መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ'ቲ ብኤርትራ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ ናይ ኣስመራ በረራኡ ሰሪዙ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰኑይ 2 መስከረም ምሸት ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።

ከም ዝዝከር በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ብ 24 ሓምለ ‘ናብ ኵሎም ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ መገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዱ በረራታት ከቋርጽ ከምዝወሰነ ገሊጹ ነይሩ።

ሰኑይ 2 መስከረም፡ ሰዓት 6:30 ምሸት ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንመወዳእታ ግዜ ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ዝነበረ ቍጽሪ በራራ 0315 ዝተዋህባ ቦይንግ 737 ማክስ ኰይና፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብተደጋጋሚ ሰዓታት በረራኣ ክትቅይር ከምዝተገደደት፡ ቢቢሲ ካብ ገያሾ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ሰዓት በረራኡ ካብቲ ኣብ ትኬት ዝተመልከተ 6:30 ናብ 5:10 ከምዝሰሓቦ ንገያሾ ሓቢሩ ነይሩ። "ደሓር ድማ ናብ ሰዓት 6:00 ከምዝመለስዎ ሓቢሮምና፡" ትብል ሓንቲ ስማ ዘይትጥቀስ ገያሺት፡ ኣብቲ ዝተባህለ ሰዓት ከምዝነቐሉ ትዛረብ።

ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ዝተባህለ ሰዓት 6:00 እቲ በረራ ከምዝተፈጸመ ካልእ ቢቢሲ ዝረኸቦ ዓሚል እቲ መገዲ ኣየር፡ ደሓር እታ ነፋሪት ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት፡ ድሕሪ ሰዓት 8-9 ምሸት ኣቢሉ እዩ እቲ መግለጺ ወጺኡ ይብል።

ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ ኣብቲ ብመገዲ መንግስታዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቶም በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ካብን ናብን ኤርትራ ዝገሹ ተገልገልቲ ክወርድ ዝጸንሐ ኢሉ ዝዘርዘሮ ዝተፈላለየ በደላት ከም ምኽንያት እቲ ውሳነ ብዝርዝር ኣመልኪቱ እዩ።

“እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን፡ ብወገን በዓል መዚ ሲቭል ኣቭየሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ከም ዝበለ ጠቒሱ።

እንተዀነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በረራ ከቋርጽ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝተቐበለ እንተዀነ ምኽንያት ናይቲ ውሳነ መብርሂ ከምዘይተዋህቦ ገሊጹ ነይሩ።

ስለዝዀነ ድማ፡ ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ መብርሂ ከም ዝሓተተ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ዓይነት ጸገም ብምሕዝነትን ብቕልጡፍን ንምፍታሕ ድሉዋት ኢና ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ሕጂ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ክጽወር ዘይክእል ዝበሎ ዕንቅፋት ኣሰራርሓ ከምዝገጠሞ ብምግላጽ ቅድሚ’ቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ተባሂሉ ዝነበረ ሰሌዳ ግዜ ኣቐዲሙ በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲኑ።

በዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቶ ኣቐዲሞም ትኬት ዝቘረጹ ዓማዊሉ ክወርድ ዝኽእል ምክልባትን ዕንቅፋታት ጕዕዞን ብዝከኣል መጠን ንምውጋድ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ መገዲ ኣየራት ምምዕርራይ ከምዝገብር፤ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ገንዘቦም ክመልስ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998 ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከም ዘቋረጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ [2018] ስሩዕ በረራኡ ዳግም ጀሚሩ።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ እቲ መገዲ ኣየር ብስሩዕ ካብን ናብን ኣስመራ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ፤ እንትርፎ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከቋርጾ ዝጸንሐ በረረታት፡ መዓልታዊ በረራታት ካብን ናብን ኣስመራ የካይድ።