ኢትዮጵያ ልዑል ሕጽረት መግቢ ነፍሰጾራት ካብ ዘጋጥመን ሃገራት ተባሂላ

ቈልዓ ዝሓዘት ኣደ ካልኦት ደቂኣንስትዮን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መድሕን ህጻናት (ዩኒሴፍ) ኣብተን ኣዝየን ድኻታት ዝዀና ሃገራት ዝርከባ ነፍሰጾራት ከቢድ ሕጽረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብዘን ድኻታት ሃገራት ድማ ነብሰጾር ኰይነን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝሳቐያ ኣደታት ቍጽረን ብዝለዓለ ናህሪ ወሲኹ ከምዝተረኣየ እቲ ትካል ሓቢሩ።

እዚ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ካብ መንጐ እተን ዝደኸያ ሃገራት ንኣደታት ዝኸፍአ ኵነታት ዝረኣየለን ኣፍጋኒስታን፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን እየን።

ዩኒሰፍ ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ቢልዮን ደቂ ኣንስትዮ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝሳቐያ ይግምት።

ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘሎ ኵነታት ከምኡ’ውን ኲናትን ደቂ ኣንስትዮ ዘድልይወን ኣገደስቲ መኣዛታት ከይረኽባ ምኽንያት ኰይኖም ኣለዉ።

ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ጸገም ቀዳምነት ክህብ ዩኒሰፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ጸብጻብ እቲ ትካል ከምዘመልክቶ ኣብ ዓለም ሓደ ቢልዮን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣዋልድ ትሑት ክብደት ሰብነት ኣለወን።

ዘድልየን መኣዛታት ብዘይምርካበን ንሕማም ሳንቡእ ይቃልዓ።

እዚ ፀገም ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኤስያን ሃገራት ትሕተ ሰሃራን ዝገደደ ምዃኑ ዩኒሰፍ ይሕብር።

ኣብዞም ከባቢታት ካብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እተን 68 ሚእታዊት ትሑት ክብደት ሰብነት ኣሎወን። ካብአን 60 ሚእታዊት ድማ ንሕማም ሳንቡእ ተቓላዕቲ እየን።

“ደቂ ኣንስትዮ ዝተመጣጠነ መግቢ ዘይምርካበን ኣዝየን ድኹማት እየን ዝዀና። ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕመን እውን ዝተዳኸመ ይኸውን። ኣብ ኣእምሮኣዊ ዕብየተን ከኣ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሎዎ። ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ” ይብል ዩኒሰፍ።

ኣብ ነፍሰጾራት ዝረአ ሕጽረት መግቢ ብፍላይ ካብአን ኣብ ዝውለዱ ህጻናት ከቢድ ሓደጋ ጥዕና ከስዕብ ይኽእል። ካብ ሞት ክሳብ ምሉእ ዕብየቶም ዝቕጽለ ጸገማት የኸትል።

ሓላፊት ዩኒሰፍ ካትሪን ራስል፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ስጕምቲ እንተዘይወሲዱ ንወለዶታት ዝሰጋገር መዓት ሒዙ እዩ ክመጽእ" ክትብል ኣጠንቂቓ።