ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ‘ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ መንግስቲ’ ንምቛም 11 ሕጹያት ኣቕሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ሓድሽ "ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ መንግስቲ" ንምቛም መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ብሰንኪ ተቐባልነት ዘይረኸበ እማመ ግብሪ ዝተለዓለ ንሰሙናት ዝቐጸለ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢነኡ ከምዝበተነ ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር ሩቶ ትማሊ ዓርቢ ከምዝገለጾ፡ ካብቶም ንመንግስቱ ዘቕረቦም 11 ሚኒስተራት እቶም 6 ካብቶም ኣብ ቀረባ ዝተባሩ ካቢነ ሚኒስተራት እዮም።
ሩቶ ነቲ ካቢነ ሚኒስተራቱ ኣብ ዘባረረሉ እዋን፡ ድሌት ህዝቢ ኬንያ ንምስማዕ እቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ንሰሙናት ዝጸንሐ ተቓውሞታት ልዕሊ 40 ሰባት ዝሞቱከምዝሞቱ'ውን ይዝከር።
እንተዀነ መንግስቲ ነቶም እማመታት ግብሪ ምስ ሰሓበ፡ መንእሰያት እታ ሃገር ጠለባቶም ኣስፊሖም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ዝሓለፈ ሓሙስ ዊልያም ሩቶ ንካቢነ ሚኒስተራት ምስ ኣባረረ፡ ሓላፊ ፖሊስ ኬንያ እውን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ’ዩ።
ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ብጥይት ፖሊስ ከምዝተሃረሙን ገለ ካብዚኦም ንሞት ዘብጽሕ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ይገልጹ። ብተወሳኺ ካልኦት ኣማኢት ድማ ተጨውዮም ከምዝተኣሰሩን ከሲሶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ሕጂ ዝመረጾም 11 ሚኒስተራት፡ ሽመቶም ናብ ሃገራዊ ባይቶ ቀሪቡ ክጸድቕ ዘለዎም "ቀዳማይ ጕጅለ" ምዃኖም እዩ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ፕረዚደንት ዘቕረቦም ፍሉጣት ኣስማት፡ ኪቱረ ኪንዲኪ ኰይኑ፡ እንተተሰይሙ፡ ከም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስልጣኑ ዳግማይ ክቕጽል እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ፖሊስን ዕጡቓት ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስጉምቲ ብዝወሰዱሉ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብዙሕ ጻውዒታት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ደብራ ምሎንጎ ባራሳ ንሚኒስተር ጥዕና፡ ጁልየስ ሚጎስ ኦጋምባ ንሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣደን ባረ ዱዋለ ድማ ንሚኒስተር ምክልኻል ዝተመዘዙ እዮም።
ፕረዚደንት ወልያም ሩቶ፡ "ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓቢ ዓቕሚ ተጠቒሙ ንቁጠባዊ ለውጥናን ንዅሉ ዝሓቁፍ ዕብየትናን ዘበርኽ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ መንግስቲ" ከቑም ምዃኑ ንኬንያውያን ቃል ከምዝኣተወ ገሊጹ ኣሎ።
እንተዀነ ብዙሓት ኬንያውያን እቲ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ካብቶም ዝተባረሩ ከየጠቓልል ክኸውን ትጽቢት ገይሮም ነይሮም።
ብተወሳኺ ብመንእሰይን ካብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ብዝመጹ ሰብ ሞያ ዝዕብለልን ክኸውን ተስፋ ገይሮም እዮም ጸኒሖም።
እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ንሓድሽ መንግስቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ከም ዝመርጽ ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበርን ኣብ ዝሓለፈ መረጻ ዝተሳዕረ ሕጹይ ፕረዚደንትን ራይላ ኦዲንጋ በዚ ሓሳብ ተሃንጥዩ ምጽንሑ ይንገር፤ ማዕከናት ዜና ኬንያ እውን፡ ጥምረት ሰልፊ ኣዚሚዮ ኣብ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት 7 ቦታታት ክረክብ ምዃኑ ጸብጺበን ነይረን።
ይኹን እምበር እዚ ውጥን እዚ ንተቓወምቲ መቓቒሉዎም እዩ።
ገለ ካብ ብጾት መራሕቲ ሰልፊ ሚስተር ኦዲንጋ፡ እንተላይ ምስኡ ምክትል ኮያን ዝተወዳደረት ማርታ ካሩዋ፡ ኣብቲ ሩቶ ዝምስርቶ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ከምዘይሳተፉ ገሊጾም እዮም።
ማርታ ካሩዋ፡ "ሃገርና ንምጽራይ" ግዜኡ በጺሑ'ሎ ኢላ፡ ድሮ መንእሰያት ነዚ ንምግባር ይመርሑ ከምዘለዉ’ውን ገሊጻ።
ፕረዚዳንት ዊልያም ሩቶ ግን፡ "ኣብ ግዚኡ" ተወሳኺ ኣስማት ከምዘፍልጥ ብምግላጽ እዩ መደረኡ ዛዚሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







