ድምጺ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 83 ዓመታት ኣብ ማዕበል ደሃያ ሃጢሙ

ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ, VOA Tigrinya

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምቕርጣው መስርሕ ቢሮክራሲን ምጕዳል ባጀት መንግስትን ብዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ፡ ድምጺ ኣመሪካ (ቪኦኤ) ንእትርከበን፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝምወላ መራኸቢታት ብቐዳም (15 መጋቢት) ዓጽዩ፡ ንልዕሊ 1300 ሰራሕተኛታት ድማ ዕረፍቲ ክወጽኡ መምርሒ ሂቡ።

"ኣብ ውሽጢ 83 ዓመታት ድምጺ ኣመሪካ ሎሚ ንፈለማ እዋን ኣብ ማዕበል ጠፊኣ፡" ክብል ብምምሕዳር ባይደን ዝተሸየመን መዝነቱ ኣብ ምርካብ ዝነበረን ዳይረተር ድምጺ ኣመሪካ ማይክል ኣብራሞዊዝ ኣብ ናይ ውልቁ ፈይስቡክ ገጽ ኣስፊሩ።

ዓርቢ ምሸት (14 መጋቢት)፡ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ዘምሓድር ኣጀንሲ ዓለምለኸ መራኸቢታት (United States Agency for Global Media) ዝርከበን ሸውዓተ ኣካላት መንግስቲ፡ ከከም ኵነታቱ ናይ ምዕጻውን ምጕድላን ስጕምቲ ክውሰደን ምዃኑ ኣስፊሩ ነይሩ።

ነቲ መምርሒ ስዒቡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ድምጺ ኣመሪካ ቀዳም ንግሆ፡ ስራሕቶም ደው ከብሉን ካብታ ሰዓት'ቲኣ ኣትሒዞም (10፡00 ቅ.ቐ ብኣቈጻጽራ ዋሺንግተን ዲሲ)፡ ደሞዞም እናተኸፍሎም ኣብ ዕረፍቲ ክጸንሑን ዝሕብር መልእኽቲ ከም ዝተቐበሉ፡ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ግን ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ገሊጹ።

ካብ ቀዳም ንግሆ ኣትሒዙ ብድምጺ ኣመሪካ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ ራድዮን ቴለቪዥንን ዝቐረበ ሓድሽ ትሕዝቶ የሎን። እንተዀነ፡ ብዓርቢ ተዳልዩ ኣብ መስርዕ ዝነበረ ፈነወ፡ ብቐዳም ኣብ ራድዮ ዝተፈነወ መደባት ምንባሩ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ናብ ሰራሕተኛታት ዝተላእከ ኢመይል፡ ንብረቶም ክሳዕ ዝመልሱ ዝዀነ ምስቲ ትካል ዝተሓሓዝ ነገራት ከይጥቀሙን ተወሳኺ መምርሒ እንተ'ልዩ ድማ ብናይ ውልቆም ቴለፎንን ኢመይልን ክለኣኻሎም ምዃኑ ከም ዝተነገሮምን እቲ ቢቢሲ ዘዘራረበቶ ሰራሕተኛ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዳሕራይ ስጕምቲ፡ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝተዓጽዋ፡ ኣገልግሎት ፈነወ ኲባ፡ ድምጺ ናጻ ኤውሮጳን'ውን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ። ብድምሩ እዘን ብቐዳም ዝተዓጽዋ መደበራት ንኣስታት 427 ሚልዮን ሰማዒ ከም ዝበጽሓ ኣገልግሎት ዜና ኣሰውሸይትድ ፕረስ ይጠቅስ።

ድምጺ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድምጺ ኣመሪካ ተመሊሳ ኣብ ማዕበል ክትቅጽል እንተዀይና ዛጊት ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተሓበረ ነገር ከም ዘየሎ'ዮም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወገናት ዝገልጹ።

እንተዀነ፡ ብምምሕዳር ትራምፕ ዳይረተር ድምጺ ኣመሪካ ኰይና ዝተመዘዘትን ግቡእ ስራሓ ክሳዕ እትጅምር ድማ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ናይቲ ኣጀንሲ ኰይና እትሰርሕ ዘላን ካሪ ሌክ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ (ናይ ቅድም ትዊተር) ኣብ ዘካፈልቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በቲ ኣጀንሲ ክካየድ ጸኒሑ ንዝበለቶ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብልሽውናን ምብኻን ንብረትን ድሕሪ ምዝርዛር፡ "ነቲ ዝቘመሉ ተልእኾ ብግቡእ ዝፍጽም ትካል" ክትመርሕ ምዃና ኣመልኪታ ኣላ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን ዳግም ንምኽፋቱ መደብ እንተ'ሎ ኣይተነጸረን።

ብባጀት መንግስቲ እትምወል ድምጺ ኣመሪካ፡ ጃፓን ኣብ 1942 ንመደበር ኣመሪካ ድሕሪ ምድብድባን ኣመሪካ ድማ ብኣኡ ተደፋፊኣ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝኣተወትሉን እዋን'ያ ተመስሪታ። ድምጺ ኣመሪካ ንናይ ደገ ሰማዕቲ እምበር፡ ንኣመሪካውያን ዝዓለመ ብዙሕ መደባት ኣይጸንሓን - ተልእኾኣ'ውን ኣይኰነን።

ብኣስታት 47 ቋንቋታት ቀንዲ ኣብተን ናጽነት ፕረስ ትሑት ምዃኑ ዝንገረለን ሃገራት መደባት እትፍኑ ዝነበረት ድምጺ ኣመሪካ፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ካብ 1982፣ ብቛንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ድማ ካብ 1997 ኣትሒዛ ስሩዕ መደባት ክትፍኑ ምጽናሓ ዝዝከር'ዩ።