ሩስያ 'ዝዓበየ' መጥቃዕቲ ድሮን ከተካይድ እንከላ ዩክረይን 15 ክሩዝ ሚሳይል ኣውዲቐ ትብል

ባርዕ

ሩስያ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን - ድሮን - ሚሳይላትን ድሕሪ ምፍጻማ ኣብ መላእ ዩክረይን መጠንቀቕታ ደብዳብ ኣየር ተዋሂቡ።

ከንቲባ ርእሰ ከተማ ኪቭ በቲ "ዝዓበየ" መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ካሚካዘ ክሳዕ ሕጂ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኦዴሳ ድማ ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ቀይሕ መስቀል ዩክረይን መኽዘኑ ከም ዝተሃርመ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ዩክረይን 15 ክሩዝ ሚሳይላት ሩስያ ከም ዘውደቝ ይገልጹ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኪቭ ሰርሂይ ፖፕኮ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ ዞባ ባሕሪ ካስፒያን ካብ ዝበራ ኣርባዕተ ነፈርቲ ቦምባ ከም ዝተወንጨፉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

እዚ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ኣብ ኪቭ ዝተፈጸመ ራብዓይ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ሩስያ ዓመታዊ እትጽንብሎ መዓልቲ ዓወት ከተብዕል ኣብ እትዳለወሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተፈጺሙ።

እዚ ዓመታዊ በዓል፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዝረኸበቶ ዓወት ዝዝክር እዩ።

መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ክልቲኡ ኲናት ምምስሳል ክገብር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሩስያ፡ ቅድሚ እቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸረ-መጥቃዕቲ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳብ ነፈርቲ ኣሐይላቶ ኣላ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ከምዝበሎ፡ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ እዩ።

ብተወሳኺ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብኢራን ዝተሰርሓ ሻሄድ ካሚካዝ እየን።

ከንቲባ ከተማ ኪቭ ቪታሊ ክሊችኮ፡ ሩስያ ኣስታት 60 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝወንጨፈት ብምግላጽ፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ "ዝዓበየ" መጥቃዕቲ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ወሲኹ፡ 36 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዓነዋ፡ ግን ካብተን ዝተሃርማ ነፈርቲ ብዝወደቐ ፍንጫላት ግን ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ነዞም ኣሃዛት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ጸሊም ባሕሪ፡ ሓደ መኽዘን ብሓዊ ከም ዝተቓጸለ ሰበስልጣን ዩክረይን ገሊጾም።

ቀይሕ መስቀል ዩክረይን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዘለዎ መኽዘን ከም ዝዓነወን፡ ኵሉ ረድኤት ክቋረጽ ከም ዝተገደደን ገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኬርሶን ኣብ ዝርከባ ክልተ ቁሸታት ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ኣብ ዛፖሪዚዝያ ብሩስያ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ቭላድሚር ሮጎቭ ሓይልታት ሩስያ ኣብታ ንእሽቶ ከተማ ኦሪኪቭ ኣብ ዝርከብ መኽዘንን መደበር ሰራዊት ዩክረይን ከም ዝሃረሙ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር 9 ግንቦት ከም መዓልቲ ኣውሮጳ ከም ዝኽበር ኣፍሊጡ። ፍቓድ ባይቶ ዘድልዮ እዚ ስጕምቲ ንሩስያ ከም መግናሕቲ እዩ ዝርአ።

ሩስያ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ሞስኮ ብዝካየድ ሰልፊ መዓልቲ ዓወት ክተብዕል ትዳሎ ኣላ።

ሩስያ መራሕቲ ኣርመንያ፡ ኣዘርባጃን፡ ቤላሩስ፡ ኪርጊስታን፡ ታጂኪስታንን ኡዝቤኪስታንን ኣብቲ ሰልፊ ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢራ ኣላ።

ኣብ ፍሉይ ምዕባለ፡ ኣብ በርሊን ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ብ9 ግንቦት ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ኣብ ዝርከብ መዘከርታታት ኲናት ሶቭየት ኣብ ዝካየድ ሰልፍታት፡ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ሩስያን ሶቭየትን ከይሕዙ ኣጊዱ ኣሎ።