መዓልታዊ ሰዓት 11፡52 ምስ ኰነ ተቓውሞ እትገብር ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር፡ ልክዕ ሰዓት 11፡52 ክበጽሕ እንከሎ ጐደናታት ብምሉኦም ን15 ደቓይቕ ይዕጸው።
መካይን ኵለን ደው ይብላ፤ ሰባት ናብ ጽሞና ይኣትው።
ወትሩ ፍትሒ እዮም ዝጠልቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እታ ሃገር ዝዀነት ኖቪ ሳድ ዝርከብ ናሕሲ መደበር ባቡር ድሕሪ ምፍራሱ ዝስዓበ ሞት መንቀሊ እዞም ተቓውሞታት'ዩ።
በቲ ሓደጋ 15 ሰባት ሞይቶም።
ነዞም ግዳያት ንምዝካር ድማ፡ ን15 ደቓይቕ መገዲታት ይዕጸው።
ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ሚኒስተር ህንጻ ነበር ዝርከቦም ኣስታት 12 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
እቲ ሚኒስተር ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ካብ ስልጣኑ'ኳ እንተወረደ ዝዀነ ሓላፍነት ከም ዘይወስድ ይገልጽ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ሰርቢያ ሓዘንን ቍጥዐን ዓሲሉ ኣሎ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ቀጺሎም ኣለው።
ኣብ መፋርቕ ሕዳር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቤልግሬድ ዝርከቡ ተምሃሮ ንቤት-መግቦም ምስ ወረሩ ግን፡ እቲ ተቓውሞ ናብ ልዕሊ 50 ዩኒቨርሲቲን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ብርክት ዝበላ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ተዘርጊሑ።
ብሰንበት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስቶም ተምሃሮ ተጸንቢሮም ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልግሬድ ናብ ጐደናታት ወጺኦም።
ሕጂ'ውን ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ ይብሉ።
'ኵላትና ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ኢና ዘለና'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንበት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ዝዓበየ ዝተባህለ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብ ጐደናታት ቤልግሬድ ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ፡ መብራህቲ ተሌፎናቶም ብምብራህ፡ ነቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ብዝቝጸሩ ሰባት ዝተኸበበ ጐደናታት ጽሞናን ስቕታን ክዓስሎ ገይሮም።
ኣብዚ፡ ንግዳያት እቲ ሓደጋ ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር ንምዝካር ን15 ደቓይቕ ጽሞና ገይሮም።
ካብ ኖቪ ሳድ ዝመጽአ ተምሃራይ ሕክምና ማክሲም ኢሊች፡ "ተምሃሮ ንነዊሕ ደቓይቕ ስቕ ኢሎም ጸኒሖም" ብምባል እዚ ኵሉ ነቲ ዝተራእየ ምጕዳል ሓላፍነት ንምቅዋም ዝዓለመ'ዩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ሓረስቶት፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ተዋሳእቲ፡ ስነጥበባውያን ከምኡ'ውን ነበርቲ ቤልግሬድን ካልኦት ከተማታት መላእ ሰርብያን ናብቲ ተምሃሮ ዝጀመሩዎ ተቓውሞታት ተጸንቢሮም።
ኣብቲ እዞም ተቓወምቲ ዝገበርዎ ናይ ጽሞና ግዜ፡ ሰልፈኛታት "ኵላትና ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ኢና ዘለና" ዝብል ባነር ዘርጊሖም ተቓውሞኦም ይገልጹ ነይሮም።
እቲ ሓደጋ ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር፡ ሰፊሕ ብልሽውናን ድኹም ስራሕ ህንጸትን ዘስዓቦ'ዩ ክብሉ ይነቕፉ።
እቲ መደብር ባቡር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ክልተ ግዜ ብመንግስታዊ ኩባንያታት ቻይና ተሓዲሱ እዩ።
"ነቲ ክጕሃሃር ዝጸንሐ ለውጢ ክድግፍ እየ መጺአ፤ ለውጢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኵሉ ነገር ካብ መሰረቱ ክቕየርን ኵላትና ናብ ሓድሽን ጥዑይን ህይወት ክንሰጋገርን ኣድላዪ'ዩ" ትብል ነባሪት ኣብ ጥቓ ቤልግሬድ እትርከብ ከተማ ፓንቸቮ ዝዀነት ሊዲጃ።
ወሲኻ፡ እቲ ተቓውሞ ተምሃሮ ለውጢ ከምጽእ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ።
"እቶም ተምሃሮ ኣብ ቃሎም ጸኒዖም ስለ ዝጸንሑን መርገጺኦም ስለ ዘይቀየሩን ወትሩ ኣብ ጐድኖም ደው ክብል'የ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ብደም ዝጠልቀያ ኣእዳው' ምልክት ናይቲ ተቓውሞ ኰይኑ፡ 'ብልሽውና ቀታሊ'ዩ' ['Corruption kills'] ዝብል ጭርሖ እቲ ተቓውሞታት'ዩ።
'ኣእዳውኩም ብደም ዝጠልቀያ'የን፡ 'ሃገር ናይ ህጻናት'ያ'፡ 'ኵሉ ናብ ክርደና ይውጻእ' ዝብሉ መልእኽትታት ብሰፊሑ ይርኣዩ።
ድሕሪ'ቲ ን15 ደቓይቕ ዝጸንሐ ጽሞና፡ እቶም ተቓወምቲ ብዓውታ ይጭድሩ፤ ኣንጻር ሰበስልጣን ዝሓዙዎም ጭርሖታት የስምዑ።
ሰብመዚ ነቲ ሓደጋ ዝምልከት መርመራ ብምጅማር፡ ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ መደበር ባቡር ኖቪ ሳድ ዝተገብረ ዳግመ ህንጸት ዝምልከት ዘሎ ሰነዳት ወግዓዊ ብምግባር ነቲ ጠለባት ከም ዘማልኡ'ኳ እንተገለጹ፡ ተምሃሮ ግን እቲ ሰነዳት ምሉእ ከም ዘይኰነ ይዛረቡ።
ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን ከንቲባ ኖቪ ሳድን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ይጠልቡ።
(ዘይ)ተማልአ ጠለባት
ኵለን ዩኒቨርሲቲታት ቤልግሬድን ክልተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገርን [ኖቪ ሳድን ኒስን] ኣብ ትሕቲ ክርደና ይርከባ።
ገለ ማሕበራት መማህራን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ብምሕጻር ናብቲ ተቓውሞ ክጽንበራ ወሲነን ኣለዋ።
ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ድማ ነቶም ግዳያት ንምዝካር ብጃምላ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ሰርብያ ኣብ መባእታን ብፍላይ ድማ ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክረምታዊ ዕረፍቲ ብኣጋኡ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብመዚ ሰርብያ ንዅሉ ጠለባት ተምሃሮ ኣማሊእና ክብሉ እንከለዉ፡ እቶም ተምሃሮ ግን ነዚ ኣይቅበሉዎን።
ዝዀነ ይዅን ጠለባቶም ምሉእ መልሲ ከም ዘይረኸበ ይምጕቱ።
እቶም ተምሃሮ ምስ ምፍራስ ናሕሲ መደበር ባቡር ኖቪ ሳድ ዝተኣሳሰሩ ኵሎም ሰነዳት ወግዓዊ ክግበሩ ይሓቱ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ 195 ሰነዳት'ኳ እንተተዘርግሑ፡ እቶም ተምሃሮ ግን ልዕሊ 800 ከም ዘለዉ ይገልጹ፤ እቶም ዝተፈነው ሰነዳት ድማ ፋይናንሳዊ ጕዳያት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህቡን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቤልግሬድ ዝርከብ ፋካልቲ ሲቪል ምህንድስና ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ዘለዉ ሰነዳት ብምግምጋም ኣገዳሲ ሓበሬታ ከም ዝጠፍአ ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ብሰንበት ምሸት ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ሰርብያ ኣሌክሳንደር ቩቺች ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ "ፍሉይ ዝዀነ ዓቢ ምትእኽኻብ" ኣብ ቤልግሬድ ከም ዝተኻየደ ብምግላጽ፡ ዘቕርቡዎ ሓሳባት፡ ንሰርቢያ ይጠቅም'ዩ ዝብሉዎ ንምስማዕ "ወትሩ ድልው" ከም ዝዀነ ጠቒሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







