ቫቲካን፡ መስርሕ መረጻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - ከመይን ብመንን'ዩ ዝካየድ?

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ተካኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ሓሙሽተ ደብሪ ዘለዎ መዕረፊ ኣጋይሽ - ካዛ ሳንታ ማርታ - ተጸሚዶም ክቕንዩ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ተካኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ሓሙሽተ ደብሪ ዘለዎ መዕረፊ ኣጋይሽ - ካዛ ሳንታ ማርታ - ተጸሚዶም ክቕንዩ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 88 ዓመቶም ድሕሪ ምዕራፎም፡ ኣብዚ ሰሙን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ኣብ ቫቲካን ተኣኪቦም መረጻ ከካይዱ እዮም።

እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ኮንክሌቭ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕቡእ መስርሕ እዩ። እዞም ኣብዚ ሕቡእ መረጻ ዝሳተፉ ካርዲናላት ግን ካበይ ዝመጹ እዮም?

ኣብ ጂኦፖለቲካ እታ ቤተ ክርስቲያንከ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?

ኣብቲ መረጻ መን ይሳተፍ?

ኣብዚ እዋን'ዚ ካርዲናላት ኮለጅ ዝርከብዎም 252 ካርዲናላት ኣለዉ።

ካብዚኦም እቶም 135 ዕድመኦም ትሕቲ 80 ዓመት ስለዝዀነ ኣብ መረጻ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድምጾም ክህቡ ብቑዓት እዮም።

እዚ ኣብ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ናይቶም ድምጾም ክህቡ ዝኽእሉ ካርዲናላት እዩ።

ካርዲናላት ላዕለዎት ኣባላት ኣቕሽሽቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ጳጳሳት ኰይኖም ዝተሰመዩ እዮም።

ካብዚኦም እቶም 108 ብኣቡነ ፍራንቸስኮ ዝተሰመዩ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ቅድመኦም ብዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16ን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ዝተሰመዩ እዮም።

ገለ ክኢላታት ቫቲካን ከም ዝብሉዎ፡ ድሕሪ 8ይ ክፍለ ዘመን ዘይኤውሮጳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዝተሰመዩ ኣቡነ ፍራንቸስኮ እዮም።

ካብ ላቲን ኣመሪካዊ ዝተሰመዩ ፈላማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን እዮም።

ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዘሎ ለውጢ

ዝርግሐ ካርዲናላት ብክፍለ-ዓለም
መግለጺ ስእሊ, ዝርግሐ ካርዲናላት ብክፍለ-ዓለም

ጂኦግራፍያዊ ውክልና ናይቲ ኮለጅ ዝተቐየረ ኣብ ናይ 12 ዓመት መሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ እዩ።

ሕጂ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ኤውሮጳውያን እቶም ዝበዝሑ መረጽቲ ካርዲናላት ኣይኰኑን። ኣብዚ እዋን ኤውሮጳውያን ውክልናኦም 39 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2013 ዝነበረ 52 ሚእታዊት ዝወሓደ እዩ።

ካብቶም ብኣቡነ ፍራንቸስኮ ዝተሰመዩ 108 ክመርጹ ዝኽእሉ ካርዲናላት፡ 38 ሚእታዊት ጥራይ ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ ክዀኑ እንከለዉ፡ 19 ሚእታዊት ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን፡ 19 ሚእታዊት ካብ ኤስያ-ፓሲፊክ፡ 12 ሚእታዊት ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ 7 ሚእታዊት ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ 4 ሚእታዊት ድማ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝመጹ እዮም።

ስለዚ ዘይኤውሮጳውያን ካርዲናላት ብድምር 73 ይዀኑ ኣለዉ።

እዚ ናብ ዝያዳ ዓለምለኻዊ ውክልና ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ዝንባለ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ከምዝዀነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጸሓፊ ታሪኽ ዶክተር ማይልስ ፓተንደን ይዛረብ።

ቅድሚ እዚ ካርዲናላት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኤውሮጳውያንን መብዛሕትኦም ድማ ኢጣልያናውያንን እዮም ነይሮም።

ፓተንደን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኮሌጅ ብዝተኻእለ መጠን ንዅሎም ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ክውክል ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዝነበሮም ይዛረብ።

እዚ ድማ ኣብ ግዜ መሪሕነቶም ኣብ ኣየርላንድ ወይ ኣውስትራልያ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ኣብ ከም በዓል ሞንጎልያ፡ ኣልጀርያን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ሽመት ከምዝተገብረ ዘመልክት እዩ።

ጂኦግራፊ ኣብ መረጻ ጽልዋ ኣለዎ ድዩ?

ካርዲናላት ብጳጳስ ዝምዘዙ ኰይኖም፡ ካብኣቶም ግን ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድመኦም 135 ጥራይ እዮም፤ ስለዚ ንሓድሽ መሪሕነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድምጾም ክህቡ ብቑዓት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካርዲናላት ብጳጳስ ዝምዘዙ ኰይኖም፡ ካብኣቶም ግን ትሕቲ 80 ዓመት ዝዕድመኦም 135 ጥራይ እዮም፤ ስለዚ ንሓድሽ መሪሕነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድምጾም ክህቡ ብቑዓት እዮም።

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ካርዲናላት ብጂኦግራፊ ከምዘይጽለዉ ይገልጹ፤ ብተግባር ግን ረቛሒ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ፓተንደን ይሕብር።

ካብ ደቡባዊ ዓለም ዝመጹ ብዙሓት ካርዲናላት ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ከባቢኦም ብፍላይ ድማ ኤስያ ወይ ኣፍሪቃ ዝመጹ ክዀኑ ከምዘለዎም ይኣምኑ።

ብዙሓት ኤውሮጳውያን ብፍላይ ድማ ኢጣልያውያን ድማ ካብ ከባቢኦም ክኸውን ከምዘለዎም ከምዝስምዖም ይጠቅስ።

ኣብ መንጐ ኣብ ሮማ ዝነብሩን ኣብ ሮማ ዘይቅመጡን ካርዲናላትን እውን ፍልልይ ኣሎ።

ብዙሓት ኢጣልያውያን ካርዲናላት ካብቶም ኣብ ደቡባዊ ዓለም ካብ ዝርከቡ መዛኑኦም ንላዕሊ ምስ ነንሕድሕዶም ንነዊሕ እዋን ዝሰርሑ ምዃኖም ፓተንደን ይሕብር፤ ከም ውሁድ ጕጅለ ድማ ናይ ምድማጽ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እውን ኣብቲ ድምጺ ዓቢ ተራ ክጻወት እዩ።

"ንኣብነት ብዙሓት ካርዲናላት ላቲን ኣመሪካ ኣዝዮም ገስገስቲ እዮም" ይብል ፓተንደን።

"ካብቶም ብሓፈሻ ኣዝዮም ዓቃባውያን ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ካርዲናላት ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም።"

መረጻ ብኸመይ ይካየድ?

ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክምረጽ ከሎ ካብቲ ኣብ ናሕሲ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝርከብ መውጽኢ ትኪ፡ ጻዕዳ ትኪ ይርአ። እዚ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተመርጹሉ 2013 ዝተወስደ ስእሊ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክምረጽ ከሎ ካብቲ ኣብ ናሕሲ ቤተ ጸሎት ሲስቲን ዝርከብ መውጽኢ ትኪ፡ ጻዕዳ ትኪ ይርአ። እዚ ር.ሊ.ጳ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተመርጹሉ 2013 ዝተወስደ ስእሊ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ እዋን መረጻ እቲ ካብ ዓለም ኣዝዩ ምስጢራዊ ዝዀነ ዓይነት መረጻ እዩ።

133 ካርዲናላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብ ሲስቲን ቻፕል ተኣኪቦም ንሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስዒቡ ንዝሽየም ጳጳስ ክመርጹ'ዮም።

ኵሎም ከኣ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም፡ እቲ ዝነበረ መስርሕ መረጻ ንመዋእሎም ከም ምስጢር ንኽሕዝዎ ክምሕሉ'ዮም።

ብዘይካኦም፡ ኵሎም እቶም ነቶም ካዲናላት ዝምግብዎምን ነቶም ካርዲናላት ዝከታተሉ ክልተ ዶካትር'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ምስጢር ንዘይምውጻእ ክምሕሉ'ዮም።

ዝያዳ ነቲ ምስጢር ንምዕቃብ ኣብቲ እቶም ካርዲናላት ከዕርፍሉ ተዳልዩ ዘሎ ክልተ ገዛውቲ'ውን ዝዀነ ዝተሓብአ ማይክሮፎን ወይ መሳርሒታት መቕድሒ ድምጺ ከይህሉ'ውን ክፍተሽ'ዩ።

ኣብቲ ገዛ ዝዀነ ዋይፋይ ክህሉ'ውን ኣይፍቀድን'ዩ።

እቲ ምሉእ ዕጽዋ፡ መስርሕ እቲ መረጻ ንኸይፍለጥ ተባሂሉ ጥራይ ኣይኮነን ዝግበር።

እቶም ድምጺ ዝህቡ ምናልባት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውሳነታት ህይወቶም ክኸውን ዝኽእል ብናይ ደገ ዓለም ከምዘይጽለዉ ንምርግጋጽ'ውን ዝዓለመ'ዩ።

ካቶሊካውያን እቲ መረጻ ብኣምላኽ እምበር ብፖለቲካ ኣይኮነን እዮም ዝብሉ።

ናብቲ ጉባኤ ምስ ኣተወ ኵሉ ሰብ ስልክታት፡ ታብሌታትን ስማርት ሰዓታትን ሓዊሱ ኵሎም ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ከረክብ ግዴታ ኣለዎ።

ኣብ ቅድሚ ኮሌጅ ካርዲናላት ነቲ ተራ ብወግዒ ክቕበሉ ዝግደዱ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንቡር ኰይኑ ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ንኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝጥምት ባልኮኒ ይቐርቡ።

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝነውሐ ምስጢራዊ ጉባኤ - ኮንክላቭ፡ ክልተ ዓመትን ትሽዓተ ኣዋርሕን ዝወሰደ እዩ፤ ካብ 1268 ጀሚሩ ግን ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ይኸውን ኣሎ።

ካብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፡ እቲ መረጻ ብማእከላይ ገምጋም ሰለስተ መዓልታት ይወስድ።

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16ን ኣብ ክልተ መዓልታት ጥራይ እዮም ተመሪጾም።

ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ርኡይ ተወዳዳሪ የለን

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ን 12 ዓመታት ነታ ቤተክርስትያን መሪሖም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ፍራንቸስኮ ን 12 ዓመታት ነታ ቤተክርስትያን መሪሖም እዮም

ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካብ ዝሞቱ ንደሓር፡ ተካእቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ብዙሓት ኣስማት ቀሪቦም እዮም። ካብ ኢጣልያ ክሳብ ካናዳ፡ ካብ ጋና ክሳብ ፊሊፒንስ ዝመጹ ይርከብዎም።

ኣብ መንጐ ካርዲናላት ብድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ሕጹያት ዝቕልቀል ምርድዳእ እንተሃልዩ ንምፍላጥ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ፓተንደን ይዛረብ።

እንተዀነ ውጽኢት እቲ መረጻ ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ከምቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝካየድ መረጻ መሪሕነት፡ ዘድሊ ቁጽሪ ድምጺ ምውሓስ ዓወት ዘረጋግጽን ካብ ቀሊል ኣብዝሓ ድምጺ ንላዕሊ ዘጠቓልልን እቲ መስርሕ'ዩ" ይብል።

"ቤተክርስትያን ብመጠኑ ብስምምዕ ክትስጕም ከምዘለዋ ዝገልጽ ስምዒት ኣሎ፤ እዚ ማለት ድማ ንውሑዳት ዘይምግላል ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልክት'ዩ።"