ኣብ ክልል ኣምሓራ ብውሑድ 18 ሰባት ብደርቂ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ

ኣመሓዳሪ ወረዳ ስሃላ ሰለምት ኣብታ ወረዳ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ 60 ሽሕ ሄክታር ዝራእቲ ከምዝዓነወ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, WAGHIMRA COMMUNICATION

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ ወረዳ ስሃላ ሰለምት ኣብታ ወረዳ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ 60 ሽሕ ሄክታር ዘራእቲ ከምዝዓነወ ገሊጹ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ጐንደርን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራን ብዘጋጠመ ድርቂ ብውሕዱ 18 ሰባት ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ድማ ሓደጋ ሞት ከም ዘንጸላለዎምን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣመሓደርቲ ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ብሰንኪ ፍሽለት ክረምታዊ ዝናብ ዘስዓቦ ደርቂ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ከብቲ ሞይተን ኣለዋ።

ኣብ ሰሜን ጐንደር ኣመሓዳሪ ወረዳ ጃናሞራ ሸጋው ተሰማ ኣብታ ወረዳ ብዘጋጠመ ደርቂ 16 ሰባት ሞይቶም ኢሉ።

ካብቶም ዝሞቱ ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ምዃኖም ሓቢሩ።

“እቶም ሓረስቶት ተስፋ ቈሪጾም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ኣስታት 4 ሽሕ ሓረስቶት ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይተፈልጠን። ክንነቀሳቐስ ከለና ገዛኦም ተዓጽዩ ንረኽቦ። ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን መንግስቲ ብቕልጡፍ ክረድኦም ይምሕጸኑ ኣለው።"

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ሕማማት’ውን ብሰፊሑ ከም ዝተኸሰተ፤ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ ለበዳታት ከምዘሎን እውን ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ልዕሊ 7,500 ከብቲ ብሰንኪ እቲ ድርቂ ከም ዝሞታ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ደኺሞም ናብ ዕዳጋ ክኸዱ እውን ከም ዘይክእሉ ገሊጹ።

“ዋላ’ኳ ንዝምልከቶም ኣካላት እንተሓበርና፡ ዝዀነ መልሲ ግን ኣይረኸብናን። ነቶም ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሰባት መድሃኒት ምቕራብ ኣይተኻእለን" ይብል።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብታ ወረዳ ብተደጋጋሚ ድርቂ ከም ዘጋጠማ ዘዘኻኸረ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብታ ወረዳ ካብ ዘለዋ 38 ጣብያታት ኣብ 13 ዝናብ ከም ዘይሃረመ ሓቢሩ።

ኣብዘን ጣብያታት ኣስታት 57 ሽሕ ህዝቢ ከም ዝነብር ይግመት።

ብሓፈሻ ኣብቲ ወረዳ ልዕሊ 230 ሽሕ ሰባት ይነብሩ፣ ካብዚኦም ድማ ልዕሊ 128 ሽሕ ሰባት ድሮ ጸገም ውሕስነት መግቢ ኣለዎም።

እቲ ኣመሓዳሪ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ወረዳ ጠለምት እውን ብድርቂ ከም ዝተሃስየ ይፍልጥ እዩ ኢሉ።

ኣብ ጐረቤት ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ብርክት ዝበሉ ሰባትን እንስሳታትን ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብታ ዞባ ዝኸፍአ ድርቂ ዘጋጠመላ ስሃላ ሰለምት ዝተባህለት ወረዳ ኰይና፡ ኣመሓዳሪ ሲሳይ ብሩ ከም ዝበሎ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ብሰንኪ ጥምየት ሞይቶም፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብ ሓደጋ ሞት ይርከቡ።

ኣብቶም ከባቢታት ካብ መንግስቲ ይዅን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ከም ዘየለ እውን እቶም ሓለፍቲ ገሊጾም።

እተን ሓገዝ ዝህባ ዓለምለኻዊ ትካላት ድሕሪ ኲናት ሰሜን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብራኦ ዝነበራ ደገፍ ከም ዘቋረጽዋ ኣብ መጀመርታ ሰነ ምግላጸን ይዝከር። እዚ ድማ ንረድኤት ተባሂሉ ኣብ ዝመጽእ ሓገዛት ዝተፈጸመ ምጥፍፋእ ኣሎ ብዝብል መርትዖ ዝስዓበ’ዩ።

ድሕሪ ምቍራጽ ሓገዝ ዩኤስኤኣይዲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ 'ፖለቲካዊ' ስጕምቲ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ደው ኣቢልዎ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ንኢትዮጵያ ዳግማይ ክጅምሮ ከም ዝኽእል ኣብ ሰነ ሓሳብ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይጀመረን።

ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ዓመጽን ግጭትን ዝሃደሙ ተመዛበልትን ብድርቂ ኣብ ዝተሃስየ ከባቢታት ዝነብሩን ሰባት ኣብ ሓደጋ ወዲቘም ኣለዉ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዙሓት ከብቲ ብሰንኪ ድርቂ ይሞቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዙሓት እንስሳታት ብሰንኪ ድርቂ ይሞቱ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣመሓዳሪ ወረዳ ስሃላ ሰለምት ከም ዝበሎ፡ 60 ሽሕ ሄክታር መሬት ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዓንዩ እዩ።

"እቲ ሕብረተሰብ ዝብላዕ የብሉን" ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናበሩ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

"ልዕሊ 4 ሽሕ እንስሳ ዘቤት እውን ሞይቶም እዮም። ቅድሚ ሕጂ ድርቂ'ኳ እንተነበረ፡ ብውሑድ ንእንስሳታት ዝኸውን መግቢ ነይሩ። ሕጂ ግን ንደቂ ሰባትን እንስሳታትን ሓደገኛ ድርቂ ኣጋጢሙ ኣሎ።"

ከም ሓበሬታ ኣቶ ሲሳይ ኣብታ ወረዳ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ይነብሩ።

ካብዚኦም እቶም 46 ሽሕ ቀዋሚ ደገፍ ዘድልዮም ኰይኖም ልዕሊ 20 ሽሕ ድማ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም እዮም።

“ኣደታት፡ ኣረጋውያንን ህጻናትን ንኽቱር ጥምየት ይቃልዑ፤ ብዝተፈላለዩ ለበዳታት እውን ይሳቐዩ ኣለዉ።”

ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ናይ ጸጥታ ጸገም ከም ዘየለ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ሰሜን ኣብ እዋን ኲናት ዝወሃብ ዝነበረ ህጹጽ ሓገዝ ደው ምስ በለ፡ ዝዀነ ሓገዝ ከም ዘይቀረበ ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ከም ዘይመጾም ተዛሪቡ።

ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ዞባ ሰሜን ጐንደር ኣቶ ከፍያለው ደባሽ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ሳሃላ ሰየምት፡ ዝቋላን ኣበርገለን ደርቂ ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን ደገፍ መንግስቲ እንተዘይመጺኡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ክጠፍእ እዩ ዝብል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ኣብ ለካቲት ኣብ ክልል ኣምሓራ ድጋፍ ዘድልዮም 6 ነጥቢ 7 ሚልዮን ሰባት ከም ዘለዉ፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣተሓባባሪ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን መደባት ድሕንነት መግብን እቲ ክልል ኣቶ እያሱ መስፍን ሓቢሩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ወቕትታት ዝናብ ብዘይምህላዉ፡ ኣብ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ኣጋጢሙ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት፡ ግጭታትን ኲናትን ነቲ ጸገም ኣጋዲዶሞ ኣለዉ።

ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 11.8 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ደርቂ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣመልኪቱ። እዚ ቁጽሪ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ59 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ይዝከር።