'አይአርን ቦት'፡ ገንዘቦም ንመተግበሪ ንግዲ ክሪፕቶ ከሲሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ኣሽሓት ሰባት

ኮምፒዩተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ‘iEarn Bot’ ዝበሃል መተግበሪ ንግዲ ክሪፕቶካረንሲ ወፍሪ ድሕሪ ምግባሮም ዝዓቖሩዎ ገንዘብ ስኢኖም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን።

ነቲ ኩባንያ ዝመርመሩ ክኢላታት፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ካብቶም ዝዓበዩ ዕንደራታት ክሪፕቶ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንግዲ ክሪፕቶካረንሲ ኣዝዩ ሰፊሕ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ሓጺር ግዜ ዓበይቲ ሽልማታት ከም ዝረኽቡ ቃል ይእተወሎም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ቁጽሪ በዚ መገዲ ዝፍጸሙ ምትላላት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ የጠንቅቑን ኣውፈርቲ "ግቡእ ምጽራይ" ከካይዱ ይመኽሩን።

ሮማኒያዊት ሮክሳና (ሽማ ዝተቐየረ) ኣብ ‘iEarn Bot’ ወፍሪ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን ኣማኢት ዩሮ ከም ዝኸሰረት ትዛረብ።

ከም ሮክሳና ነዞም ‘ቦታት’ ዝገዝኡ ዓማዊል ወፍሮም ብፕሮግራም ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ናይቲ ኩባንያ ከም ዝትሓዝን ልዑል ረብሓ ከም ዝረኽቡን ተነጊርዎም።

ሮክሳና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንሓደ ወርሒ ወፍሪ ገይረ። እቲ መተግበሪ ክንደይ ዝኣክል ዶላር ይፈጥር ከም ዘሎ ምርኣይ ትኽእል ኢኻ፤ እቲ ወፍሪ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ኣሃዛት’ውን ነይሩ" ትብል።

"ሙሉእ ንሙሉእ ትኽክለኛ’ዩ ዝመስል፤ ሓደ መዓልቲ ጽገና ከም ዝገብሩ ሓበሬታ ይህቡና፤ ጸኒሑ ክኣ ካብቲ መተግበሪ ዝወጽእ ገንዘብ ተዓጽዩ።

"ገለ ሰባት ገንዘብ ‘ከውጽእ ኣይክኣልኩን . . . እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ’ ክብሉ ጀሚሮም። ከውጽእ ጠሊበ፤ እቲ ገንዘብ ድማ በቃ ጠፊኡ። እቲ ማህደር ባዶ ኰይኑ” ብምባል ተብርህ።

እቲ መተግበሪ ብፍሉጥ ክኢላ ጋብሪኤል ጋራይስ ዝምወል ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሮማንያ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ምሁራትን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ፍሉጣት ሰባት፡ ብመንገዲ እቲ መተግበሪ ወፍሪ ክገብሩ ተጸልዮም እዮም።

ጋራይስ፡ ንሱ እውን ተታሊሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕቋር ኣብቲ መተግበሪ ብምውፋር ገንዘብ ከም ዝኸሰረ ይዛረብ።

ሮክሳና ግን፡ ንሱ እንተዘይምውሎ ነይሩ ገንዘባ ከም ዘይተውፍር ትዛረብ።

"እዚ ምትላል ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ነይሩና’ዩ፤ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ትካልን ዝና ዘለዎ መምህር ምህላዉ ግን፡ ብዙሕ ምጽራይ ኣይገበርናን፤ ኣይተጠራጠርናን" ትብል።

እዚ ኣብ ሮማንያ ጥራይ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣይኰነን። ንሮማንያ እውን ፍሉይ ኣይኰነን።

ኣብ ማእከል ሕጋዊ ትምህርትን ምርምርን ኤውሮጳ፡ ሲልቭያ ታቡስካ ዝተባህለት ሮማንያዊት ክኢላ ውዱብ ገበን ን‘iEarn Bot’ ምስ ርኣየት ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ብዙሓት ሰባት ገንዘቦም ከም ዝሰኣኑ ተረዲኣ።

እቲ ኣዝዩ ዘገረማ ድማ ስፍሓት ናይዚ ስርሒት ምትላል እዩ።

"ኣዝዩ ልዑል ቑጽሪ ኣውፈርቲ ኢና ርኢና። ንኣብነት ኣብ ኢንዶነዥያ፡[iEarn Bot] 800 ሽሕ ዓማዊል ከም ዝነበሮም ይዛረቡ። ኣብ መጀመርታ እቲ መተግበሪ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ” ትብል።

ወሲኻ፡ "ኣብ ሓንቲ ሃገር እኹል ኣውፈርቲ ምስ ዝህልዎምን ኣብኡ እኹል ወፍሪ ምስ ዝገብሩን፡ እታ ሃገር ካብዚ ንላዕሊ ክትወጽእ ኣየፍቅዱን፤ ስለዚ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ይኸፍቱ” ኢላ።

ሲልቭያ ታቡስካ፡ ሮማንያዊት ክኢላ ውዱብ ገበን
መግለጺ ስእሊ, ሲልቭያ ታቡስካ፡ ሮማንያዊት ክኢላ ውዱብ ገበን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

‘iEarn Bot’ ንነብሱ ኣብ ኣሜሪካ መደብሩ ዝገበረ እሙን ኩባንያ ምዃኑ ይገልጽ።

ቢቢሲ ግን ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ መርመራ ምስ ገበረ፡ ገለ ዘጠራጥሩ ነገራት ክዕዘብ ክኢሉ።

እቲ ድረ ገጽ መስራቲ ናይቲ ትካል ምዃኑ ሽሙ ዝጠቕሶ ውልቀሰብ ብዛዕባኦም ሰሚዑ ከም ዘይፈልጥን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከም ዘቕረበን ይገልጽ።

ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ ምስ ከም በዓል ሁዋዌን ኳልኮምን ዝኣመሰሉ ኩባንያታት "ስትራተጂካዊ መሻርኽቲ" ‘ኣይአርን ቦት’ ተባሂሎም ተረቚሖም ኣለው።

እንተዀነ፡ ንሳቶም እውን ብዛዕባ እቲ ኩባንያ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎምን ምስኡ ከም ዘይሰርሑን ገሊጾም።

እቲ ኩባንያ፡ ክርከበሉ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ሓበሬታ ግን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣይሰፈረን።

ቢቢሲ ታሪኽ ናይ ፌስቡክ ገጹ ምስ መርመረ፡ ክሳብ መወዳእታ 2021፡ እቲ ኣካውንት ክብደት ሰብነት ንምጉዳል ዝሕግዙ ፍርያት ዘወዓውዕ ምንባሩ ፈሊጥና።

እዚ፡ ካብ ቬትናምን ካምቦድያን ዝመሓደር እዩ።

‘iEarn Bot’ ኣውፈርቲ ናብቲ መተግበሪ ንኽጽንበሩ ሰባት ንኻልኦት ጽልዋ ክገብሩ ኣብ ምድፋእ ዓቢ ትኹረት ይህብ።

ቢቢሲ፡ ካብ ኣገልግሎት ዓማዊል ‘ኣይዘርን ቦት’ ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ገንዘቦም ንምውጻእ 30% ክፍሊት ክኸፍሉ ከም ዘለዎም ንኣውፈርቲ ዝዛረቡሉ ዕላል (ቻት) እውን ርእዩ እዩ።

"ገለ ሰባት ገንዘቦም ንምምላስ ስለ ዝደለዩ፡ ነቲ ክፍሊት ከፊሎም - ግን ሕጂ'ውን ክውጽኡ ኣይከኣሉን" ትብል ሲልቭያ ታቡስካ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ‘iEarn Bot’ መብርሂ ንምርካብ ተደጋጋሚ ሕቶ እኳ እንተኣቕረበ፤ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበን።

ኣብ ገለ ሃገራት ከም ናይጀርያን ኮሎምብያን፡ ከባብያዊ መራሕቲ ብዛዕባ ‘iEarn Bot’ ብዝሰብኹ ሰባት -ብቴሌግራም ጥራይ ዝረኽቡዎም- ገንዘቦም ከውፍሩ ተደፊኦም እዮም።

ካብ ኮሎምብያ ዝመጽአ ኣንድሬስ፡ ሰባት ናብቲ መተግበሪ ንኽጽንበሩ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ።

ሕጂ'ውን እቲ ኩባንያ ሕጋዊ ምዃኑ ይኣምን።

ኣብ ሃገሩ፡ ካብቲ ኩባኒያ ገንዘብ ምውጻእ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ደው ኢሉ።

ሰባት፡ እቲ ኩባንያ USDT - ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎ ክሪፕቶካረንሲ - ናብ ‘iBot’ ዝተባህለ ሓድሽ ሳንቲም ይቕይሮ ከም ዘሎ ተነጊርዎም።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣውፈርቲ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ክዕገሱ ተሓቲቶም።

ኣብቲ እዋን እቲ ሓድሽ ሳንቲም ብወግዒ ክዝርጋሕ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ሰባት ግን ሕጂ’ውን ገንዘቦም ንምርካብ ይጽበዩ ኣለዉ።

"[ሰባት] ንወፍሪ ልቓሕ ወሲዶም። ካብ ካልእ ምንጭታት ዝረኽቡዎ ገንዘብ’ውን ተጠቒሞም። በዚ ብዙሓት ሰባት ተጸልዮም’ዮም። መራሕቲ እቲ ከባቢ መልሲ ስለ ዘይነበሮም ድማ ሰባት ክሓርቑ ጀሚሮም" ይብል ኣንድሬስ።

ቢቢሲ ብሓገዝ ሓደ ተንታኒ፡ ካብ ኣስታት 13 ሽሕ ግዳያት ክፍሊት ዝተቐበለን ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ዝረኸበን ሓደ ቀንዲ ዋሌት ክሪፕቶ ከለሊ ክኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ገንዘብ ናበይን ናብ መንን ከም ዝኸደ ክንፈልጦ ኣይከኣልናን። ንመርመርቲ እዚ ልሙድ ጉዳይ እዩ።

"ሓደ ካብቲ ብድሆታት፡ እቲ ዘይሕጋዊ ተዋሳኣይ መን ምዃኑ ምልላይን ምምስሳልን፣ ናበይ ከም ዝኸይድ ምፍላጥ፣ ድሕሪኡ ድማ ስጉምታት መርመራን ምኽባር ሕግን ምውሳድ ምኽኣል'ዩ" ይብል ሓላፊ ሓድሽ ኣሃዱ ዲጂታላዊ ሃብቲታት ኤፍ.ቢ.ኣይ ጆን ዋይማን።

ሚስተር ዋይማን፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደጋታት ወፍሪ ክሪፕቶ ምምሃር መታለልቲ ደው ንምባል ቁልፊ ምዃኑ ይዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ሚስተር ዋይማን፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደጋታት ወፍሪ ክሪፕቶ ምምሃር መታለልቲ ደው ንምባል ቁልፊ ምዃኑ ይዛረብ

ኣብ ከምዚ ዓይነት ውዲት ዝግበር መርመራታት፡ ብቕልጡፍ ዓለምለኻዊ ከም ዝኸውን ይዛረብ።

ከምዚ ዓይነት መርመራታት ኣህጉራዊ ምትሕብባር ዝሓትትን ዝያዳ ግዜ ክወስድ ዝኽእልን እኳ እንተዀነ፡ እቶም ተሓተትቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ግን ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ገበናት ዲጂታላዊ ባጤራታት ምላሽ ንምሃብ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣሃዱ ዲጂታላዊ ሃብቲታት ኣቚሙ።

ግዳያት ምትላል ዝዀኑ ሰባት ድማ ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ገጽ ኤፍ.ቢ.ኣይ ጥርዓን ከቕርቡ ጻውዒት የቕርብ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ንመታለልቲ ንምምካት እቲ ዝበለጸ መገዲ ምክልኻል ምዃኑ ይሕሉ።

"ፍልጠት - ከምኡ'ውን ቅድሚ እቲ ወፍሪ ገለ ግቡእ ምጽራይ ምግባር - ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ” ክብል ዋይማን ይምዕድ።