ንድሙን ከልብን ዝወሃብ እግሪ ደርሆ ክበልዑ ዝግደዱ ዘለዉ ግብጻውያን

ደራሁ

"ኣንታ ኣምላኽ፡ እግሪ ደርሆ ክንበልዕ ኣብ እንግደደሉ ደረጃ ኣይተብጽሓና" ይብል ሓደ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣብ ዕዳጋ ጊዛ ዘለው ነጋዶ ደርሆ ኰይኑ ዝልምን ዝነበረ ሰብኣይ።

ግብጺ ኣዝዩ ሓያል ቍጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ኣሎ፣ እዚ ሰባት ንስድራኦም ንምቕላብ ኣብ ዝጽገምሉ ደረጃ ዝበጽሐ ቅልውላው እዩ።

ድሒሩ ካብታ ሃገር ዝተዋህበ ማዕዳ ኣመጋግባ፡ ገለ እግሪ ደርሆ ኣብሲልካ ምምጋብ ዝብል ይርከቦ።

እዚ ብፕሮቲን ዝሃብተመ ክፋል ኣካላት ደርሆ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸልብን ድሙን ዝሕዛእ ዝነበረ’ዩ።

እዚ ለበዋ እዚ ግን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐርብ ቍጥዐን ነቐፌታን ኣጐሃሂሩ ኣሎ።

ብዙሓት ሃገራት ብዝቕባበ ዋጋ ዝተሃሰያ ኰይነን ኣብ መጋቢት ልዕሊ 30 ሚእታዊት ዝቕባበ ዋጋ ዘመዝገበት ግብጺ ግን ሓንቲ ካብተን ብናህሪ ዋጋታት ኣዝየን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት እያ።

ንብዙሓት ሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ መሰረታዊ መግቢ ዝነበሩ ከም ዘይቲን በርበረን ዝኣመሰሉ ነገራት፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዘይርከቡ ቀረባት ኰይኖም ኣለዉ። ገለ ፍርያት ክኣ ዋጋኦም ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ብዕጽፊ ወይ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።

"ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ስጋ ይበልዕ፤ ወይ ፈጺመ ኣይገዝኦን እየ። ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ደርሆ እየ ዝገዝእ" ትብል ዊዳድ።

ዊዳድ፡ ኣብ ስሳታት ዕድመ እትርከብ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ እያ።

“ሕጂ፡ ሓንቲ እንቋቝሖ ብ0.16 ዶላር እያ ትሽየጥ።”

ግብጺ፡ ነቲ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ዝኸውን ህዝባ ንምምጋብ ኣክንዲ ካብ ዘቤታዊ ሕርሻ ዝያዳ ካብ ደገ ኣታዊ ኣብ ዝዀኑ መግቢታት ዝተመርኰሰት ብምዃና እቲ ቅልውላው ክሃስያ ክኢሉ’ዩ።

ቀለብ ደርሁ ከይተረፈ ካብ ደገ እዩ ዝኣቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ፓውንድ ግብጺ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ክወዳደር እንከሎ ፍርቂ ዋጋኡ ጐዲሉ።

ስለዚ ኣብ ጥሪ፡ መንግስቲ ነቲ ባጤራ መሊሱ ዋጋኡ ምስ ኣጉደሎ፡ ከም እኽሊ ዝኣመሰሉ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ነገራት ዋጋኦም ኣዝዩ ክልዕል ገይሩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ዊዳድ ወርሓዊ መልዕሎኣ እናተቐበለት ምቹእ ናብራ ትነብር ነይራ፤ ናብራኣ ማእከላይ እቶት ካብ ዘለዎም ስድራቤታት ዝስራዕ እዩ።

ሕጂ ከምቶም ካልኦት ብዙሓት ግብጻውያን መነባብሮኣ ንምምላእ ትቃለስ ኣላ።

"ሓደ ነጋዳይ ዋጋ ሓደ ኪሎ ልሕጽጾት ደርሆ LE160 ምዃኑ ነጊሩኒ። ካልኦት ድማ 175፡ 190፡ ዋላ 200 ይብሉ። እግሪ ደርሆ ድማ LE90 እዩ፤ ኣዕጽምቲ ደርሆ ከይተረፈ ይሽየጥ ኣሎ” ትብል።

ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣ'ሲሲ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ድሕሪ ናይ 2011 ለውጢ ዝተራእየ ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝብን ዘጋጠመ ዕግርግርን ንህሉው ቁጠባዊ ጸገማት ሃገሩ ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይዛረብ።

ካብዚ ሓሊፉ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ነቲ ኣብ ዩክረይን ስዒቡ ዘሎ ቅልውላውን እውን የልዕል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ።

ግብጺ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ዓዳጊት ስርናይ ኰይና፡ ሩስያን ዩክረይንን ድማ ቀንዲ ኣቕረብቲ ዕዳጋ ስርናይ ግብጺ እየን ነይረን።

እቲ ኲናት ግን ንምንቅስቓሳት ሰደድ ምስ ኣተዓናቐፎ ዋጋ ስርናይ - ከም ሳዕቤኑ ድማ ባኒ - ኣዝዩ ወሲኹ።

ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ብብዝሒ ናብ ግብጺ ይገሹ ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ቍጽሮም ብምንካዩ ጽላት ቱሪዝም እውን ገንዘብ ከሲሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣስታት 5% ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ዘምጽእ ዝነበረ ቱሪዝም፡ ድሮ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ተሃስዩ ነይሩ እዩ።

ተንተንቲ፡ መንግስቲ ዝወሰዶም ግጉይ ስጉምትታት ነቲ ዝኸፍአ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዘጋደዶ ይሕብሩ።

ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ሓይልን ጽልዋን ትካላት ፕረዚደንት፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታን ስለያን እናዓበየ ከም ዝመጽአ ክኢላ ፖለቲካን ቁጠባን ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ ታሕሪር ቲሞቲ ካልዳስ ይዛረብ።

ካልዳስ እዚ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ንመንግስታዊ ውዕላት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ስርዓት ዝውነና ትካላት ብምስፋሕ ከም ዝመጽአ ይገልጽ።

ዋጋ ሃለኽቲ ብዕጽፍን ልዕሊኡን ይውስኽ ኣሎ

ከም ውጽኢቱ ድማ ተሳትፎ ውልቃዊ ጽላት ኣዝዩ ነክዩ - ምስቲ ስርዓት ርክብ ዘይብሎም ኩባንያታት ክወዳደሩ ኣይከኣሉን። ብዙሓት ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ድማ ካብታ ሃገር ወጺኦም።

እዞም ብድሆታት ግብጺ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣርባዕተ ግዜ ናይ ምድሓን ሓገዝ ክትሓትት ናብ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ክትኸይድ ገይሮም እዮም።

ዳርጋ ፍርቂ ኣታዊታት እታ ሃገር ነዞም ዕዳታት ንምምላስ ዝውዕል ኰይኑ፡ እዚ ዕዳታት እዚ ድማ 90% ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር ይበጽሕ።

ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንብረት መንግስቲ ገዚአን ንግብጺ ይሕግዛ ኣለዋ፤ ንዝያዳ ወፍሪ ድማ ኵነታት ኣመቻቺአን።

ምዕራባውያንን ጐረባብቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን፡ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ማእከላይ ምብራቕ እንተፈሺላ ክስዕብ ዝኽእል ውድቀት የስግኦም።

ሕሉፍ ቁጠባዊ ጸገማት ግብጺ ናዕቢ ዘስዓበ ኰይኑ፡ ንኽልቲኦም ፕረዚደንት ነበር ሑስኒ ሙባረክን መሓመድ ሞርሲን ንኽወድቁ ምኽንያት ካብ ዝዀነ ጠንቂታት እዩ።

እቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቁጥዐ ድማ መሊሱ ናዕቢ ከም ዘስዕብ ምልክታት ኣሎ።

ሓንቲ ግብጻዊት ንፕረዚደንት ሲሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ "ንሕና ደቂ ኣንስትዮ እቲ ንዓኻ ድምጺ ንምሃብ ብጸልማት ዝኸድናሉ መዓልቲ ክንደየናይ ከም ዘጣዕሰና ክነግረካ ኣይክእልን። ህይወትና ሲኦል ገይርካዮ” ኢላ እያ።

ዊዳድ ብወገና፡ "ሾርባ ዓደስ ዝዕድግ ዓቕሚ የብለይን” ትብል።