ኣብ ደቡብ ሶርያ ብዝተላዕለ ግጭት ኣስታት 600 ሰባት ተቐቲሎም

እቲ ጐንጺ ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት በደዊንን ድሩዝን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝነቐለ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት በደዊንን ድሩዝን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝነቐለ እዩ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ብዝተላዕለ ግጭት 594 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ ተቘጻጻሪ ጕጅለ ገሊጹ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ (SOHR) ኣብቲ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ዞባ ሱዌይዳ ዝተላዕለ ግጭት ጭካነ ዝተራእዮ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

146 ዕጡቓትን 154 ሰለማውያን ሰባትን ዝርከብዎም 300 ኣባላት ውሑድ ዝዓሌቶም ድሩዛውያን ከም ዝተቐትሉን ካብዚኦም እቶም 83 ብሓይልታት መንግስቲ "ካብ ፍርዲ ወጻኢ ከም ዝተቐትሉ፡" እቲ ጕጅለ ትማሊ ምሸት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ብውሕዱ 257 ኣባላት መንግስትን 18 ዕጡቓት በደዊንን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሰለስተ ሰላማውያን በደዊን ድማ ብዕጡቓት ድሩዛውያን ከም ዝተቐትሉ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት በደዊንን ድሩዝን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝተበገሰ እዩ።

ካልኦት 15 ኣባላት ሓይልታት መንግስቲ ብናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

እስራኤል ድማ ንድሩዛውያን ንምክልኻልን ሓይልታት መንግስቲ ካብ ሱዌይዳ ከም ዝስሕቡ ንምግባርን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ገሊጻ።

ኣሃዛት ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ብኡ ንብኡ ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

እንተዀነ ምንጭታት ጸጥታ፡ እቲ ኣሃዝ 300 ከም ዝበጽሕ ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልእ ተቘጻጻሪ ጕጅለ መርበብ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ብውሕዱ 169 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ትማሊ፡ ሓይልታት መንግስቲ ካብታ ብብዝሒ ድሩዛውያን ዝነብሩላ ከተማ ሱዌይዳ ከም ዝስሓቡ ድማ ይንገር።

ነበርቲ፡ ዕንወትን ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ከምኡ'ውን ኣብ ጐደናታት ሬሳታት ከም ዝተረኸቡ ሓቢሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብሰኑይ፡ ካብ መንግስቲ ሶርያ ዝመጽኡ ዕጡቓት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብታ ከተማ ክኣትዋ ጀሚረን።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ድሩዛውያንን በደዊንን ዝተፈጥረ ግጭት ንምህዳእ ዝዓለመ እዩ።

ድሕሪኡ ግን ወጥሪ ክልቲኦም ህዝቢታት ከም ዝዓረገ ተገሊጹ።

ዓሌት ድሩዝ፡ ኣብ ሶርያ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈለየ መንነትን እምነትን ዘለዎም ጨንፈር ሺዓ እስልምና እዮም።

መንግስቲ ሶርያ ካብቲ ከባቢ ቅድሚ ምስሓቡ ብረቡዕ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ ሓደ ፍሉጥ መራሒ ድሩዝ ሸኽ ሂክማት ኣል ሓጅሪ፡ ክሳብ እታ "ዞባ ካብ ዓመጽቲ ፍጹም ሓራ እትወጽእ፡" ውግእ ክቕጽል ጸዊዑ፤ እዚኦም ድማ ሓይልታት መንግስቲ ማለቱ'ዩ።

ሰዓብቲ ሸኽ ሓጅሪ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ዝመርሑ ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ጥቡቕ ዝምድና ንምፍጣር ይጽዕሩ።

ካልኦት ጨናፍር ማሕበረሰብ ድሩዝ ሱዌይዳ ምስቲ ብእስላማውያን ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ሶርያ ብቐረባ ክሰርሑ ፈቲኖም'ዮም።

ኣብ እስራኤልን ኣብቲ ዝተጐብጠ ኣኽራናት ጎላን ሃይትስን እውን ብብዝሒ ማሕበረሰብ ድሩዝ ይርከቡ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሶርያ ረብሓታታ ብሓይሊ ከተስርጾ ከም እትደሊ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብቲ ግጭት ምእታዋ ብኸፊል ንድሩዛውያን ንምክልኻል ዝተገብረ ምዃኑ ዝገለጸ ናታንያሁ፡ ይዅን'ምበር፡ ሰራዊት ሶርያ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ከይዋፈር ንምክልኻል ምዃኑ ገሊጹ።

"እዚ መጻኢ'ውን ዝቕጽል ፖሊሲና ክኸውን'ዩ - ሓይልታት ሰራዊት ሶርያ ናብቲ ኣብ ደቡብ ደማስቆ ዝርከብ ዞባ ክኣትዉ ኣይንፈቅድን ኢና፤ ኣብ ልዕሊ ድሩዛውያን ዝዀነ ጕድኣት ክበጽሕ'ውን ኣይንፈቅድን ኢና፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

በቲ ጐንጺ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን በደዊን ተመዛቢሎም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, በቲ ግጭት ብኣማኢት ዝቍጸሩ ሰላማውያን በደዊን ተመዛቢሎም ኣለዉ

ብረቡዕ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ምኒስትሪ ምክልኻል ሶርያ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውረደን ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት'ውን ጕድኣት ከም ዘውረደን ይፍለጥ።

እዚ ድማ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ስርዓት በሽር ኣል ኣሳድ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ተደጋጋሚ ካብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተፈለየ ምዕባለ ዝተራእዮ እዩ።

ግዝያዊ ፕረዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ ብረቡዕ ኣማስዩ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ምርግጋእ ሃገሩ ንምዝራግ ዝዓለመ'ዩ ክብል ኰኒኑዎ።

"ኣብ ውሽጢ ሓድነት መሬትና፡ ክብሪ ህዝብናን ጽንዓት ህዝብናን ንምሕላው ዝካየድ ውግእ ኢና ንርከብ። እቲ ሕሉፍ ስርዓት ካብ ዝወድቕ ጀሚሩ ብቐጻሊ ንምርግጋእና ዒላማ ክገብር ዝጸንሐ ኣካል እስራኤል፡ ሕጂ ዳግማይ ነታ ቅድስቲ መሬትና ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ትያትር ህውከት ክቕይራ ይጽዕር ኣሎ፡" ኢሉ።

ንዓሌት ድሩዝ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ "መሰላትኩምን ናጽነትኩምን ምሕላው ካብቶም ቀዳምነታትና ምዃኑ ነረጋግጽ። ምፍልላይ ንምዝራእ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ - ናይ ወጻኢ ይኵን ኣብ ውሽጢ ሃገር - ንነጽጐ፡" ኢሉ።