መቐለ፡ ሎሚ ዝተራእዩ ዓበይቲ ክስተታት እንታይ እዮም?

ከተማ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, DT

ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዘይ ከንቲባን ህዝባዊ ኣግልግሎታትን ዝፀንሐት ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ፡ ሎሚ መዓልቲ ሓድሽ ከንቲባ ክትቕበል ኣብ ዝተገደደትሉ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ንራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ 104.4 ተቖፃፂሮም ኣለዉ።

እታ ከተማ ኣብ መንጐ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምግምማዕ ስዒቡ፡ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብሽም "ቤት-ምኽሪ" ነታ ከንቲባ ከመሓድር ንረዳኢ በርሀ (ዶ/ር) ዝመዘዘ እንትኾን፡ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ረዳኢ ኣንፃር ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሰርሕ ምዃኑ ብምግላፅ፡ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከይገብር ኣጊድዎ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ድማ ኣይተ ብርሃነ ገብረእየሱስ ከንቲባ ከተማ መቐለ ክኸውን ከም ዝሾሞ ይዝከር።

ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ድማ፡ እታ መንበሪት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝኾነት ከተማ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ብዘይ ከንቲባን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ሓዲግ ኰይና እያ ፀኒሓ።

ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ከም ዝድግፉ ብዝገለፁ ኣዘዝቲ ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ንመሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ንቤት-ፅሕፈታት ብምቁፅፃር በቲ ጉጅለ ንዝተመዘዙ ኣመራርሓ ኣብ ምትካእን ተፀሚዶም ይርከቡ።

ሎሚ ናብ ቤት-ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብምእታው ስርሑ ከም ዝጀመረ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ዝተዛረበ ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)፡ "ከንቲባ ከተማ መቐለ ኰይነ ብቤት-ምኽሪ ዝተሾምኩ ሕጋዊ ከንቲባ እየ። ብመጣየሺ ከተማ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ኣዋጅ 341 ዝኾነ ይኹን ከንቲባ ዘቕርቦ ሰዓራይ ውድብ ናይቲ ቤት ምኽሪ እዩ" ክብል ገሊጹ'ሎ።

"ሉኣላውነት ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እናተፈለጠ እዚ ጥሒስካ ብዝተወሰነ ውሳነ ናይ ከንቲባ ቤት-ፅሕፈት ተዓሺጉ ህዝቢ ኣገልግሎት ከይረክብ ተገይሩ ፀኒሑ እዩ"።

ንሱ ወሲኹ፡ "ሕዚ ግን ብቤት-ምኽሪ ዝተመረፀ ከንቲባ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።


ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)

ምንጪ ስእሊ, TTV

መግለጺ ስእሊ, ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ከንቲባ ከተማ መቐለ ክኸውን ዝተሾመ ረዳኢ በርሀ (ዶ/ር)

'ሰራሕተኛ ደንፅይዎ እዩ ዘሎ'- ሰራሕተኛታት ኤፍ ኤም መቐለ 104.4

ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ ሓሙስ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ብዝድግፉ ኣዘዝቲ ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከብ ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ 104.4 ከም ዝተቖፃፀሩ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝኾኑ ዕጡቓት ነቲ ትካል ብምቁፅፃር፡ በቲ ብደብረፅዮን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዝተሾመ ሓላፊን ሓድሽ ኣመራርሓ ቦርድን ክኣትዉ ከም ዝገበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ገሊፆም።

ንድሕንነቶም ሽሞም ዘይንገልፆም ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ "ብሓይሊ ሰራዊት ሒዞም መፅዮም ነቲ ራድዮ ጣብያ ተቖፃፂረሞ ኣለዉ። ብሰራዊት እዮም ተዓጂቦም መፅዮም። ሕዚ እቲ ሰራዊት ነቲ ትካል ይሕልዎ ኣሎ። ሰራሕተኛ ደንፅይዎ እዩ ዘሎ" ኢሎም።

ነቲ ትካል ምስ ዝተቖፃፀሩ ዕጡቓት፡ እቲ ቅድሚ ሕዚ ኣመራርሓ እቲ ራድዮ ጣብያ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይምጕት ዝነበረ ኣይተ ዘመንፈስ ፍስሃን ሓዱሽ ኣመራርሓ ቦርድን ከም ዝመፅኡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ሓቢሮም።

ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ 104.4

ምንጪ ስእሊ, FM MEKELLE/FB

ብመሰረት ደምቢ በዓል ስልጣን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ብፍቓድ ክልላዊ ተሌቪዥን ትግራይ ዝንቀሳቐስ ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ 104.4፡ ካብ ዝምስረት 16 ዓመታት ዘቝፀረ እንትኾን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ እዚ ዓመት ዕጡቓት ነቲ ራድዮ ጣብያ ንምቁፅፃር ፈቲኖም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዝምራሕ ፍንጫል ህወሓት "ብሽም ቤት-ምኽሪ" ከንቲባ ከተማ መቐለ ክኸውን ዝተሾመ ዶክተር ረዳኢ፡ ነቲ ራድዮ ጣብያ ዝመርሕ ኣይተ ዘመንፈስ ፍስሃ ዝበሃል ሓላፊ መዚዙ ነይሩ።

እንተኾነ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከንቲባ ኰይነ "ተሸይመ እየ" ንዝብል ዶክተር ረዳኢ ብምእጋድ፡ ኣብ ክንድኡ ንኣይተ ብርሃነ ገብረእየሱስ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ። በዚ ድማ እቲ ኤፍኤም ራድዮ ብዕጡቓት ንምቁፅፃር ዝተገበረ ፈተነ ፈሺሉ ነይሩ።

እቲ መደበር ራድዮ ኣብ ስሩዕ ፈነወ ኣብ ዘለሉ እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ነቲ ትካል ከም ዝተቖፃፀሩ ዝገለፁ ምንጭታት ቢቢሲ፡ ሰራሕተኛታት በቲ ኩነታት ኣብ ስምባደ ብምእታዎም ኣቐዲሞም ዝተቐድሑ መደባት ይፍነዉ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

"ሕዚ ኣቐዲሞም ዝተዳለዉ መደባት እዮም ኣብ ኣየር ዝውዕሉ ዘለዉ። ናይ ቀጥታ መደባት የለን። ምስ ሰራሕተኛታት ኣኼባ ከም ዘካይዱ ነጊሮምና ኣለዉ" ኢሎም።

ኣብ መንጐ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምግምማዕ ናብ ሓይልታት ትግራይ ልሒኹ ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊት ውግንንኦም ምስቲ ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል ጉባኤ ዘካየደ ክንፊ ህወሓት ምዃኑ ብወግዒ ካብ ዘነፅሩ ንደሓር፡ ብፍሉይ ኣብዚ ሰሙን ቅሉዕ ምፍራስ መሓውራት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝገብርሉ እዩ፡ ብሓሙስ ነቲ ራድዮ ጣብያ ተቖፃፂረሞ ዘለዉ።

እቲ ወጥሪ ብኸመይ'ዩ ዝምዕብል ዘሎ ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ዓዲጉዶምን ገለ ከባብታት መቐለን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዙሓት ከም ዝተጎድኡ ብሰኑይ ብመንገዲ ኤክስ ገሊፁ'ዩ።

ኣብ ጐኒ እቲ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምዃኖም ዝገለፁ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ምቁፅፃርን በቲ ዝድግፍዎ ክንፊ ዝተሾሙ ኣካላት ናብ ቤት ፅሕፈት ኣብ ምእታውን ይርከቡ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ይካየድ ከምዘሎ ብምግላፅ፡ መንግስቲ ፌደራል ኢዱ ከእትዉ ብወግዒ ሓቲቱ ኣሎ።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንመሓውር መንግስቲ የፍርሱ ኣለዉ ንዝበሎም ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታትት ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ [ፍሳሃ ማንጁስ] ዝምራሕ ዝነበረ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ንውሳነ እቲ ፕረዝደንት ከም ዘይቕበሎ ዘፍለጠ ዀይኑ፡ ንሱ ንባዕሉ ካብቶም ድሒሮም ዝተባረሩ ኣዘዝቲ ሓደ ዀይኑ ኣሎ።

እቲ ቤት ፅሕፈት "ሕጊ ምኽባር" ኢሉ ዝሰየሞ ኣካይዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ መሓውር መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምፍራስ ዝወፈረ ዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ንቤት-ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምቁፅፃርን ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝኽሰስ።

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚመዓልቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ "ንውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ኢሉ ሰላም ህዝቢ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ምርግጋዕ እታ ሃገር ምስ ዝተበለፀ ኣካል" ከይደራደር ሓቲቱ።

እቲ ብሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳነ (ፍስሃ ማንጁስ) ይምራሕ ዝነበረ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ድማ ሎሚመዓልቲ ሓሙስ ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ፡ "ብዓቕምና ክፍታሕ ንዝኽእል ውሽጣውን ፖለቲካውን ሽግራት ንካልእ ክፈትሓልካ ምዕዳም ዘሰክፍ'ዩ" ኢሉ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ዝህሉ ናይ ሓይሊ ምንቅስቓስ እቲ ፀገም ካልእ መንገዲ ክሕዝን ክዓሙቕን፣ ህዝቢ ከይቀስንን ዝገብር እዩ" ይብል።

እዚ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ውጥረት፡ ነቲ ካብ በሰላታት ደማዊ ኵናት ትግራይ ዘይሓወየ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎ ይርከብ።