ኣብ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ባንዴራ ኤርትራ ዘስቀለ ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ናበይ ኣበለ?

ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ [የማን]- ምስ ዋና ጸሓፊ ቡጥሮስ-ቡጥሮስ ጋሊ - 1993

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ [የማን]- ምስ ዋና ጸሓፊ ቡጥሮስ-ቡጥሮስ ቓሊ - 1993

ብዙሓት ሰባት ንኣሕመድ ሓጅ ዓሊ በቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን መንግስታዊ ስልጣንን ዝተጻወቶ ተራ ይዝክርዎ ይዀኑ፤ ኣውራ ግን በታ ኣብ 1993 ኣብ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመጀመርታ እዋን፡ ንባንዴራ ኤርትራ ደው ኢሉ ብምስቃል፡ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ንዓለም ውልደት ሓዳስን ነጻ ኤርትራን ዘበሰረላ ታሪኻዊት ህሞት እዩ ዝዝከር።

ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ምስ ተጓናጸፈት፡ ብ28 ግንቦት 1993 ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዕላዊት ኣባል ኰይና ተጸንበረት። እታ መዓልቲ’ቲኣ ንኤርትራውያን ዜጋታት ፍስሃን ሓጐስን ዝመልአት መዓልቲ ነበረት።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ማዕረ እቲ ከም ሻድሻይ ዋና ጸሓፊ ኰይኑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገለ ግብጻዊ ቡጥሮስ-ቡጥሮስ ቓሊ - ሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ፡ “ኤርትራ - ኤርትራ - ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ” ብዝብል ሃገራዊ መዝሙር ተሰንያ ኣብ ሰማይ ከተንበልብል ዘሰነያ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ እዩ ነይሩ።

ስለዝዀነ ከኣ እዩ ስሙ ምስቲ ፍጻመ’ቲ ተኣሳሲሩ ዝዝከር። እቲ ተርእዮ’ቲ ከኣ ኣብ ተዘክሮታት ኤርትራውያን ከም ሓወልቲ ተወቂጡ ኣሎ።

ነታ ህሞት’ቲኣ ካብ መዓር ዘጥዓማ ምኽንያት ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን180 ዲግሪ ተጠምዚዙ ኣብ ጐድኒ ኤርትራ ደው ምባሉ እዩ ይብል ጸሓፍ ታሪኽ ዳዊት መስፍን።

ኣብ መወዳእታ 40’ታት፡ ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት (ኣሜሪካ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ሕብረት ሶቬትን) ናብ ኤርትራ ተላእከ። ዕላማ ናይቲ ኮሚሽን ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበራ ሃገራት - ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ - መዕለቢ ንኽፈጥሩሉ ነበረ።

ኣብቲ እዋን ሽፍትነት ስለ ዝገርገረ እቲ ኮሚሽን ስርሑ ክድምድም ስለዘይከኣለ፡ እቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ናብ ሕቡራት ሃገራት ንድሕሪት መለሶ።

እቶም ሸፋቱ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ በሃልቲ’ዮም ነይሮም። ዕላማኦም ንኽማልኣሎም ከኣ ኣብ ኤርትራ ፍጹም ዕግርግር ፈጠሩ። ንዜጋታት ጣልያንን ንደለይቲ ናጽነትን ኣብ ፈቐድኡ ይቕንጽሉዎም ነበሩ። በቲ ዝተፈጥረ ዕርግር ከኣ ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላን መንግስታት ንዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣውረደ።

እንግሊዝ ብወገኖም፡ ከም ዋና ወተሃደራዊ ምሕደራ፡ በቪን-ስፎርሳ ዝበሃል መደብ ኣውጽኡ። እቲ መደብ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ንምኽፋል ነበረ - ምድረ-መታሕት ምስ ሱዳን፡ ከበሳ ኸኣ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንበር።

ነቲ መደብ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣበርቲዖም ተቓወምዎ። ካብ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ምምቃል ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ብሞጕዚትነት ትጽናሕ፡ ወይ ከኣ ናጽነታ ትርከብ ኢሎም ተኻትዑ።

እቲ መርገጺኦም ደፍእሉ፣ ኣስላም ኤርትራ ኸኣ ብብዝሒ ነቲ መደቦም ደገፍዎ። እንግሊዝ ዝገበረት ገይራ ነቲ ናይ ምምቃል መደብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብጽሓቶ፣ ግናኸ ብዕድል ኣይተዓወተትን።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ግዱሳት ሃገራውያንን ንኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ምምቃል ኣድሓንዋ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ክፋእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብኡ ኣይተወድአን፤ እቲ ውዲት ቀጸለ፡ ይብል ጸሓፍ ታሪኽ ዳዊት።

ብ1950 ተወሳኺ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ብመጻኢ ዕድል ኤርትራ ከጽንዕ ንኣስመራ ተጓዕዘ። ናዕቢ ኰይኑ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ግጭት ተፈጥረ። እቲ ሽዑ ዝተፈተነ ጐስጓስ ከኣ ኣይሰለጠን።

ብድሕሪኡ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተነድፈ ውጥን - ብ Resolution 390 A (V) ዝፍለጥ - ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝቛርን ዉጥን ብድፋእ-ድፋእ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸድቕ ተገብረ።

ኣብ ዓመቱ ኣንዘ ማቴንዞ ዝተባህለ - ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ልኡኽ - ንፈደረሽን ኣብ ግብሪ ንከውዕል ንኤርትራ ተላእከ። ልኡኹ ኸኣ ፈጸሞ። ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቛረነት።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕገ-መንግስቲ ነዲፉ ኣቕረበ፤ ኣንድነታዊ ተድላ ባይሩ ብኢትዮጵያ ተደጊፉ ከም ገዛኢ ክምረጽ ገበሩ። ፈደረሽን ኣንዳዕዲዑ ምስ ረገጸ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣበየ ከተማን ወደብን ብምውራድ ንኤርትራ ተቛጻጸርዋ።

ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ ኸኣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንውዕል ፈደረሽን ጥሒሱ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ትሓብር ገበረ። ሕቡራት መንግስታት ከኣ ከም ዘይረአየትን ዘይሰምዐትን ስቕ ብምባል ንኤርትራ ኣሕሊፋ ሃበት።

እምበኣርከስ እዚ’ዩ እቲ ንኤርትራ ኣብ ደልሃመት ዘእተወ ሸፈጥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይብል ዳዊት ንታሪኻዊ ፍጻመታት እቲ እዋን ብምትንካፍ።

እቲ ኵሉ ክፋእ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰጊሩ ኤርትራ ኣብ መድርኽ 1993 በጽሐት - መድርኽ ናጽነት። ባንዴራኣ ኸኣ ብዕሊ ሰቐለት። እቲ ዝተበጽሐ ህሞት እንክዝከር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ሓሳብ ኤርትራውያን ብጦብላሕታ ይመጽእ፣ ምኽንያቱ ሰንደቕ ዕላማ ኤርትራ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ቀደም ንጸገማት ኤርትራ ብግቡእ ዘይፈትሐ ውድብ ብምስቃሉ።

ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ግን ሕጂ ኣበይ ኣሎ?

ድሕሪ’ቲ ብ21 ጥሪ 2013፡ ኣብ ኣስመራ፡ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ናዕቢ ምክያዱ፡ ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ኣመሓደርትን ከም ዝተኣስሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መንጎኦም ማእከሎትን ላዕለዋትን ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣቶ ዓብደላ ጃብር፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጣፋ ኑርሑሴን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ማዕድን ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ይርከቡዎም።

እቲ ሽዑ፡ ብዘይ ስምዕታ ዝተጋህደ ኣድማ፡ ብዕሊ ኣይተዘርበሉን። ኣብቲ እዋን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝነበረ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ፡ ‘ፈተነ ዕልዋ ኣይኰነን’ ብምባል ነቲ ሓበሬታ ክውግዶ ፈቲኑ ነይሩ። ይዅን እምበር ድሕሪ እቲ ፍጻመ ሒደት መዓልታት ፕረሲደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፡ ነቲ ዝተረኽበ ጕዳይ ብምንእኣስ “ብውሑዳት ዝተደናገሩ ወተሃደራት ዝተፈጸመ ጌጋ’ዩ” ክብል ነቲ ተረኽቦ ገሊጹዎ።

ኣብ ርእሲኡ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ካድራት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብታሕቲ ታሕቲ፡ እቶም ኣብቲ ናዕቢ እተሳተፉ፡ መብዝሕትኦም ኣስላም ምንባሮም ክገልጹ ተሰሚዖም።

እንተዀነ ሚድያ ኤርትራ ይትረፍ ክንድኡ ዝዕቤቱ ብማዕከናት ዜና ዓለም ከይተረፈ ዝተጸብጸበ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝተሳተፉዎ ናዕቢ፡ ንዝዀነ ተረኽቦታት - ተቓውሞ፡ ማእሰርቲ፡ መስጐጕቲ፡ ጭውያን ዓፈናን ስለዘይዝረበሉ ብዕሊ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ንምዃኑ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ መን’ዩ?

ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ዝነጥፍ ዝነበረ በዓል ስልጣን ነበረ። ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ማዕድን፡ ከምኡ’ውን ንኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ እዋን ወኪሉ ብምስራሕ ሃብታም ተሞኵሮ ዘጥረየ ሚኒስተር ነበረ።

ስሙ ምስ ኣድማ ፎርቶ ከምዝተኣሳሰር ዳን ኮኔል ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ። ዳን ኮኔል፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚሩ ምስ ታሪኽ ኤርትራ ዝተጓዕዘ፡ ብዛዕባ ሰውራን ድሕሪ ነጻነትን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍትን ዓንቀጻትን ዝጸሓፈ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ዳርጋ ንዅሎም መራሕቲ ሰውራን መንግስቲ ኤርትራን ብቐረባ ዝፈልጦም ናይ ታሪኽ ተመራማሪ’ዩ።

እቲ ዳሕራይ “ስርሒት ፎርቶ” ብዝብል ስም ዝተጸወዐ ናዕቢ፡ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዜናን ሓበሬታን ዝርከበሉ ብመንግስቲ ዝውነን ፎርቶ ስለ ዝተፈጸመ’ዩ።

ኣብቲ ኣድማ፡ ሓደ ንእስ ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ታንክታት ኣሰሊፉ ንሚኒስትሪ ዜና ብምቍጽጻር ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ፡ ቅዋም ሃገር ክትግበር ዝሓትት ጠለባት ኣቐረበ።

ገለ ካብቲ ጠለባት ብተሌቪዥን ከምእተፈነወ እዩ ዝእመን፣ እቲ ፈነወ ግን ከይተወድአ ብጣልቃነት መንግስቲ ከም ዝቋረጽ ተገብረ።

ናይ መንግስቲ እሙናት ሓይልታት ንስርሒት ፎርቶ ንኸፍሽሉ ነቶም ናዕበኛታት ከበቡዎም። እቲ ምፍጣጥ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ወዓለ።

ሽዑ እቶም መራሕቲ ናይቲ ኣድማ ተበታተኑ፣ ሓደ ካብ መራሕቶም ኸኣ - ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ነብሰ ቅትለት ፈጸመ። እቲ ዕልዋ ዝፈሸለሉ ምኽንያት፡ ይብል ዳን ኮኔል፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብ ውሽጢ’ቶም ናዕበኛታት/ ዓለወኛታት ዝተጸፍዩ ናይ ጸጥታ ባእታታት ስለዝነበሩ ከይኰነ ኣይተርፍን ይብሉ።

እቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኣብ ግንባር ጸሮና ዓሪደን ካብ ዝነበራ ኣሃዱታት ኰይኖም፡ ብደቀምሓረ ኣቢሎም ንኣስመራ ከም ዝኣተዉ ይንገር።

እቲ ስርሒት ምስ ፈሸለ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት በዓል ኣሕመድ ሓጅ ዓሊን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ተኣስሩ።

ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ኣብቲ ስርሒት ኢድ ይንበሮም ኣይንበሮም ንህዝቢ ብወግዒ ከይተገልጸ ተኣሲሮም ተሰወሩ።

ብድሕሪኡ ማዕበል ማእሰርቲ ከምዝሰዓበን ብታሕቲ ታሕቲ ነቲ ስርሒት ብእስልምና ዝኸስስን ዘጸልምን ጐስጓስ ከም እተኻየደ ዳን ኮኔል ይጠቅስ።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ

ኣሕመድ ወዲ ከረን’ዩ፤ ኣብኡ ተወሊዱን ዓብዩን ተማሂሩን። ካልኣይ ደረጃ ምስ ወድአ ንኣዲስ ኣበባ ከይዱ፣ ካብኡ ኸኣ ትምህርቱ ንኽቕጽል ንሕብረት ሶቬት ተጓዕዘ። ኣሕመድ ስሩዕ ህዝባዊ ግንባር ስለ ዝነበረ፡ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ ነቲ ውድብ ብልዑል ሓላፍነት ኣገልጊሉ’ዩ።

እቶም ንኣሕመድ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት - ምናዳ ከም ሳልሕ ጆሃር ዝተባህለ ወዲ ከረን፡ መርበባዊ መምህር፡ ወይከኣ ፍሉጥ መርበባይ (blogger) ንኣሕመድ ብናእዳ’ዩ ዝገልጾ።

ኣሕመድ ተመሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብብልሑን ትግሃቱን ፍሉጥ ከም ዝነበረ ይዝክሮ። ኣዝዩ መስተውዓሊ ሰብ ከም ዝነበረ ኸኣ ይምስክረሉ።

ሳልሕ ጆሃር ጋዲ ከም ዝመስከሮ፡ ኣሕመድ ኣብ ከረን ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብእንግሊዘኛ ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ መርበቡ ብምቕራብ (‘መርዓ ኣብ ኤርትራ’ ዘርእስታ ጽሕፍቲ - ብ1968 ኣብ መጽሔት ቤት-ትምህርቶም ዝጸሓፋ) ከም ኣብነት ብምቕራብ ኣብ ልዕሊ ኣሕመድ ዘለዎ ናእዳ፡ ማለት ዓሚቝ ሕብረተሰባዊ ኣስተብህሎ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

ሚኒስተር ኣሕመድ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ‘ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ክትምረቕ እንከላ፣

“እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ናይ ኡስታዝ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዛንታ ህይወት ዲያ ወይስ ዛንታ ብዙሓት ወለዶታት? ወይስ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ? ... ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ ንዅሉ’ዚ ዘጠቓለለት እያ” ክብል ብኣድናቖት ገምጋሙ ሂቡላ። ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንዝነበረ ጕዕዞ፡ ሕማቍን ጽቡቝን፡ ዘርዚሮም ንከቕርቡ ግቡኦም ብምዃኑ፡ ምስ ግዜ ክቀዳደሙ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር ንኡስታዝ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ በቲ ዘቕረቦ መጽሓፍ ኣመስገኖ።

ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻወቶ ተራ ዓቢ’ዩ፣ ንጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ብምምራሕ ንኤርትራ ኣብ ጐድኒ እተን ካልኦት ሃገራት ከም እትስራዕ ዝገበረ ዜጋ’ዩ።

ብዕለት 28 ግንቦት 1993፡ ኣብ ኣደራሽ ማእከል ምምሕዳር ውድብ ሕቡራት ሃገራት - መበል 47 ኣኼባ - ብዛዕባ ምጽንባር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መስርሕ ብዝርዝሩ ኣብ ናይ ኢንተርነት ገጻት ናይቲ ውድብ ተሰኒዱ ይርከብ።

ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ዝስቀላ ባንዴራ ገና ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተንበልብል ኣላ። እንተ ንሱ ግን ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተኣሲሩ ተሰዊሩ ኣሎ።