'ኣኽላባት ናብ ሲነማ ምውሳድ ንዓና ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ'

ምንጪ ስእሊ, Robby West/BBC
ሓደ ወናኒ ከልቢ ከም ዝበሎ፡ “ሰባት ኣኽላባቶም ሒዞም ናብቲ ድሮ ትኬታቱ ብምልኡ ዝተሸጠ ሓድሽ ሲነማ ንክኸዱ ኣዝዩ ብዙሕ ትርጕም እዩ ዘለዎ።"
‘ሲነማ ሲቲ’ እትበሃል ኣብ ከተማ ኖርዊች (ዓዲ እንግሊዝ) እትርከብ ሲነማ ወነንቲ ኣኽላባት ኣኽላባቶም ሒዞም ነታ ሓዳስ ፊልም - ‘ባክ ቱ ብላክ’ (Back to Black) ዘርእስታ፡ ብዛዕባ ነፍሲሄር ኤሚ ዋይንሃውዝ እትበሃል ውርይቲ ለንደናዊት ደራፊት ዝነበረት፡ እተዘንቱ ፊልም ንኽርእዩ ማዕጾኣ ከፊታ ኣላ።
ጃስቲን ሃዋርድ፡ ‘ኩዝያ’ ዝስሙ ከልቢ ዝውንን፡ ነቲ መደብ ኣኽላባት ዝመሃዘ ጀነራል ማናጀር፡ ኖርዊች እታ ዝበለጸት ንኣኽላባት እትቕበልን ትናብን ከተማ ብምዃና የዅርዓኒ ክብል መስኪሩ።
“ኩዝያ’ ምስ ካልኦት ኣኽላባት ርክብ ክገብርን ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ጠባይ ከም ዘለዎ የርእየኒ ክብል ጃስቲን ንከልቡ ክምጕሶ ይስማዕ። ብዙሕ ከም ዝተሓጐሰ ኸኣ ይምስክር። ‘ኩዝያ’ በቶም ናይ ቀደም ዋናታቱ ምስ ተደርበየ ጃስቲን ከም ዘድሓኖ መሊኡ ይዛረብ።
እቲ ንመፈተኒ ተባሂሉ ወነንቲ ኣኽላባት ምስ ኣኽላባቶም ፊልም ንኽርእዩ ዘፍቀደ ሲነማ-ሲቲ ብምሉኦም ቲኬታት ክሸይጥ ብምኽኣሉ ኣዕጋቢ ውጽኢት ኣርእዩ ኣሎ።
ካልኦት ሲነማታት’ውን ኣኽላባትን ወነንቶምን ብምትእንጋድ ተመሳሳሊ ፈተነ ገይረን ከም ዘለዋ ጃስቲን ሃዋርድ የዘነቱ፣ እቲ ዝድለ ዉጽኢት ምሉእ-ብምሉኡ ከም ዝወቕዐ’ውን ይምስክር።
"እቶም ኣብ መሸጣ ዘቕረብናዮም ቲኬታት ኣብ 48 ሰዓት ክሽየጡ ምርኣይና ኣዝዩ ኣደኒቑና” ይብል ጃስቲን። ነዚ ፈተነ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ደገፍ ሶሻል-ሚድያ ረኺብና ኢና፤ ቲኬት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ሰባት ድማ ከም ዝጐሃዩ በጺሕናዮ ኣለና” ኢሉ ወሰኸ።
እዚ ንምግባር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሕ ደገፍ ረኺብና ኢና፤ ነታ ቀዳመይቲ ቲከት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ተስፋ ዝቘረጹ ብዙሓት እንስሳታት እውን ኣለዉና፡ ኢሉ።
“እታ ዝቐረበት ፊልም ብዛዕባ ኣኽላባት ኣይኰነትን፣ ግን ብሓፈሻኡ ብትሕዝቶኣ ንዅሉ እተዕግብ ፊልም ኢያ ነይራ” ይብል ጃስቲን ሃዋርድ።
"እዚ ሓድሽ ተመኵሮ ክሳዕ ክንደይ ደስ ዘብል ከም ዝነበረ ክነግረኩም ኣይክእልን ... ኣነ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ሲነማ ሰሪሐ እየ፡ ንኣጋይሽና ሓድሽ ተመኵሮታት ምፍጣርን ነቲ ሲነማ ንዅሎም ሰባት ክፉት ምግባርን ድማ ኣዝዩ የሐጕሰኒ እዩ" ኢሉ።
"ቅድሚ እቲ ሲነማ ምጅማሩ ነቲ ሕጊታት ነቶም ዋናታት ድሕሪ ምንባብ ኵላቶም ወነንቲ እቶም ኣኽላባቶም ዝድቅስሉ መንጸፍ ኣንጺፎም ነቲ ፊልም ክርእዩ ንሕብሮም ... መቸም ንሕና ኣብ ስራሕና እታ ዝበለጸት ዘዕገበትና መዓልቲ ከም ዘሕለፍና ኩውይኑ’ዩ ተሰሚዑና።
'ቴዲ ከልብና፡ ኣባል ስድራቤትና’ዩ'
እታ ፊልም ብቐትሪ ኢና ኣርኢናያ፤ ምስ ተወድአት ከኣ ነቲ ሲነማ ምልጭ ኣቢልና ኣጽሪናዮ ... ኣማስያኦም ከምቲ ልሙድ ካልኦት ኣጋይሽ ስለ እንቕበለሉ” ይብል ጃስቲን።

ምንጪ ስእሊ, Robby West/BBC
ተሬዛን ማልከም ቡሸልን ዝተባህሉ መጻምዲ ሰባት ከም ዝበልዎ፡ “ንከልብና ጥራይ ዘይኰነስ ንመጻወቲኡ (ባምቡላ) ሒዝና ስለ ዝመጻና ተደሲትና ነቲ ፊልም ብምርኣይና ተሓጒስና” ይብሉ።
"ናብ ሲነማ ምኻድ ባህ እዩ ዝብለና፣ ወትሩ ኢና ንኸይድ። ንቴዲ ከልብና ኣብ ኵሉ ሒዝናዮ ስለ እንኸይድ እንሆ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሲነማ ምሳና መጺኡ ይርከብ” ኢላ ተረዛ ሓጐሳ ትገልጽ።
ንቴዲ ከልብና፡ ኣባል ስድራቤትና ስለ ዝዀነ፡ ምሳና ናብ ዝኸድናዮ ቦታ ክመጽእ ኢና ንደልዮ" በለት ።
እቶም ኣብ ‘ዲስ’ እትበሃል ከተማ ዚነብሩ ስድራቤት ቴዲ ንሰዓታት ንበይኑ ኣብ ቤቱ ኸይተረፈ ኸይተጨነቑ ብተደጋጋሚ ኺወጹ ኸም ዚኽእሉ ገለጹ።
እዚ ኣብ ሰንበት ዝተኻየደ ምርኢት ዕዉት ብምንባሩ እቲ ሲነማ ኣብ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ግንቦት ተመሳሳሊ ምርኢት ከዳሉ ምቅርራባት ይገብር ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







