ሱዳንን ጫድን እንታይ'ዩ ዘተፋንነን ዘሎ?

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ላዕለዋይ ሱዳናዊ ጀነራል ንመዓርፎ ነፈርቲ ጫድ ቀንዲ ዒላማ ንምግባር ዘቕረቦ ምፍርራሕ ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ደበና ኲናት ከም ዘንጸላለወ ይግለጽ ኣሎ።

ጫድ፡ ንዘረባ እቲ ጀነራል ምላሽ ኣብ ዝሃበትሉ ህሞት፡ "ኣዋጅ ኲናት" ክትብል ኰኒናቶ ኣላ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓደ ትርብዒት ሜትሮ መሬት ጫድ ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቑ፡" ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ግቡእ ምላሽ ከም ዝህበሉ ገሊጹ።

መንቀሊኡ እንታይ እዩ?

እተን ሃገራት ብሓይለ-ቓል ክመላለሳ ዝጀመራ፡ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ዝሃቦ ርእይቶ ስዒቡ እዩ።

እቲ ጀነራል፡ ኢማራት ዓረብ ንመዓርፎ ነፈርቲ ጫድ ተጠቒማ ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) ኣጽዋር ተቕርብ ከም ዘላ እዩ ከሲሱ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ ኣሎ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ወሽመጥ ሃገር ማእከላይ ምብራቕ ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት፡ "ተኣማንነት ዘለዎ" ክብሉ'ኳ እንተ ገለጽዎ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ነቲ ክስታት ኣይትቕበሎን።

ሌተናል ጀነራል ዓጣ፡ ኣብ ልዕሊ ጫድ ዘስመዖ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ንኢማራት ዓረብ ኣብ መጋባእያ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ደው ክተብላ ምውሳና ስዒቡ'ዩ።

እታ ብሃብቲ ነዳዲ ፍልጥቲ ዝዀነት ኢማራት ዓረብ፡ ንዕጡቓት ሰራዊት ዳግመ-ሰሪዕ፡ 'ድሮናት ከይተረፈ ኣጽዋር ትሕግዝ' ኣላ ዝብል ክስታት ክስማዕ ንፈለማ ኣይኰነን።

እታ ሃገር፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ጽልዋኣ ኣብ ኣፍሪቃ እናሰፍሕ ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ'ውን ስመን ካብ ዝለዓላ ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ድሮናት'ታ ሃገር ኣብቲ ኲናት ከም ዝተሳተፋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ጀነራል፡ ሰራዊት ሱዳን ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ንቤተመንግስቲ እታ ሃገር ዝሓለፈ ዓርቢ ዳግማይ ኣብ ዝቈጻጸረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብመጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ) ዝተቐትለ መኮነን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እዩ ከምኡ ክብል ዝተሓነየ።

ንሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ጫድ ንጃሜናን ምብራቓዊት ከተማ ኣምጃራስን ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ "ሕጋዊ ዒላማታት" ምዃኖም እዩ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቻድ ማሃማት ደቢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጫድ ማሃማት ደቢ

ሌተናል ጀነራል ዓጣ፡ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ጥራሕ ኣይኰነን ተሓንዩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ስምዒታዊ ኰይኑ ዝዛረበሉ እዋን፡ ደቡብ ሱዳንን ፕረዚደንት ጫድ ማሃማት ደቢን "ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ፡" ክውሰዶም ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ኣብቲ ሚልዮናት ዘመዛበለ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሱዳን፡ ንዝዀነ ወገን ከም ዘይትድግፍን መንጐኛ ምዃናን እትገልጽ - ደቡብ ሱዳን እውን ንሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ተባሂላ ተኸሲሳ ኣላ።

"እንታይ ንብል ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና፡ ቃላትና ድማ ፈጺሙ ናይ ዋዛ ኣይኰነን፡ ብቐሊሉ'ውን ኣይዝረብን፡" ክብል ሌተናል ጀነራል ዓጣ ኣጠንቂቑ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጀነራል ዝሃቦ ርእይቶ መብርሂ ንምርካብ ንሰብመዚ ሱዳን ረኺቡ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ዓሚቝ ብስጭት የጸባርቑ እዮም ዘለዉ።

ኣብ ታሕሳስ ምኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ እቲ ካብ ኢመራት ከም ዝቐረበ ዝንገረሉ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ስትራተጅያዊ ሚሳይላት ዝጸዓና ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ።

ጫድ'ውን እንተዀነት፡ ንገዛእ-ርእሳ ዘይሻራዊት ገይራ እያ ትርኢ።

እቲ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ቃላት ኲናት ግን፡ ነቲ ብሰንኪ ተሳትፎ ግዳማዊ ሓይልታት ዝተባርዐን ዝተሓላለኸን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዘስዓቦ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘንጸባርቕ እዩ።

ጫድ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ተቐቢላ ተአንግድ ኣላ።

መብዛሕትኦም ካብታ ብዓቢይኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተቘጻጸሩዎ ጐረቤት ግዝኣት ዞባ ዳርፉር ዝመጽኡ እዮም።

ናብ ጫድ ዝሰግሩ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናብ ጫድ ዝስደዱ ሱዳናውያን

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከባብታት ዳርፉር ዓቕሙ የደልድል

እዚ ተሪር ምልውዋጥ ቃላት ንባዕሉ፡ ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብታ ካብ ጫድን ሊብያን ኣብ ኣገዳሲት መስመር ንግዲ እትርከብ ከተማ ዳርፉር ንኣል-ማልሃ ከም ዝሓዘ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን'ዩ ዝስማዕ ዘሎ።

እቲ ግዝኣት፡ ናብ ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኣዝዩ ወሳኒ ከባቢ-ኤል-ፋሸር ዝወስድ ቀንዲ ቀራና መንገዲ ኰይኑ የገልግል።

ኤል-ፋሺር፡ እታ ዝዓበየት ርእሰ ከተማ ግዝኣት ዳርፉር ኰይና፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኢድ ሰራዊት'ኳ እንተዀነት፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኣስታት ሓደ ዓመት ከቢቦሙዋ ይርከቡ።

እቲ ጕጅለ: ምስቶም ሓይልታት ጥምረት ብዝብል ዝፍለጡ፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝወገኑ ዕጡቓት ጕጅለታት ንኣዋርሕ ድሕሪ ምውጋኡ፡ "ንጸላኢ ኣብ ክባ ኣእትየ... 380 ቀቲለ፡" ክብል ገሊጹ።

ነቲ ከባቢ 'ንረብሓ ህዝቢ' ሱዳን ክብል ድማ 'ሓራ ኣውጺአዮ' ይብል።

ሰብኣዊ ሻቕሎት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ኣብታ ከተማ ሰብኣዊ ረድኤት ከወሃህዱ ዝጸንሑ ክልተ ኣባላት ናይቲ ብክፍልታት ህጹጽ ምላሽ (Emergency Response Rooms) ብዝብል ዝፍለጡ ነጠፍቲ ጕጅለታት ኣዘራሪቡ።

[ንዓታቶምን ስድራቤቶምን ንምክልኻል ኣስማቶም ኣይንጥቀመሉን ዘለና፤ ኣሕመድን እስማዒልን ብዝብል ኢና ክንጸርሖም።]

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ምስ ተቘጻጸራ፡ ሰባት ከይሃድሙ ጽርግያታት ዓጽዩ ኣብ ከበባ ከም ዘእተዋ ይዛረቡ።

"ትካላት ኣይሰርሓን ኣለዋ፡" ይብል ኣሕመድ።

"እቲ ሆስፒታል ኣይሰርሕን እዩ፣ እቲ ቀንዲ ዕዳጋ ተዘሚቱ፣ ማይ ዝረክብ ሰብ የሎን።"

ከም ንቡር ካብ መኽዘን ታንክታት ብሸየጥቲ ዝመጽእ እዩ ነይሩ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይኑ ምዕባለታት ዳርፉር ዝከታተል ኣሕመድ፡ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ኣልማልሃ ርክባት ኢንተርነት ስለ ዝቘርጸ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣዲኡን 11 ኣሕዋቱን ኣሓቱን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንምፍላጥ ርክብ ክገብር ኣይከኣለን።

እስማዒል ብወገኑ፡ ብለይቲ ምስ ስድርኡ ብምህዳም፡ ኣብታ ብዙሓት ካብቶም ካብ ኣልማልሃ ዝተመዛበሉ ዘዕረፉላ ከናና ዝተባህለት ቍሸት ኣዕቚቡ ይርከብ።

ንሳቶም'ውን መግብን ማይን ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ።

ካልኦት ድማ ኣብ ሜዳታት ምስ ጓሶት ኣጣልን ኣግማልን ከም ዝተዓቘቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እስማዒል፡ ብዙሓት ካብቶም ዝተቐትሉ ሰባት፡ ኣብ ዕዳጋ ዝነበሩ ነጋዶ ምዃኖም፣ ካብ ማሕበረሰብ ዛጋዋ ዝተባህለ ዓሌት (ንሓይልታት ጥምረት ዝድግፉ) ተወለድቲ ምዃኖምን የረድእ።

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ወተሃደራት ወይ ምስ መንግስቲ ርክብ ኣለዎም ዝበሉዎም ሰባት ኣባይቲ ኣቃጺሎም።

ብውሕዱ ክልተ መራሕቲ ዓዲ ከም ዝተቐትሉ ኣሕመድ ገሊጹ።

ተንተንቲ ከም ዝበሉዎ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ማእከላይ ሱዳን ምቍጽጻሩ ከስፍሕ እንከሎ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ኣብ ከባብታት ዳርፉር ይሰልጦም ኣሎ።

እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንቤተመንግሰቲ ሓዊሱ፡ ወሳኒ ግስጋሰ ዘርአየ ይመስል።

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኖም፡ ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ድልዱል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣስጢሙ ንምሓዝ ቈሪጹ ዝተልዓለ ይመስል።

መራሒ እቲ ጕጅለ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብ ካርቱም ገና ክቃለስ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።