ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መቕጻዕቲ ኣንቢራ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN AIRLINES

ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኣመሪካ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መንገዲ ኣየር ኢትሃድን ሕጊ ብምጥሓሶም ብገንዘብ ክቕጽዑ ወሲኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንመፍለዪ ኮድ መንገዲ ኣየር ዩናይትድ (ዩናይትድ ኤይላይንስ) ተጠቂሙ ብምብራሩ 425 ሽሕ ዶላር ክቕጻዕ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኢትሃድ ኢማራት ዓረብ ድማ ብኮድ ቁጽሪ 'ጀትብሉ' ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካ ብምብራሩ 400 ሽሕ ዶላር ተቐጺዑ።

ክልቲኦም መንገዲ ኣየራት፡ መንገዲታት ኣየር ኣሜሪካ ከይበሩ ብፌደራል ምምሕዳር ኣቬሽን (FAA) ብዝተኸልከሉሉ ክሊ ኣየር ብምብራር ሕጊ ከም ዝጠሓሱ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ክልቲኦም መንገዲ ኣየራት ካብዚ ተግባር ክዕቀቡ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦም'ውን ተገሊጹ።

አቪዬሽን ኮንሲዩመር ፕሮቴክሽን ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካየዶ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ጥፍኣት ካብ ለካቲት 2020 ክሳብ ታሕሳስ 2022 ዝነበረ እዋን'ዩ ፈጺምዎ።

ኣብቲ እዋን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኮድ መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ተጠቒሙ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ሓያሎ በረራታት ኣካይዱ ተባሂሉ።

እዚ ክሊ ኣየር ድማ ካብ መንገዲታት ኣየር ኣመሪካ ንኸይበሩሉ ብምምሕዳር ኣቪየሽን ኣመሪካ ዝተኸልከለ ምዃኑ ይዛረብ።

እዚ ግዙፍ መንገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ብዘይ ፍቓድ ክፍሊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸሞ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ መቕጻዕቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝለኣኾ ሕቶ ዛጊድ መልሲ ኣይረኸበን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ኢትሃድ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ካብ ነሓሰ 2022 ክሳብ መስከረም 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ንመፍለዪ ኮድ መንገዲ ኣየር 'ጄትብሉ' ተጠቒሙ ሓያሎ በረራታት ከም ዘካየደ ኣረጋጊጹ።

ክፍሊ መጓዓዝያ ኣሜሪካ ኣብ ሃገሩ ዝተመዝገባ ነፈርቲ መጓዓዝያ በብእዋኑ ምልክታታት በረራ የውጽእ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክሊ ኣየራት ንበረራ ዝኽልከሉ ንጉዕዞ ምቹኣት ኣይኰኑን ወይ ዞባታት ግጭት እዮም ኣብ ዝበሃለሉ እዋን'ዩ።

ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ መፍለዪ ቁጽሪ በረራ ኣመሪካ ዝጥቀሙ መንገዲ ኣየራት ንመምርሒታት ክፍሊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ወይ ምምሕዳር ፈደራል ኣቬሽን ተገዛእቲ ክዀኑ ኣለዎም።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ'ቶም ካብ ሕጊ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ መንገዲ ኣየራት መቕጻዕቲ ከንብር ጸኒሑ'ሎ።

ካናዳዊ መንገዲ ኣየር ኤር ካናዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብመፍለዪ ዩናይትድ ኤርላይንስ ኣብ ክሊ ኣየር ዒራቕ ብምብራሩ 250 ሽሕ ዶላር ተቐጺዑ ነይሩ።