ኣውራ ተዋሳእቲ ኲናት ዒራቕ - ሕጂ ኸ ኣበይ ኣለዉ?

ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወራር ቅድሚ ዕስራ ዓመት በዛ ዕለት እዩ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወራር ቅድሚ ዕስራ ዓመት በዛ ዕለት እዩ ጀሚሩ

‘ኣጽዋራት ጃምላዊ ህልቂት’ ዒራቕ ከም መመኽነይታ ገይሩ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣንጻር ዒራቕ ዝፈነዎ ወራር፡ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ እዩ ተበጊሱ።

እንተዀነ እቲ ኵነታት ኣብ ውሽጢ ክሊ እታ ሃገር ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰካፊ ንዝዀነ ጐነጻትን ዘይምርግጋኣትን ጠንቂ ኰይኑ እዩ።

እቲ ብ20 መጋቢት 2003 ዝተጀመረ ኣካታዒ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ንስርዓት ሳዳም ሑሴን ብቕልጡፍ’ኳ እንተኣለየ፡ ነዊሕ ቃልሲ ዝሓተተ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ኣንጻር ናዕብታትን ፖለቲካዊ ምትፍናንን ኰይኑ እዩ።

ሳዳም ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ታሕሳስ 2003 ተታሒዙ፤ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ብሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ።

ኣብቲ ሎሚ’ውን ሓያል ክትዕ ዘልዕል ዘሎ ኲናት ዒራቕ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቱ፡ መራሕቲ፡ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን በዓል መን እዮም ነይሮም? ኮሚካልን ከሚካልን ዓሊ’ኸ ብኸመይ ይዝከሩ? እቲ ‘ኣንጻር ሓይልታት ወጻኢ ብምቅላስ’ ስሙ ዘዕበየ ሃይማኖታውን ፖለቲከኛን ከምኡ’ውን እቲ ጫማኡ ኣውጺኡ ናብ ጆርጅ ቡሽ ብምድርባይ ኣብ እዋኑ ዓለም ዘዛረበ ጋዜጠኛ ኸ ኣበይ ይህልዉ? እዚ ጽሑፍ ዝድህስሶ እዩ።

ሳዳም ሑሴን

ሳዳም፡ ካብ 1979 -2003 ንዒራቕ በትረ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ዝገዝአ መራሒ እዩ። ኣብ 1990-91 ኣብ ዝነበረ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ካብታ ኣብ ነሓሰ 1990 ወሪሩ ዝሓዛ ጐረቤት ሃገር ኩዌት ብኸቢድ ተደፊኡ ክወጽእ’ኳ እንተገብሮ፡ እቲ ስዕረት ግን ንውድቀት መንግስትነቱ ንስክላ እዩ እትሪፍዎ።

ድሕሪ 13 ዓመታት እዚ ፍጻመ ግን፡ ወራር መጋቢት 2003 መጺኡ ንሓይልታቱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ኣፍሪስዎ። እቲ ውልቀ መላኺ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ብ13 ታሕሳስ ብሓይልታት ኣሜሪካ ክሳብ ዝማረኽ ተሓቢኡ ነይሩ።

ኣብ 2006 ኣብ ባቕዳድ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ። ኣብታ ዕለት መንግስታዊ ተለቪዥን ዒራቕ፡ ሳዳም ሑሴን ቅድሚ ወጋሕታ ኣብቲ ኣብ ሓደ እዋን ትካል ስለያኡ ንቕትለት ሰባት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ህንጻ ንማሕነቕቲ ክኸይድ እንከሎ ዘርኢ ምስልታት ዘርጊሓ።

ሳዳም ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ማሕነቕቱ፡ ነቲ መሸፈኒ ገጽ ምግባር ኣብዩ።

ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ

ኣብ 2003 ጆርጅ ቡሽ ኣሰር ናይቲ ካብ 1989 - 1993ን ንኣሜሪካ ዝመርሐ ኣቦኡ ጆርጅ ቡሽ ስዒቡ፡ ኣንጻር ዒራቕ ኲናት ዘካየደ ካልኣይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኰይኑ።

ኣብ 2001 ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ቡሽ ጁንየር ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ደገፍ ዝረኸበ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብቲ ሞት ልዕሊ 4,400 ኣሜርካውያን ዘስዓበ ንኲናት ዒራቕ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ብሰፊሕ ይውቀስ፤ ኣብ 2009 ዋይት ሃውስ ክለቅቕ እንከሎ ድማ ዝተሓተ ደገፍ ዘመዝገበ ፕረዚደንት ምዃኑ እዩ ተራእዩ።

ኣብዚ እዋን 75 ዓመት ኰይንዎ ዘሎ ቡሽ፡ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንደሓር ሃሲሱ’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብቲ ስሕት ኢሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቐርበሉ እዋን ግን፡ ነቲ ኲናት ንምእታው ዝወሰዶ ውሳነ ጸኒዑ ክዛረብ እዩ ዝስማዕ።

ጆርጅ ቡሽ [ጸጋም] ቶኒ ብሌር [የማን]

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ጆርጅ ቡሽ [ጸጋም] ቶኒ ብሌር [የማን] ካብ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ኲናት እዮም ዝነበሩ

ቶኒ ብሌር

ዝና ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር፡ ንኲናት ዒራቕ ብዝገበሮ ደገፍ፡ ልዕሊ ጆርጅ ቡሽ ሕማቕ ተወቒዑ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።

ብሌር በቲ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ዝተገብረ ወግዓዊ መርመራ ብኸቢድ ተነቒፉ እዩ፤ እቲ ኣብ 2016 ዝተደምደመ ገምጋም መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ስግኣት ሳዳም ካብ መጠን ንላዕሊ ኣጋኒኑ ከምዝገለጾ፡ ብቝዕ ምድላው ዘይነበሮ ሰራዊት ናብ ውግእ ብምልኣኹን፡ ድሕሪኡ ንዝመጽእ ሳዕቤናት ዝበቅዕ ቅድመ-ምድላው ብዘይምክያድን ካብቲ ብወግዓዊ ገምጋም እቲ ኲናት ዝተዋህበ መደምደምታ እዩ።

ኣብዚ እዋን 69 ዓመት ዝገበረ ብሌር፡ ኣብ 2007 ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቝ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ነቲ ‘ቶኒ ብሌር ኢንስቲትዩቱ ፎር ግሎባል ቸንጅ’ ዝብል ትካሉ እዩ ወፍይዎ።

ጉዳይ ዒራቕ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይለቐቘን ዘሎ፤ ብሌር ‘ናይትሁድ’ ዝብል ንኽብሪ ዝወሃብ ሽልማት ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ኣንጻሩ ናይ ጥርዓን ፊርማ ከቲሞም።

ዲክ ቸኒ

ምክትል ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ዝነበረ ቸኒ፡ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ብትሪ ዝድግፍን ዝምድርን ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ኣሜሪካ ከም መመኽነይታ ‘ቲ ኲናት ዘቕረበቶ “ስርዓት ሳዳም ሑሴን ኣጽዋራት ጃምላዊ ዕንወት ኣለዎ” ዝብል ክሲ ኣብ ሓያለ ህዝባዊ መድረኻት ኣቕሪብዎ እዩ።

እዚ ሕጂ ወዲ 82 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ዲክ ቸኒ፡ ካብ ስራሕ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ፡ ዘይከም ቡሽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እታ ሃገር ርእይቶታት ኣብ ምሃብን ምጽሓፍን ብጻዕቂ ክሳተፍ ዝርአ እዩ።

ብጉዳይ’ቲ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ’ውን ንዶላንድ ትራምፕ ብቕሉዕ ነቒፍዎ።

ዶናልድ ራምስፊልድ

ዶናልድ ራምስፊልድ ካብ 2001 - 2006ን ጸሓፊ ምክልኻል ምምሕዳር ቡሽ ዝነበረ እዩ። ራምስፊልድ፡ ኣብ ወራራት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ግን ከኣ ኣካታዒ ሰብ እዩ ነይሩ።

ራምስፊልድ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ ነገር፡ ንሳዳም ሑሴን ንምእላይ ዝደፍአ፡ "ኣማራጺ ስለያዊ ገምጋማት" ብምሃብ በቲ ሓደ፡ በቲ ኻልእ ከኣ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላትን ምስቓይን ዓይኑ ዓሚቱ ሓሊፍዎ ተባሂሉ ብትሪ ይኽሰስ።

ኣብ ኣሜሪካ ብኣተሓሕዛ ኲናት ዒራቕ ዝሰዓበ ህዝባውን ፖለቲካውን ተቓውሞታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ራምስፊልድ ኣብ 2006 ስልጣኑ ለቒቝ።

ንሱ ግን ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣይሃሰሰን - ታሪኽ ህይወቱ ጽሒፉ፤ ብዛዕባ ሞያኡ ኣብ ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ተሳቲፉ።

ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ጸሓፍቲ ምክልኻል ኣሜሪካ ነበር ብምዃን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ዝወረዶ ስዕረት ንምቕልባስ ካብ ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነታት ክቝጠብ ኣጠንቂቝ።

ራምስፈልድ ኣብ ሰነ 2021 ብሕማም መንሽሮ ዓሪፉ።

ኮንዶሊዛ ራይስ

ራይስ፡ ኣብ ሸሞንተ ዓመታት ዘመነ ስልጣን ቡሽ ቀዳመይቲ ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ፡ ቀጺላ ድማ ጸሓፊት ክፍሊ ወጻኢ ወጻኢ ብምዃን ዘገልገለት ኰይና፡ ኣብ ታሪኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝለዓለ ኣብያተ ጽሕፈት ዝሓዘት ቀዳመይቲ ጸላም ኣሜሪካዊት እያ።

ንሳ ደጋፊት ኲናት ዒራቕ ብምዃን፡ ብዛዕባ’ቲ ብስርዓት ሳዳም ዝርአ ዝነበረ ስግኣታት ኣብ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ብንጥፈት ዝጐስጐሰትን፡ መራሒ ዒራቕ ብቕልጡፍ ኑክለራዊ ኣጽዋር ክውንን ይኽእል እዩ፡ ብምባል ኣብ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ከይተረፈ ዝተዛረበትን ካብ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ኲናት እያ።

ቡሽ ካብ ዋይት ሃውስ ምስ ወጸ፡ ራይስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ናብ ኣካዳሚያዊ ሞያኣ ዳግማይ ተመሊሳ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ግን ናብ ፖለቲካ ተመሊሳ እያ ዝብል ወረታት ክናፈስ’ኳ እንተተሰምዐ፡ ንሳ ግን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር ትካል ‘ቲንክ-ታንክ’ ሁቨር ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ፖል ብረመር

ብረመር ኣብ ግንቦት 2003፡ ብፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ኣመሓዳሪ ግዝያዊ ጥምረት ዒራቕ ኰይኑ ተመዚዙ፡ ዝለዓለ ሲቪላዊ በዓል መዚ እታ ሃገር ብምዃን ዝሰርሐ እዩ።

ንሱ፡ ሰራዊት ዒራቕ ንምፍራስ ብዝወሰዶ ውሳነ ብተሪር ተነቒፉ፤ ንዳግመ ህንጸት ዒራቕ ዝተባህለ ገንዘብ’ውን ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን 81 ዓመት ኰይንዎ ዘሎ ብረመር፡ ኣብ ገጠራት ግዝኣት ቨርሞንት ኣሜሪካ ብሕት ዝበለ ህይወት ይነብር ኣሎ።

ኣብ 2018 ኣብ ሓደ መዘናግዒ ቦታ ከም ዓላሚ ምንሽርታት ኣብ በረድ ኰይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ምስተገልጸ ኣብ ኣሜሪካ ኣርእስታት ዜና ኰይኑ ነይሩ።

ኮሊን ፓወል

ኮሊን ፓወል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሊን ፓወል፡ ኣብ ፈለማ ንመደባት ወራር ዒራቕ ተቓዊሙ እዩ

ጀነራል ፓወል፡ ኣብ እዋን ኲናት ዒራቕ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝነበረ ኰይኑ፡ ነቲ ሓላፍነት ዝሓዘ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኣሜሪካዊ እዩ።

ንሱ ኣብ ኲናት ወሽመጥ 1990-91 ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ልፍንቲ ኰይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።

ፓወል ዘይከም ካልኦት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳር ጆርጅ ቡሽ፡ ኣብ ፈለማ ንመደባት ወራር ዒራቕ ዝቃወም’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ለካቲት 2003 ግን ኣብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣድላይነት ወተሃደራዊ ምትእትታው ክጣበቕን፡ ስርዓት ሳዳም ኣጽዋር ይሓብእ ከምዘሎ ዝገልጽ መርትዖታትን ከቕርብ ተሰሚዑ።

እቲ ጀነራል፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት [2003] ዝቐረበ ስለያዊ ሓበሬታ “ዘይቅኑዕ" ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ድሕሪ ምእማን፡ ኣብ 2004 ስልጣኑ ለቒቝ።

ንሱ ከም መዳራይ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ዝነበሮ ሞያኡ ስዒቡ፤ ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ከኣ ንሪፓብሊካን ራሕሪሑ ንሕጹይ ዲሞክራት ባራክ ኦባማ ደጊፉ።

ፓወል ኣብ 2021 ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ምቅዋስ ጥዕና፡ ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

ሃንስ ብሊክስ

እዚ ሽወደናዊ ዲፕሎማትን ፖለቲከኛን፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 2003 ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራር ምጅማሩ፡ ንኮሚሽን ምክትታል፡ ምርግጋጽን መርመራ ሕቡራት ሃገራት ን’ኣጽዋራት ጃምላዊ ዕንወት ዒራቕ’ ዝመርሐ እዩ።

እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ኣብ መወዳእታ ዝዀነ ብዛዕባ’ቲ ዝበሃል ዝነበረ ኣጽዋራት ኣይረኸበን።

ብሊክስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስቶክሆልም ዝነብር ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝካየዱ ክትዓት ኣህጉራዊ ፖሊሲ ጸጥታ ንጡፍ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብሊክስ ኣብ መበል 94 ዓመቱ ‘አ ፈይርወል ቱ ዋርስ’ [ስንብታ ንወግኣት] እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ከሕትም ተቓሪቡ ኣሎ።

ዓሊ ሓሰን ኣልመጂድ - 'ከሚካል ዓሊ'

እዚ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዒራቕ ነበር፡ ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ኩርዳውያን መጥቃዕቲ መርዛም ጋዝ ኣካይዱ፡ ኣሽሓት ሰባት ብምቕታሉ፡ ነቲ ኬሚካል ዓሊ ዝብል ህቡብ ሳጓኡ ዝረኸበ እዩ።

ከሚካል ዓሊ፡ ኣብ ነሓሰ 2003 ብሓይልታት ኣሜሪካ ተታሒዙ፡ ብጃምላዊ ቅትለትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተኸሲሱ፡ ኣብ ጥሪ 2010 ድማ ብማሕነቕቲ ተቐቲሉ።

መሓመድ ስዒድ ኣ’ሰሓፍ - ‘ኮሚካል ዓሊ’

ኣ’ሰሓፍ፡ ኣብ እዋን ወራር 2003 ሚኒስተር ዜና ዒራቕ እዩ ዝነበረ። እቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ ድማ መዓልታዊ ነቲ ኵነታት ብዝተጋነነን ዝተዛብዐን መልክዑ ዘቕርብ ጋዜጣዊ መግለጺታት ክህብ ተሰሚዑ።

ክሳዕ’ቲ ዳርጋ መወዳእታ ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴን’ውን፡ ሓይልታት ዒራቕ ዓወታት ይጐናጸፉ ከም ዘለዉን፡ ሓይልታት ኣሜሪካ ክሰዓሩ ምዃኖምን መግለጺታ ኣጋዊሑ። በዚ ድማ "ኮሚካል ዓሊ" ዝብል ዋዛ ሓዘል ሳጓ ረኺቡ።

ሃለዋቱ ኣብዚ እዋን ምስጢር'ዩ፤ ናብ ኢማራት ዓረብ ከም ዝሃደመ ግን ይእመን።

ሞቕታዳ ኣ’ሳድር

ሞቕታዳ ኣ'ሳድር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሞቕታዳ ኣ'ሳድር ሰፊሕ ደገፍ ዒራቓውያን እዩ ዘለዎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ኣስላም ኰይኑ፡ ኣብቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራር ስሙን ደረጃኡን ዓብዩ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ብ “ሰራዊት ማህዲ” ዝፍለጥ ምልሻኡ ኣንጻር ወተሃደራት ወጻኢ ከም ዝተዋግአ እዩ ዝፍለጥ።

ወዲ 49 ዓመት ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዕቝድ ኣብ ህዝባውን ፖለቲካውን ህይወት ዒራቕ ዓብላሊ ሰብ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። እቲ ‘ማህዲ’ ዝተሰምየ ሰራዊቱ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴን ንኣሜሪካን ንሓይሊ ልፍንታዊ መንግስቲ ዒራቕን ካብ ዝተዋግኡ ሓያላት ሚሊሻታት ኰይኑ ተቐልቂሉ።

ድሒሩ ድማ ነቲ ሓይሊ፡ ‘ብርጌድ ሰላም’ ኢሉ ዳግማይ ክሰምዮ እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንሓይልታት ምክልኻል ዒራቕ ዘቘሙ ዕጡቓት ሓይልታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሰራዊት ማህዲ ምስ ኢራን ርክብ’ኳ እንተነበሮ፡ ኣ’ሳድር ኣብቲ ዳሕረዋይ እዋን ብፍላይ ካብታ ጐረቤት ሃገሩ ዝዀነት ሺዓ -ኢራን ብምርሓቕ፡ ዒራቕ ካብ ዝዀነ ጽልዋታት ኣሜሪካን ኢራንን ሓራ ክትከውንን ምትእትታው ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ዒራቕ ከብቅዕን ዝቃለስ ‘ሃገራዊ’ ኰይኑ ነብሱ ደሪቱ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ገዚፍ፡ ከቢብ ጸሊም ዕማመት ዘዘውትር፡ ጸሊም ሕብሪ ዓይኑን ግሩምን ዒራቓዊ ፖለቲከኛ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ነቶም ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ቀጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብልሽውናን ዝሳቐዩ ዘለው ተራ ዒራቓውያን ዝሕለቕን ናታቶም ተሪርን ሰፊሕን ደገፍ ዘለዎን እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ዒራቕ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ብቕጽበት ናብ ጐደናታት ከውሕዝን ከንቀሳቕስን ዝኽእል ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ እዩ።

ኣብ ሓምለን ነሓሰን 2022 ፓርላማ ዒራቕ ክልተ ግዜ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ደገፍቱ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ንህንጻ ፓርላማ ወሪሮም ንሰሙናት ኣብኡ ዓስኪሮም ምንባሮም ይዝከር።

ኑሪ ኣልማሊኪ

ኣልማሊኪ ድሕሪ ውድቀት ሳዳም ንምሉእ ዘመነ ስልጣን ዘገልገለ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኰይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2006 ስልጣን ሒዙ።

እንተዀነ ነቐፍቲ ንፖለቲከኛታት ሱኒን ኩርዳውያንን ኣግሊልዎም ክብሉ ይኸስዎ። ኣልማሊኪ ካብ 2007 ኣትሒዙ ክእለ ጻውዒት’ኳ እንተቐረበሉ፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፍሽለት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማዊ መንግስቲ እዩ ኣብ 2014 ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

እቲ ወዲ 72 ዓመት ኑሪ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት እታ ሃገር ብንጥፈት ይዋሳእ ኣሎ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኣ’ሲስታኒ

ኣ’ሲስታኒ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ሺዓ ዒራቕ ብምዃኑ ድሕሪ እቲ ወራር ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዒራቕ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ ሰብ እዩ። ዘይከም ኣ'ሳድር ካብ ብጐነጽ ብፖለቲካዊ ጐስጓሳት ምቅላስ ዝብል መስመር ከም ዝመረጸ እዩ ዝንገረሉ።

ኣ'ሲስታኒ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድሚኡ’ውን እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዒራቕ ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ እዩ።

ሙንተዳር ኣ’ዘይዲ

ጋዜጠኛ ፈነወ ዒራቕ ሙንተዳር ኣ’ዘይዲ ብዘገርም ኵነታት እዩ ዓለማዊ ዝና ረኺቡ። ንሱ ኣብ ታሕሳስ 2008 ኣብ ባቕዳድ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ቡሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ጫማኡ ኣውጺኡ ናብቲ ፕረዚደንት ብምድርባይ እዩ ዓለም ኣዛሪቡ።

ሽዑ ቡሽ፡ ንመወዳእታ ግዜ ከም ፕረዚደንት ንዒራቕ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ እዩ ዝነበረ’ሞ፡ ኣ’ዘይዲ ነታ ቀዳመይቲ ጫማ እናደርበየ፡ "እዚ ካብ ህዝቢ ዒራቕ ዝመጸ ናይ ስንብታ ስዕመት'ዩ - ኣንታ ኸልቢ" ኢሉ ክጭድር ተሰምዐ።

እቲ ጋዜጠኛ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣስረ ኰይኑ፡ ኣብኡ ብዙሕ ከምዝተሳቐየ እዩ ዝገልጽ። ኣ’ዘይዲ ድሕሪ ምፍታሑ ናብ ሊባኖስ እዩ ተሰዲዱ ነይሩ።

ንሱ፡ ድሒሩ ናብ ዒራቕ ተመሊሱ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ መረጻ ዒራቕ ተሳቲፉ ኣይተዓወተን።

ኣብ ቀረባ ግዜ ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነታ ፍጻመ፡ "እቲ ኣጋጣሚ፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ ተራ ሰብ ነቲ ትዕቢተኛ ሰብ ምስ ኵሉ ሓይሉ፡ ምልኩ፡ ኣጽዋሩ፡ መራኸቢ ብዙሃኑ፡ ገንዘቡን ስልጣኑን ኣይፋል ክብሎ ከም ዝኽእል መርኣያ እዩ፡” ኢሉ ገሊጽዎ።