ድሮናት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ከመይ ይቕይራኦ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto via Getty Images
ጅሃዳውያን ጕጅለታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሮናት ንመጥቃዕቲ ይጥቀሙለን ኣለዉ። ሰባት ድማ በቲ ኣብ ሰማይ ዝግበር ኲናት ኣብ ስግኣት ይርከቡ።
ኣክለድ ዝበሃል ግጭት ዝከታተል ትካል፡ ሓደ ጕጅለ ኣልቓዒዳ ካብ 2023 ጀሚሩ ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ብውሕዱ 69 መጥቃዕቲታት ድሮን ከም ዘካየደ ይገልጽ። ክልተ ጕጅለታት ዳዕሽ ኣስታት 20 መጥቃዕቲታት ከም ዝገበሩን ንኣስታት 25 ዓመታት ምስ ሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለታት (መብዛሕትኡ ኣብ ናይጀርያ) ከም ዝተዋግኡን ይገልጽ።
እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ድሮን ብ29 ጥሪ ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ቦርኖ ዘጋጠሙ ኰይኑ፡ ጅሃዳውያን ንሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምጥቃዕ ድሮናትን ኣጋር ሰራዊትን ተጠቒሞም።
ሰራዊት ናይጀርያ ትሽዓተ ወተሃደራት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።
ኣክለድ ከም ዝገልጾ፡እቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጨንፈር ዳዕሽ እቲ ኣብቲ ዞባ ንጡፍ ጕጅለ እዩ።
ነቲ መጥቃዕቲታት ኣብተን ካብ ዕዳጋ ዝወጽኣ ድሮናት ነታጒ ብምጽዋድ እዮም ኣካይደሞ። ኣብ መሬት ንዝገብሩዎ መጥቃዕቲ ስለያዊ ሓበሬታ ንምእካብ እውን ክጥቀሙለን ተራእዮም።
መንግስቲ ናይጀርያ ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዋ ድሮናት ቍጽጽር የካይድ እዩ፣ ሰባት ይዅኑ ጕጅለታት ክጥቀሙለን ድማ ፍቓድ የድሊ። እንተዀነ፡ በቲ ሰፊሕ ዶባት ኣጽሊቖም ከእትዉ ከም ዘይጽገሙ ላዕለዋይ ተመራማሪ ሰናይ ምምሕዳር ኣፍሪቃ ማሊክ ሳሙኤል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ተንታኒ ጸጥታ ኦዱ ቡላማ ቡካርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዞባ ሳሕልን ቀላይ ጫድን ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ድሮን መጥቃዕቲታትን ምክትታልን ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዓቢይ ለውጢ ዘመልክትን ምዃኑ ገሊጹ።
"ድሮናት ንመጥቃዕቲ ቀሊል ይገብርኦ፣ ዕጡቓት ብውሑድ ሓደጋ ስለያዊ ሓበሬታ ክእክቡ ይሕግዛ። ቅድሚ ሕጂ ክትበጽሖ ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ዒላማታት ድማ መጥቃዕቲ ከተካይድ የኽእላ፡" ይብል ቡካርቲ።
ሰርዋት፡ ኢስዋፕ (ጕጅለ ዳዕሽ) ካብ 2024 ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊ ካሜሩን፡ ደቡባዊ ኒጀርን ደቡባዊ ጫድን 10 መጥቃዕቲ ድሮናት ከም ዝገበረ ገሊጹ።
ካልእ ጕጅለ ዳዕሽ ኣብ ዞባ ሳሕል (ISSP)፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ቍጽሪ ዘለዎ መጥቃዕቲታት ድሮን ከም ዘካየደ ኣክለድ ሓቢሩ።
እዚ ጕጅለ ዳዕሽ ብ29 ጥሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኒያመይ (ኒጀር)ን ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መጥቃዕቲታት ድሮን ፈጺሙ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኒጀር፡ ኣርባዕተ ወተሃደራት ከም ዝቘሰሉን 20 መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ከም ዝሞቱን ገሊጹ።
ላድ ሰርዋት፡ ገለ ጸብጻባት እቲ ጕጅለ ሞርታርን ኣርፒጂን ከም ዝተጠቕመ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ድሮናት ከም ዝተጠቐመ ይገልጹ።
እቲ ኣብዝሓ ድሮን ዝጥቀም ጕጅለ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ዝተኣሳሰር ጕጅለ ጀማዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ወል-ሙስሊሚን (JNIM) እዩ። ኣክለድ፡ ጀኒም ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን 69 መጥቃዕቲታት ድሮን ከም ዘካየደ፣ ኣብ ቶጎ ድማ ዶብ ሰጊሩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይዛረብ።
ላዕለዋይ ተንታኒ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣክለድ ሄኒ ንሳይብያ፡ መደባት ድሮን ጀኒም ብቕልጡፍ ከም ዝዓበየን ምስ ማሊን ቡርኪናፋሶን ናብ ዝተኣሳሰሩ መርበባት ከም ዝተዘርግሐን ገሊጹ።
ሳሙኤል፡ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ብሓይልታት ወጻኢ ይጽለዉን ይስልጥኑን፣ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ሜላታት ይፍትኑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Al-Zallaqa
ንሳይብያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኡ መጥቃዕቲታት ድሮን ጀኒም ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ንወተሃደራትን ምልሻታትን ዝሃረመ ኰይኑ፡ ገሊኡ ግን ንሰላማውያን ሰባት'ውን ጐዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ ተመራማሪ ታይዎ ኣደባዮ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቲ ስግኣት ንምምካት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲታት ብምክያድ፡ ድሮናት ዝቕመጣሉን ዝውንጨፋሉን ቦታታት ንምዕናው፣ ከምኡ'ውን ቴክኖሎጂ ድሮን፡ መሳርሒታት ጃሚን (መጸናጸኒ)ን ስርዓታት ምክልኻል ኣየርን ክዓጥቃ ከም ዘድሊ ጽሒፉ ነይሩ።
እንተዘይኰይኑ፡ እቶም ጅሃዳውያን ብድሮን ውግእ ናይ ምክያድ ዓቕሞም ከዕብዩን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ከጋድዱን ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



