‘ሃብታማት ንዕጡቓት ይድግፉ ኣለዉ’ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቒፉ

ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ኣኼባ ተጸሚዱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, FB/ABYI AHMED ALI

ሰብ ሃብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይንቀሳቐሱ ንዘለዉ ዕጡቓት ይድግፉ ከምዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ “እሙናት ከፈልቲ ግብሪ” ዝበሎም ሰብ ሃብቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሰብ ሃብቲ ንዕጡቓት ብዘይምድጋፍ ንኽተሓባበሩ ሓቲቱ።

ኣብቲ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ዝተፈነወ ኣኼባ፡ መራሕቲ ዕጡቓት ብሰብ ሃብቲ ካብ ዝግበረሎም ዘሎ ድጋፍ ልዑል መጠን ንብረትን ገንዘብን ይረኽቡ ከምዘለዉ ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣስዒቡ፡ “ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝጋደሉ ዘለዉ ሰባት ብኣቦ፣ ሓው፣ ወይ ሓብቲ፡ ዝተመዝገቡ ክሳዕ 10 ገዛውቲ ዝሓዙ ሰባት ኣለዉ። ኣብ በረኻ ተጋደልትን ኣጋደልትን ዝበሃሉ ሰባት ኣዝዮም ሃብታማት’ዮም። ኣብኡ ኰይኖም ክነግዱ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ምስ ሰላም እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም? ሰላም እንተዀይኑ እኮ ናይ ንግዲ ንጥፈታቶም ደው ክብል’ዩ ማለት እዩ” ኢሉ።

ንኣብነት ኢሉ ኣብ ዝጠቐሶ መረዳእታ “ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተላእከ 5 ሚልዮን ዶላር ሒዝና ኣለና። ብዙሕ ገንዘብ’ዩ ዝንቀሳቐስ” ኢሉ።

ሃብታማት ምፍላጥ ምዕባይ ስለዝመስሎም፡ ናብዝን ናብትን እናበሉ ኣብዚ ንዓና “ዝተኸበርኩም” ይብሉና፤ ነቶም ኣብ በረኻ ዘለዉ ድማ “ኣንቱም ጀጋኑ” እናበሉ ተደናጊሮም መንእሰያት የውድኡ ከምዘለዉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሽንኳይ ዶ ብዓመጽን ሽፍትነትን ክወድቕ ክነቓነቕ’ውን ከምዘይክእል ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ክብል ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰብ ሃብቲ ነጊሮምዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ንብረት ከጥርዩ ዘፍቅድ ኣዋጅ ንኽጸድቕ ኣብ ድርኵኺት ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ወጻእተኛታት ኣብ ሽርሻሮ ንግዲ ከይሳተፉ ዝኽልክል ዝነበረ ሕጊ ተቐይሩ ማዕረ ከም ዜጋታት ንምችርቻር ዘኽእሎም ሕጊ ይዳሎ ከምዘሎ ወግዓዊ ገይሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ፒያሳ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ጥንታውያን ህንጻታት ይፈርሱ ስለዘለዉ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዘራረበሉ ቀንዮም።

ምስዚ ርእሰ ጉዳይ ተዛሚዱ መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዝደኸየ ሕብረተሰብ ዝነብረሎም ከባቢታት ፒያሳ፡ መርካቶን መክሲኮን’ዩ። ናይቲ ጸገም ቀንዲ ማእከላት ዝዀኑ ሰፈራት ኣፍሪስና ምስእንሃንጾ ድሕሪ 5 ዓመት እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ክትርእዩ ኢኹም” ኢሉ።

መንግስቲ ጥንታውያን ህንጻታት ከፍርስ ስለዝጀመረ፡ “ሓጹረይ ተተንኪፉኒ” ኢሎም ዝኾረዩ ውልቀ ሰባትን ሰበ ስልጣናትን ከምዘለዉ ብምግላጽ “እቲ ኣውያት ብዙሕ’ዩ እንተዀነ ጨኪንና እንተዘይተግቢርናዮ ለውጢ ከነምጽእ ኣይንኽእልን” ኢሉ።

ስለዝዀነ፡ እቲ ናይ ቀዳም ህንጻታት ናይ ምፍራስ መደብ መንግስቲ ሓዪሉ ክቕጽል ከምዝዀነ ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃብታማት “ካብ ሓሜት ርሒቘም” ነቲ ዝተሓሰበ ለውጢ ብዓቕሊ ክጽበዩ ኣተሓሳሲቡ።