ጨረታ፡ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ቦርሳ ልዕሊ 63 ሽሕ ዶላር ተሸይጣ

እታ ቦርሳ ክንዲ ፍረ ጣፍ'ያ ትኸውን

ምንጪ ስእሊ, MSCHF

ቦርሳ ኢድ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ዘዘውትራኦ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ገንዘብ፡ መፍትሕ፡ ኵሕሊ፡ ኣዝማልቶ፡ ዝተፈላለየ መመላኽዒታትን ካልእን ክሕዝ ይኽእል።

እዛ ብጨረታ ብልዕሊ 63 ሽሕ ዶላር ዝተሸጠት ቦርሳ ግን ዓቐና 657 ብ222 ብ 700 ማይክሮ ሜተር’ያ፡ ዝያዳ ንምርድኣ ክንዲ ፍረ ጣፍ’ያ ትኸውን።

ነዛ ቦርሳ ናብ ጨረታ ዘውረዳ ትካል “እታ ቦርሳ ብዓይኒ መርፍእ’ውን ክትሓልፍ ትክእል’ያ፡ ጽቡቕ ጌርና ክንርእያ እንተዄንና ማይክሮስኮፕ ከድልየና’ዩ” ይብል።

እዚ ኤምኤስሲኤችኤፍ ዝተበሃለ ኣብ ብሩክሊን ዝመደበሩ፡ ፍሉያት ንብረት ናብ ጨረታ ብምውራድ ዝፍለጥ ትካል፡ ትጽቢት ዘይግበረሎም ንብረታት ናብ ጨረታ ብምቕራብ ዝያዳ ዝና ረኺቡ ዘሎ ትካል’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ደም ሰብ ዝነጠቦ ጫማ፡ ሰብ ዘይመልሶ ኣዝዩ ዓቢ ናይ ጎማ ጫማን ናብ ጨረታ ኣቕሪቡ ምንባሩ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ሕጂ ከኣ ኣዝያ ደቓቕ ቦርሳ ኢድ ናብ ጨረታ ብምቕራብ ዝንኡ ይደራርብ ኣሎ።

እቲ ትካል ብዛዕባ እዛ ደቃቕ ቦርሳ ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “ዓበይቲ፡ ማእከሎትን ንኣሽቱን ቦርሳታት ኢድ ቅድሚ ሕጂ ርኢና ኢና፡ እዛ ቦርሳ እዚኣ ግን እታ ናይ መወዳእታ ዝነኣሰት ቦርሳ’ያ ክትከውን” ኢሉ።

እዘ ቦርሳ ብልዊስ ቪቶን ዝተበሃለ ትካል ዝተነድፈት ኰይና፡ ንንኣሽቱ ናይ ኤለክትሮኒክስ ኣቑሑ ንምስራሕ ብዘገለግል ማሽን’ያ ተሰሪሓ።

ኣብ መጀመርታ ንፈተነ ተባሂለን ብዙሓት ተመሳሰልቲ ቦርሳታት’ኳ ተሰሪሐን እንተነበራ፡ ካብ ምድቓቐን ዝተለዓለ ካብ ኢድ እቶም ሰራሕተንን እናወደቓ ከምዝጠፍኣ እቲ ትካል ገሊጹ።

እታ ቦርሳ ብማይክሮስኮፕ ጎሊሓ እናተራእየት

ምንጪ ስእሊ, MSCHF

እንተኾነ እቲ ብጨረታ ዝዓደጋ ሰብ ከይትጠፍኦ ክሽገር ከምዘይብሉ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ፤ ምኽንያቱ እታ ቦርሳ ኣብ ማይክሮስኮፕ ተላጊባ’ያ ክትወሃቦ።

ዋጋ ማይክረስኦፕ ካብ 60 ክሳብ ኣሽሓት ዶላራት ኰይኑ፡ ነቲ ነታ ቦርሳ ዝዓደጋ ስሙ ዘይተገለጸ ውልቀሰብ ግን፡ ክንደይ ዶላር ተውጽእ ማይክሮስኮፕ ከምዝተዋህሃበቶ ኣይተሓበረን።

ዋጋ ናይታ ቦርሳ ግን ካብ 15 ሽሕ ዶላር ጀሚሩ’ዩ ናብ ልዕሊ 63 ሽሕ ዶላር በጺሑ።