ጎቦ ኤቨረስት ንምሕኳር እትዳሎ ዘላ ውጻእ መዓት

ሻሚም ኣሉ

ምንጪ ስእሊ, Jewel Kiriungi/BBC

መግለጺ ስእሊ, ሻሚም ኣሉ

ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ፡ እስላማውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸሙሉ ብሓሙሽተ ጠያይቲ ተወቒዓ፡ ብምርኩስ ወይ ክራች ክትንቀሳቐስ ዝተገደደት ሻሚም ኣሉ፡ ኣብ እግሪ ጎቦ ኤቨረስት ናብ ዝርከብ መዕረፊ ሓዀርቲ ወይ ቤዝ ካምፕ ንምድያብ መደብ ሒዛ ኣላ።

"ናብ ኤቨረስት ምብጻሕ ናዓይ ዓብዪ፡ ብሓቂ ዓብዪ ነገር እዩ" ክትብል እታ ጓል 61 ዓመት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ናብ ኤቨረስት ብምብጻሕ ብሕታዊ ናይ ሰላምን ተስፋን ትብዓትን ይቕረረ በሃላይነትን መልእክተይ ከብጽሕ እየ።"

ኣብ 21 መስከረም 2013 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን፡ ሻሚም ካብቶም ኣብ ታሪኽ ኬንያ ዝተርኣዩ ዝኸፍኡ መጥቃዕቲታት ግብረ ሽበራ ሓደ ካብ ዝኾነ መጥቃዕቲ ብህይወት ተሪፋ።

ገጾም ዝተሸፈኑን ኣጽዋር ዝዓጠቑን ኣባላት ናይቲ ምስ ኣል ቃዒዳ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ኣልሻባብ ዝኾኑ ዕጡቓት ናብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ዌስትጌት ብምእታው ንኣርባዕተ መዓልቲ ተቖጻጺሮምዎ፤ በቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 67 ሰባት ተቐቲሎም ልዕሊ 200 ከኣ ቖሲሎም።

ኣቕራቢት ራድዮ ዝነበረት ወ/ሮ ሻሚም ኣብቲ እዋን ኣብ ዝባን እቲ ሞል፡ ውድድር ምኽሻን ምግቢ ህጻናት እያ ተዳሉ ነይራ። ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ተደጋጋሚ ድምጺ ተኹሲ ሰሚዖም።

"ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ነይሩ። እቲ ድምጺ ተኹሲ እናቐረበ ብምምጽኡ ኣዝዩ ሰንቢዱ ነይሩ። ኢዱ ሒዘ 'ምሳይ ጽናሕ' ኢለዮ" ብምባል ብድሕሪኡ ግን ከምዝተወቐዐት ጥራሕ ከምእትዝክር ትዛረብ።

"ኢዶይ ናብ ሑቐይ ምስ ሰደድኩ ራሕሲ ከምዘለኒ ኣስተብሂለ። ምስረኣኹ ድማ ኣብ ዝባን ቅልጽመይ ገፊሕ ነዃል ከምዘሎ ተረዲአ። ድሕሪኡ "ኦ ጎይታይ፡ ብጥይት ተሃሪመ እየ' ኢለ።"

ወ/ሮ ሻሚም ሓደ ጥይት ኣብ ዓካሪታ፣ ክልተ ኣብ ቅልጽማ፣ ክልተ ድማ ብሕቊኣ ኣቢሉ ናብ መዓንጣኣ ኣትዩ።

"እቲ ዋዕን ጨናን ክሳብ ሕዚ ይስመዐኒ። ሕማቕ ጨና ነይሩ። ናይ ብረትን ደምን ጨና። ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ኩነት ዘዳልወካ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ዕንወት እዩ ነይሩ፡" ክትብል ትዝክር።

ማእከል ዕዳጋ ዌስትጌት

ምንጪ ስእሊ, Kenyan Presidential Press Service/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ንእርባዕተ መዓልቲ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ

ሰባት ንምህዳም ኣብ ዝዳፍኡሉ ኣብ ልዕሊ ልዕሊ ተደራሪቦም።

ድሕሪ ሰከንድታት ፈንጂ ነቲጉ፡ ፍንጣር ናብ ዓካሪትን ሕቖን ወ/ሮ ሻሚም ኣትዩ። እቲ ህጻን ድሕሪ ቁሩብ ህሞት ኣብ ሕቑፋ ሞይቱ።

ልባ ተሰይሩን ፈሪሓን።

"ቀልበይ ናብቶም ኣብ ልዕሌና ዝነበሩ ኣግራብ ገይረ። ኣብ ድሕሪት ዌስትጌት ኣግራብ ኣሎ። ናብቶም ኣግራብ እንተርእየን ናብኣቶም እንተኣተኲረን፡ ካብቶም ኣግራብ ጥንካረ ክረክብን ሓገዝ ክሳብ ዝመጽእ ክጸንሕን ይኽእል እየ ኢለ ሓሲበ" ትብል ወ/ሮ ሻሚም።

ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ብሓይልታት ጸጥታ ክትድሕን እንከላ፡ ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምኻዳ ብቐይሕ መስቀል ሕክምናዊ ሓገዝ ረኺባ። እዚ ድማ መፈለምታ ናይቲ ነዊሕን ከቢድን ከይዲ ሕውየት ናይቲ ዘጋጠማ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት፡ነበረ።

ወ/ሮ ሻሚም በቲ ጉድኣት ሳምቡኣ ስራሕ ደው ኣቢሉ ነይሩ። ንክልተ ዓመት ብክራች ትንቀሳቐስ ነይራ፤ ዝተወሰነ ጭላፍ ነታጕ ድማ ኣብ ሕቘኣ ኣሎ።

ቲሸርት

ምንጪ ስእሊ, Jewel Kiriungi/BBC

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሪ ሻሚም ኣብቲ መኣልቲ ተኸዲናቶ ዝነበረ ማልያ ኣብ ገዝኣ ዓቂባቶ ኣላ፡ ጥይትን ፍንጭልጫል ነታጒን ዝፈጠረዎ ነዃላት ይረኣዩ

ብዛዕባ እቲ ኣብ 2018 ብወገን ኔፓል ናብ ጎቦ ኤቨረስት ዝደየበ ፈላማይ ክልተ እግሩ ዝተቖረጸ ቻይናዊ ምስምዓ እዩ ኣተባቢዕዋ።

ነቲ ተግባር ብኣካልን ብስምዒትን ንሳ እውን ክትፍትኖ ወሲና።

"እግረይ ናብ ጫማ ክኣቱ ስለዘይክእል፡ መእሰሪ ዘለዎ ጫማ ምግባር ፈላማይ ፈተና ነይሩ። እግረይ ከመይ ብጥንቃቐ ከምዝኣልዮ ተማሂረ። ኣዝዩ የቐንዙ ነይሩ፤ ሐዚ ግን ዕላማ ኣለኒ" ትብል።

"ብከቢድ ቃንዛ ንሓደ ኪሎሜትር ምጉዓዝ ለሚደ፤ ሕዚ ክሳብ 11 ኪሜ ክጓዓዝ ዝኽእል ይመስለኒ።"

እታ ጓል 61 ዓመት ነቲ ብቁመት ኣብ ኣፍሪቃ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ጎቦ ኬንያ ብተደጋጋሚ እያ ትድይቦ። ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ 3,666 ሜትር ንምብጻሕ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወስደላ።

እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ቤዝ ካምፕ ጎቦ ኤቨረስት ንምብጻሕ እትገብሮ ናይ 5,300 ሜትር ጉዕዞ ልምምድ እዩ። ካብ 15 ክሳብ 20 መዓልቲ ክወስደላ ትጽቢት ይግበር።

ወ/ሮ ሻሚም እቲ ናብቲ ዝዓበየ ጎቦ እትገብሮ ጉዕዞ ረብሓ ሓለዋ ከባቢ ንምስትምሃር ከምእትጥቀመሉ ትዛረብ።

"ብዛዕባ ሓለዋ ከባቢ ክዛረብ ከምዝኽእል ተስፋ ይገብር። ምኽንያቱ ኣብታ መዓልቲ እቶም ኣግራብ እዮም ህይወተይ ኣድሒኖምዋ" ክትብል ትውስኽ።

ንሳ ዝሓለፈቶ ከቢድ ስቓይ ካልእቲ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፈት ቫለንቲን ካደዞ እትካፈሎ እዩ።

ቫለንቲን ካድዞ

ምንጪ ስእሊ, Jewel Kiriungi/BBC

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ ቫለንቲን ክሳብ ሕዚ ናብ ማእከላት ዕዳጋ ንምኻድ ትፈርሕ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተጀመረሉ እታ ኣዶ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ እቲ ማእከል ዕዳጋ ትሰርሕ ነይራ።

ካብ መጥቃዕቲ ንምድሓን ኣብ ዝተሓበአትሉ በራሪ ጥይት ማሕጎፋኣ ወቒዕዋ።

"ጸሎት ገይረ፤ ነታ ሰባት ክብልዋ ንመወዳእታ ግዘ ዝሰማዕኩዋ ጸሎት ኢለያ። ሽዑ ኣብ መንጎ እቲ ጸሎት 'ኣይከውንን፡ ሎሚ ኣይመውትን' ኢለ። ንኣምላኽ 'ሎሚ እንተመጺእካ ደቀይ ክሳቐዩ እዮም' ኢለዮ" ትብል።

ወ/ሮ ቫለንቲን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ሆስፒታል ወጺኣ። ዋላኳ ምኽርን ሓገዝን ኣእምሮኣዊ በሰላ እንተረኸበት፡ ገለ ቁስላ ገና መሊኡ ኣይሓወየን።

"ናብ ማእከል ዕዳጋ ወይ ዕጹው ዝመሰለኒ ቦታ እንተኸይድ መሐብኢ ቦታ እየ ዝርእይ። ድሕሪኡ ከይደ ኮፍ ክብል ይኽእል። ኣዝዩ እዩ ዘፍርሕ። ከም ቀደም ኣይኮነን።"

እቲ መጥቃዕቲ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ናይቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ እውን ጸልዩ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኩነታት ናይቶም ካብ ኣፍ ሞት ዝወጹ ኣዝማዶም ብምርኣዮም ግዳይ ካልኣይ ብርኪ ኣእምሮኣዊ በሰላ ኮይኖም።

ስድራ ወ/ሮ ሻሚም እውን ካብዚ ኣይተረፈን። ኣቦኣን ሓፍታን እቶም ቀንዲ ሓብሐብታ ብምንባሮም ድሕሪ ሓደጋ ናይ ዘጋጥም ጭንቀት (ፒቲኤስዲ) ተጠቃዕቲ ኮይኖም። ብፍላይ ድልዱል ሓረስታይ ዝነበረ ወላዲኣ ንብዙሓት ሕዱር ሕማማት ከምዝተቓለዐ ትዛረብ።

በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ጥራሕ እዮም ተኣሲሮም። መሓመድ ኣሕመድ ዓብዲ 33 ዓመት፡ ተሓባባሪኡ ሑሴን ሓሰን ሙስጦፋ ድማ 18 ዓመት ተፈሪድዎም።

ኣብ እዋን እቲ ፍርዲ መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣርባዕተ ከምዝነበሩን ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ ሞይቶም ከምዝተረኸቡን ገሊጹ ነይሩ።

ወ/ሮ ሻሚም ስነኣእምሮኣዊ በሰላኣ ንምሕዋይ 'ኣግራብ ንሰላም' ዝብል ተበግሶ ጀሚራ ኣላ።

ምስ ኣብ ትውልዲ ከተማኣ ናኝዩኪ ዝርከቡ ከም ሮታሪ ክለብ ዝበሉ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ መላእ ኬንያ ኣትክልቲ ንምትካል ትንቀሳቐስ ኣላ። ዛጊድ ልዕሊ 5 ሽሕ ኣትክልቲ ተኺሎም።

እዚ ድማ ቁስላ ክተሕዊ ከምዝሓገዛ ትገልጽ።