ሃገራት ጕጅለ-7፡ ውጥን ቻይና ንምህራም 600 ቢልዮን ዶላር ከውፍራ ይሕልና
![ፕሬዝደንት ጆ ባይደን [ጸጋም] ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/abb8/live/373ccb50-f5f0-11ec-bd41-87b161902afa.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሕቲ ሃገራት ‘G7’ ኣንጻር ውጥን ‘ቅናትን ጽርግያን’ ተበግሶ ቻይና ዝዓለመ፡ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዝቐንዐ 600 ቢልዮን ዶላር ምወላ ንምውዳብ መደብ ከምዘለዎም ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጕጅለ ሸውዓተ ዝተጋህደ፡ ‘ዓለማዊ ሽርክነት ትሕተ ቅርጽን ልምዓትን’ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን’ውን እንደገና ተላዒሉ’ሎ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ውጥን ንዅሉ ወገን ረብሓ ዘጐናጽፍ ምዃኑ ይገልጽ።
ቻይና ዘንቀለቶ፡ ብብዙሕ ትሪልዮናት ዶላር ዝግመት ተበግሶ ትሕተ ቅርጺ፡ ንብዙሓት ሃገራት ኣብ ዕዳ ዝሸምም ዘሎ ውጥን ምዃኑ ብብዙሓት ክውቀስ ይስማዕ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ብዛዕባ'ዚ መደብ ሽርክነት ትሕተቅርጽን ልምዓትን ጕጅለ ሸውዓተ፡ "ኣብዚ መደብ’ዚ ንጹር ክኸውን’የ ዝደሊ፡ እዚ ሓገዝ ወይ ግብረ ሰናይ ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል፡ "[እዚ] ንዅሉ ዘርብሕ ወፍሪ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ውጥን፡ [ሃገራት] "ምስ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ምሕዝነት ምፍጣር ዘለዎ ጭቡጥ ረብሓ ክርእያ ዘኽእል'ዩ፡" ክብል እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ትልሚ፡ መራሕቲ ኣባላት ጕጅለ 7፡ ኣብተን ማእከላይን ትሑትን እቶት ዘለወን ሃገራት፡ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቕርጺ ንምብጋስን ንምምዋልን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 600 ቢልዮን ዶላር ከተኣኻኽባ ዝጽውዕ እዩ።
ኣሜሪካ ካብ ጠቕላላ’ቲ ተሰሊዑ ዘሎ መጠን፡ 200 ቢልዮን ዶላር ብመገዲ ድጋፍ፣ ገንዘብ ፌደራልን ብሕታዊ ወፍርታትን ክትእክብ ክትመባጻዕ እንከላ፡ እቲ ዝተርፍ 300 ቢልዮን ዩሮ ኣቢሉ ዝግመት መጠን ገንዘብ ከኣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝዋጻእ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ፕሮጀክት’ዚ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት፡ ዓለማዊ ጥዕና ንምምሕያሽ፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ንምዕዋትን፡ ዲጂታዊ ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽን ዝዓለመ እዩ’ውን ተባሂሉ’ሎ።
ብመሰረት እዚ ውጥን፡ ገለ ካብቶም ጐሊሖም ዝጥቀሱ መደባት፡ ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ኣንጐላ፣ ትካል መፍረ ክታበት ኣብ ሰኔጋል፣ ከምኡ’ውን ብቐርኒ ኣፍሪቃ ኣቢሉ ንግብጽን ሲንጋፖር ዘራኽብ 1000 ማይልስ ዝንውሓቱ ትሕተ-ማያዊ መስመር ተሌፎንን እዮም።
እዚ ውጥን፡ ቅናትን ጽርግያንዝብል ተበግሶ ቻይና ንምምካት ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝነቐለ እዩ። እዚ ኣብ 2013 ብፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዝተጀመረ ተበግሶ ቅናት፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ወደባት፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ንኽሃንጻ ዝምውል መደብ እዩ።
ሃገራት ንግዳዊ ምትእስሳር [ምስ ቻይና] ‘ኳ እንተማዕበላ፡ እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ለቓሕ ብምትብባዕ፡ ነተን ብዕዳ ዝተታሕዛ ወይ ዕዳአን ክኸፍላ ዘይከኣላ ሃገራት ድማ ኣገዳሲ ንብረተን ከረክባ ዘገድድ “ሃዳኒ ወይ ቀታሊ ልቓሕ” ንምሃብ ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ'ውን ብብዙሓት ተነቒፉ'ዩ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን፡ ዕላማ ናይዚ ዳሕረዋይ ፕሮጀክት [ጕጅለ-7]፡ "ኣብዚ ዝምዕብል ዘሎ ዓለም፡ መሻርኽትና ኣማራጺታት ከምዘለወን ንምርኣይ፡ ሓያል ኣወንታዊ ድርኺት ወፍሪ" ንምቕራብ ዝዓለመ'ዩ ኢላ።
እቲ ውጥን ትሕተ ቕርጽን ልምዓትን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2021 ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ G7 ዝቐረበ እዩ። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ‘ዳግመ ህንጸት ዘሓሸት ዓለም’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዝነበረ ግን ከኣ ምስጓም ስኢኑ ዝጸንሐ ውጥን፡ ቅድሚ’ዚ ዋዕላ 2022፡ ስሙ ኣሐዲሱ ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







