብ ዝርከብ ፍርቂ ደረቕ መሬት - ብዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስግኣት ጸጥታ የሻቕላ እዩ።

ብመሰረት ገለ ጸብጻባት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ፍርቂ ካብ ኵሎም ብሽበራ ዝሞቱ ዓለምና ኣብቲ ዞባ ዝተመዝገበ እዩ።

ዳርጋ ኵሎም እቶም ዝሞቱ ሰባት ዜጋታት እተን ሃገራት'ኳ እንተዀኑ፡ መንግስታት ንመብዛሕትኡ ግዝኣቶም ምቁጽጻር ምስኣኖም፡ ንጕጅለታት ጅሃዳውያን ዝያዳ ክጥጥዑን ክሰፍሑን ውሑስ መዕቈቢታት ክረኽቡን ኣኽኢሉዎም እዩ ዝብል ስክፍታ ኣብ ኣመሪካ ኣሎ።

ዲፕሎማሰኛታትን ተንተንቲን፡ ሕጂ ነቲ ዞባ "ማእከል ዓለማዊ ግብረሽበራ" ክብሉ ብስሩዕ ይገልጽዎ።

እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዓለማዊ ስግኣት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብቲ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ዝራኸባሉ "ስሉስ ዶባዊ ዞባ"፡ ብፍላይ ምዕራባዊ ኣፍሪቃዊ ጨንፈር እስላማዊ መንግስቲ (እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዓባይ ሰሃራ፡ ISGS) ንጡፍ ምንቅስቓስ ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያሚ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኣብነት ምጥቃስ ይክኣል።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዞባ ሳሕል ሓደ ካብቶም ዝደኸዩ ከባቢታት ዓለም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዞባ ሳሕል ሓደ ካብቶም ዝደኸዩ ከባቢታት ዓለም እዩ

እቲ ጅሃዳዊ ንጥፈታት ንሰደድ ክቡር ወይ ስትራተጂካዊ ኣገደስቲ ማዕድናት ሳሕል እውን ሓደጋ እዩ።

እቲ ዞባ ቀንዲ ኣፍራዪ ወርቂ ኰይኑ፡ ማሊ ድማ ሊትየም - ኣብ ዳግማይ ዝመልኡ ባትሪታት ቁልፊ ቀመምን ኣብ ገለ መድሃኒታት እውን ዝውዕልን - ከተፍሪ እንከላ፡ ኒጀር ድማ ርኡይ ዕቑር ዩራንየም ኣለዋ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ኒጀር፡ ነቲ ቀንዲ ዕደና ዩራንየም እታ ሃገር ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፈረንሳዊ ኦፕሬተር ኦራኖ መንዚዑ ተቘጻጺሩዎ ይርከብ።

ሩስያ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ሓዳስ መሻርኽቲ ኰይና ተሰሊፋ ኣላ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሩስያ ብሕታዊ ናይ ደገ መሻርኽቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኰይና እትጻወቶ ተራ ከይህሉ እውን ስክፍታ ዘለዎ ይመስል።

ናይ ሎሚ ዋይት ሃውስ፡ ዘይከም ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስ፡ ፈረንሳ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ምምሕዳር ባይደንን፤ ወተሃደራዊ ህላወ ሩስያ ከም ሓደጋ ዞባዊ ምርግጋእ ይኹን ሰብኣዊ መሰላት ኣይቈጽሮን።

ሩስያ ኣብ ማሊ ኣስታት 1000 ኮንትራክተራት ጸጥታ ኣዋፊራ ኣላ።

ኣብ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ድማ ንኣሽቱ ጕጅለታት ዕሱባት ወይ ስሩዓት ወተሃደራት ኣዋፊራ ኣላ።

ብፍላይ ኣብ ማሊ ብሩስያውያን ዝፍጸም ግህሰት ዝምልከት ብዙሕ ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ኣታላህ ናብ ባማኮ ክበጽሕ ከሎ፡ ዋሽንግተን ብዛዕባ ወተሃደራዊ ተሳትፎ ሞስኮ ኣዝያ ከም ዝተዛነየት ምልክት ሂቡ።

ዋሽንግተን ነቲ ሜዳ ንጽልዋ ሩስያ ጥራይ ክፉት ክትገድፎ ዘይትደሊ ትመስል፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ነዚ ምስ ናይ ገዛእ ርእሳ ጸጥታዊ ሽርክነት ሚዛን ክትህቦ ትደሊ።

እዚ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየድ "ዘይዛሪ ውግኣት" ተሳትፎ ኣመሪካ ከብቅዕ ኣለዎ ብምባል ብተደጋጋሚ ዝሓዞ ፖለቲካዊ መርገጺ ትራምፕ ብዘየናግዕ ውዕላት ዝፍጸም ክኸውን እዩ።

እዚ ብዛዕባ ኣብ መሬት ዝርከቡ ወተሃደራት ኣይኰነን - ምናልባት ሓሓሊፉ ንዝካየድ ናይ ልምምድ ጋንታታት እንተዘይኰይኑ።

ኣመሪካ ንማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ናይ ስለያ ደገፍ ትህብ ከም ዘላ ኣፍሪኮም ክገልጽ ከሎ፡ ቀረብ ኣጽዋር ክህሉ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ዋሽንግተን ግን ንጡፋት ሓይልታት ዳግማይ ከተዋፍር ወይ ነቲ ኣብ ኣጋዴዝ ኒጀር ዝሃነጸቶ ዓቢ መደበር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዳግማይ ክትከፍቶ ኣይትደሊን።

ኣብኡ ኣስታት 800 ወተሃደራት ነይሮምዋ።

እዚኦም፡ ምምሕዳር ባይደን ዲሞክራሲ ናብ ንቡር ንምምላስ ፍኖተ-ካርታ ክቐርብ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሩ'ዩ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣባሪርዎም።

ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኢኮዋስ ነቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ሓድሽ ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ወግዓዊ ክገብሩ ጸቕጢ ክገብር ፈቲኑ።

ከም ግብረ መልሲ ግን ኒጀር፡ ቡርኪናን ማሊን ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ውድብ ወጺአን ናይ ገዛእ ርእሰን ኮንፈደረሽን ማለት ኪዳን ሃገራት ሳሕል (AES) ኣብ ምህናጽ ኣተኲረን ኣለዋ።

ድሕሪ ሕጂ ኣባላት ስለ ዘይኰና ድማ፡ ኢኮዋስ ንውሽጣዊ ምሕደራ እተን ሃገራት ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት የብሉን።

እዚ ድማ ነተን ዝተረፋ ኣስታት 12 ኣባላቱ ንባዕለን፡ ምስተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ጕጅለታት ግብራዊ ምትሕብባር ዳግማይ ንምህናጽ ክኽእላ ሓራ ኣውጺኡወን ኣሎ።

እዚ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንዝርከቡ መንግስታት ቀዳምነት ዝወሃቦ ዓቢ ጕዳይ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዕጡቓት ብዶባት ሰሊኾም ክኣትዉ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከም በዓል ቤኒን፡ ናይጀርያን ቶጎን፡ ጋናን ኣይቮሪኮስትን ዝኣመሰላ ሃገራት መጥቃዕቲ ከካይዱ ወይ ክሕብኡ እዮም።

እቲ ዞባ ነዚ ከቢድ ብድሆ ኣብ ዝገጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ስለያ ኣመሪካ ኣብ ቁልፊ ዒላማታት፡ ምናልባት'ውን ተወሳኺ ኣጽዋር'ውን እንተሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ገለ ቅልጡፍ ዓወታት ንምምጻእ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።

ግን፡ ኣብዚ ኣዝዩ ድኻ ዞባ ዘሎ ዝተሓላለኸ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸቕጥታት እንተዘይተኣልዩ፡ ከምቲ ፈረንሳ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኣሽሓት ሰራዊትን ሓይሊ ኣየርን ናብ ሳሕል ብምውፋር፡ ላዕለዋይ ቴክኖሎጂ ዝተዓጥቀ ወተሃደራዊ ኣገባባት ጥራይ ሰላም ክመልስ ኣይክእልን እዩ።