ጣሊባን ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂኣንስትዮ ኣሲሩ- ሕቡራት ሃገራት

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓውያሉን ዘዕቑባሉን ብመንግስቲ ዝምወል ማእኸላት የለን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ጣሊባን ግዳያት መጥቃዕቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ይወስድ ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚ ተግባር ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝሃስይ ከም ዝኾነ እቲ ትካል ገሊፁ።

ጣሊባን፡ ግዳያት ጥቕዓት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንዝሓውያሉ ማእኸላት ከም ዝዓፀወ’ውን ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጣሊባን፡ ካብ ዓለም ዝሓሰመ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ዘሎ።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምላሱ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ኣፍጋኒስታን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይፍፀም ከም ዝነበረ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ጣሊባን ስልጣን ምስ ሓዘ ድማ፡ ምስ ቁጠባን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ዛይዶም።

ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕ ተኣጊደን ዓዲ ውዒል ክኾና ዘገድዱ ሕግታት ምውፅኡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንዘቤታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘቃልዐን ተገሊፁ።

ጣሊባን ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምላሱ፡ ኣብታ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮ ሓለዋን ውሕስናን ዝህባ 23 ማእኸላት ነይረን። ሕዚ ግና ኩለን ተዓፅየን እየን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጣሊባን ንልኡኻት ሕቡራት ሃገራት፡ እዞም ማእኸላት ከም ዘየድልዩን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሰብኡተን ወይ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝኾኑ ኣባላት ስድርአን ከም ዝኾና ገሊፁ።

እዞም ማእኸላት ናይ “ምዕራባውያን ስነ-ሓሳብ” እዮም ብምባል ድማ ይቃወም።

ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጥቕዓት ከይፍፀም፡ ንደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድራ ቃል ከም ዘእትዎም ገሊፁ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ ዘመድ እንተድኣ ዘይብላ ወይ ስግኣት ደሕንነት እንተሃልይዋ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከም ትውሰድን፡ እዚ ከኣ “ደሕንነታ ንምሕላው” ከም ዝኾነን ሓቢሩ።

ኣብ ካቡል ውሉፋት ዕፀ-ፋርስን ግዳም ሓደርን ናብ መዳጐኒ ማእኸላት ከም ዝኣትዋ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

“እዚ ኣብ ነፃነት ዝተነበረ ገደብ’ዩ። ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

ፈሊኻ ምድጓን ቅፅዓት’ዩ። ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት የስዕብ’ዩ” ኢሉ።

ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ወፅኣ ድማ፡ በቲ ማሕበረሰብ ክንፀላን ጉድኣት ክስምዐንን ከም ዝገብር ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ጣሊባን ንፆታዊ መጥቃዕቲ ዝሓዘሉ መገዲ “ዘይንፁርን ዘላቕነት ዝጎድሎን” ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

ጉዳያት ገበንን ሲቪልን ተፈልዮም ዘይምቕማጦም ከኣ ንስርዓት ሕጊ የተዓናቕፎ።

ንጥርዓን ግዳያት ዝሰምዑ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ቃል ዝቕበላ ደቂ ኣንስትዮ ዘይምህላወንን፡ ግዳያት ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ብዛዕባ እቲ ዝበፅሐን ከየመልክታ ከም ዝድርኽ እቲ ትካል ገሊፁ።

ግዳያት መጥቃዕቲ ዝከሓሳሉ መስርሕ ዘይምህላዉ ድማ ካልእ ተወሳኺ ፀገም’ዩ።

ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ንጣሊባን ስለ ዝፈርሓ፡ ብስሩዕ መንገዲ ፍትሒ ንምርካብ ከም ዘይደልያ ተገሊፁ።

ጣሊባን ናብ መንበረ ስልጣን ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን፡ ግህሰት መሰላት ደቂ ኣንስተዮ ከም ዘይህልው ገሊፁ ዋላ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግና፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ፀቕጢ ዝፈጥሩ ሕግታት የውፅእ ኣሎ።

ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ወፃኢ ክመሃራ ኣይፍቀደለንን።

ናይ ካልኣይ ብርክን ዩኒቨርሲቲን ትምህርቲ ከይመሃራ ተኣጊደን እየን።

ናብ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝስረሓሉ ቦታታትን ሕዛእትን ክኸዳ ኣይኽእላን። እንዳ ኣብያተ ፅባቐ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ተዓፅየን እየን፤ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ዓይነን ጥራሕ ዘርእይ ክዳን ክኽደና እዩ ዝፍቀደለን።

ንልዕሊ 72 ኪሎሜትር ዝጓዓዛ እንተኾይነን ድማ ወዲ ተባዕታይ ምስአን ክህልው ግድን እዩ።