ዓርሞሸሽ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ስለምንታይ ሰራሕተኛታት ይቕንሱ ኣለዉ?

ባኮ ዝሓዘት ሰራሕተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ኣማዞን ከም ዝተቐነሱ ዝገልጹ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊንክዲን ሓበሬታ ድሕሪ ምክፋሎም'ዩ እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ይቕንስ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ጸኒሑ ሓላፊ ምህዞ እቲ ትካል ዴቭ ሊምፕ “ካብቲ ናይ ምህዞን ኣገልግሎትን ትካል ብዙሓት ተውህቦ ዘለዎም ኣማዞናውያን ክንስእን ምዃንና የሕዝነኒ” ኢሉ።

ኣብ ከም ትዊተር፣ ሜታ፣ ኮይንቤዝን ስናፕን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡ ክገልጹ ጸኒሖም።

ለይኦፍስ ዝተባህለ ድረ ገጽ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ሽሕ ዝዀኑ ዕድላት ስራሕ ተዓጽዮም እዮም።

ብዙሓት ትካላት ሰራሕተኛታት ዝቕንሱሉ ምኽንያት እኳ ዝተፈላለየ እንተዀነ፡ ሓበራዊ ዕላማታት ግን ኣለዎም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ መብዛሕትኦም ስራሕቲ ብኦንላይን ክስርሑ ምስ ጀመሩ፡ ብዙሓት ሓለፍቲ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ እቲ ጽቡቕ ዕድል ንኩሉ ሻዕ ዝቕጽል መሲልዎም ነይሩ።

ንኣብነት ኩባንያ ሜታ፡ ኣብ መፈለምታ ትሸዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰራሕተኛታት ቘጺሩ።

እቶም ኣብዚ እዋን ሰራሕተኛታት ዝቕንሱ ዘለዉ ሓለፍቲ ድማ እቲ ስልሒት ጌጋ ምንባሩ ይገልጹ።

13 ምኢታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ዝቐነሰ፡ ዋና ፈጻሚ ማርክ ዙከርበርግ “ነቲ ወፍሪ ናይ ምውሳኽ ውሳነ ዝገበርኩዎ ኣነ እየ” ክብል ንሰራሕተኛታቱ ነጊርዎም።

“እንተዀነ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝተጸበኹዎ ኣይከደን።”

ናይ ዕዳጋ ለውጢ

ኣብ ኦንላይን ዝስርሑ ናይ ምህርቲ ምውዕዋዓት፡ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ብዙሓት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ እዮም።

እንተዀነ እቲ ናይ ምውዕዋዕ ንግዲ ጸሊም ደበና ካብ ዘንጸላልዎ ጸኒሑ እዩ።

ትካላት ኣብ ዝልእኽዎም ናይ ምህርቲ ምውዕዋዕ ንጥፈታት ተቓውሞ እናዓበየ መጺኡ።

ንኣብነት ኣፕል ንጥፈታት ዓማዊል ኣለሊኻ ናይ ዝደልይዎ መወዓውዒ ንምልኣኽ ከቢድ ክኸውን ገይሩ።

እቲ ቁጠባ እናደኸመ ብምምጽኡ ድማ ፡ ብዙሓት ንኦንላይን መወዓውዒ ዘውጽእዎ ባጀት ቀኒሶም።

መጠን ወለድ ጽላት ፋይናንሻል ቴክኖሎጂ እናወሰኸ ምምጽኡ ንኩባንያታት ጎዲእዎም።

“ንመብዛሕትኦም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ብኣታዊኦም ዝሓረቑሉ ርብዒ ዓመት እዩ ነይሩ” ይብል ተንታኒ ቴክኖሎጂ ፓኦሎ ፐስካቶረ።

“ማንም ዝተጻወሮ የለን።”

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኩባንያ ኣፕል ቲም ኩክ፡ ሕዚ እውን ሰራሕተኛታትኳ ንቖጽር እንተሃለና ግን ብጥንቃቐ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታት ክቕንስ ዘገደዶ ምኽንያት፡ “ዘይተለመደን ዘየተኣማምንን ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ኣብቶም ንዓማዊል ዘገድሱ ጠለባት ከተኩር ከም ዝተገደደ ሓቢሩ።

ዝተጋነነ ወጻኢ

ኣውፈርቲ፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝተጋነነ ወጻኢ የውጽኡን ምዝሕሓል ኣብ ዝህሉ ድማ ቀልጢፎም ምትዕርራይ ኣይገብሩን ክብሉ ይኸሱዎም።

ጎስጓስን ኣውፋርን ሰር ክሪስቶፈር ሆን፡ ቀንዲ ወናኒ ትካላት ጉግልን ዩትዩብን ናብ ዝዀነ ኣልፋ-ቤት ኣብ ዝጸሓፎ ድብዳበ፡ እቲ ትካል መሃያን ሰራሕተኛታትን ክቕንስ ሓቲቱ እዩ።

ኢሎን መስክ እውን ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገዘኦ፡ ኣታዊ ንምርካብ ኮነ ሓደሽቲ ተጠቀምቲ ንምስሓብ ዝቃለስ ዘሎ ትዊተር፡ ወጻኢታት ክቕንስ ዝኽእለሉ ሃዋህው ከም ዘሎ እዩ ዝኣምን።

ዛጊድ ፍርቂ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝነከየ ክንሱ፡ ነቶም ዝተረፉ እውን ኣዐርዩ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ስርዓት ከም ዝጽበዮም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትማሊ ሰሉስ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ነዊሕ ሰዓት ክሰርሑ እንተዘይኰይኑ ክለቁ ከም ዝነገሮም እውን መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ገሊጸን።

ትሑት ተጻዋርነት

ኣብ ከም ቨርቹዋል ሪያሊቲን ብዘይ ዘዋሪ ዝንቀሳቐሳ መካይንን ዝኣመሰሉ ቀልጢፎም ከስቢ ዘየምጽኡ ስራሕቲ ዘሎ ድልየት እናነከየ ይመጽእ ከም ዘሎ እውን እዮም ሰብ ሞያ ዝሕብሩ።

ገለ ኣውፈርቲ እቲ ኣብዞም ኢንዳስትሪታት ዘሎ ልዑል መሃያን ኣታውን ዘላቒ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን።

እንተዀነ ዋላ'ኳ እዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ብቁጠባ ይህሰዩ እንተሃለዉ ፡ ናብ ምውዳቕ ዝቀራረቡ ግን ኣይኰኑን።

እቲ ኣማዞን ተሊምዎ ዘሎ ምንካይ 10 ሽሕ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ይኹን እምበር እዚ ቑጽሪ ካብ ሰራሕተኛታቱ 3 ምኢታዊት ጥራሕ ዝሽፍን እዩ።

በቲ ስጉምቲ ብዙሓት ዓቕሚ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይሰናበቱ ብምህላዎም ድማ ሓደሽቲ ስራሕቲ ክፍጠሩ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።